ስነ-ጠፈር፡ ንዝነበረ ርዲኢት ኣፈጣጥራ ዓለም ዝቐየረ ሓድሽ ክልሰ-ሓሳብ

ኣርኮት Image copyright NASA/JHUAPL/SWRI/Roman Tkachenko
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣርኮት ኣብ 'ቅናት ኲፐር' ዝርከብ ካብ ዝፍጠር ዘይተቐየረ ግኡዝ ነገር'ዩ

ብዛዕባ ኣፈጣጥራ ፕላኔታት ተበጺሑ ዝነበረ ክልሰ-ሓሳብ (ትዮሪ) ቁልቁል ኣፍኡ ዝደፍእ ሓድሽ ምርምር ወጺኡ።

ተመራመርቲ ኣድማስ (ዩኒቨርስ) ክሳብ ሕጂ ክብሉና ዝጸንሑ፡ ኣብ ኣድማስ ዝነበረ ግኡዝ ነገራት፡ ብሓይሊ ምስ ተጋጨዉ ብዝተፈጥረ ምፍንጫል ዓበይቲ ፕላኔታትን ወርሒታትን ተፈጢሮም።

እዚ ድማ፡ 'እቲ ዓብዪ ግጭት' ወይ 'ቢግ ባንግ ቲዮሪ' (Big Bang Theory) ተባሂሉ ይጽዋዕ።

እዚ ትማሊ ዝወጽአ ሓድሽ መጽናዕቲ ግን፡ ነቲ ካብ ማእከላይ ደረጃ ኣትሒዝና ክንምሃሮ ዝጸናሕና 'ጆግራፊ' ይኹን ስነሂወት (ባዮሎጂ) ምሉእ ብምሉእ ዝግልብጥ'ዩ።

ተመራመርቲ ከም ዝበልዎ፡ እቲ መስርሕ ምፍጣር ፕላኔታት፡ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝፍለጥ ዝነበረ፡ ብሓያል ግጭት ዘይኮነ፡ ብህድኣት ዝተፈጸመ'ዩ።

እቲ ኣብ መጽሄት ስነፍልጠት (ሳይንስ ጆርናል) ሰፊሩ ዘሎ ውጽኢት ናይቲ ሓድሽ መጽናዕቲ፡ ኣብቲ ኣብ ከተማ ሲያትል፡ ኣመሪካ፡ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ማሕበር ምምዕባል ስነፍልጠት (Association for the Advancement of Science) ቀሪቡ'ሎ።

Image copyright NASA/Bill Ingalls
ናይ ምስሊ መግለጺ ዶ/ር ስተርን (ጸገም) 'ኒው ሆራይዞን' ዝተባህለት መንኮርኮር ብልዕሊ ኣርኮት ከም ዝሓለፈት ኣብ ዘረጋገጸሉ እዋን

ኣብቲ መጽናዕቲ መሪሕ ተራ ዝተጻወተ ዶክተር ኣላን ስተርን፡ ብዛዕባ'ቲ ርኽበት ክዛረብ እንከሎ፡ "ኣዝዩ ዘገርምን ኣመና ዓቢን'ዩ" ክብል ገሊጽዎ።

"ካብ 1960ታትን ኣትሒዙ ዝጸንሐ፡ ጎነጻዊ ግጭት ዝብል ክልሰ-ሓሳብ ነይሩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን እናማዕበለ ዝመጸ ክልሰ-ሓሳብ ግን፡ ህዱእ ምትእኽኻብ ዝብል'ዩ። እቲ ሓደ ሓመድ'ዩ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ንበይኑ ደው ዝበለ። እዚ ኣብ ስነፍልጠት ፕላኔታት ሳሕቲ'ዩ ዘጋጥም። ሎሚ ግን ነቲ ጉዳይ ደምዲምናዮ ኣለና" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እዚ ሓድሽ ፍልጠት፡ ኣብ ሓደ ኣብ ጻት ስርዓተ-ጸሓይ (ሶላር ሲስተም) ዝርከብ ግኡዝ ነገር ደቂቕ መጽናዕቲ ድሕሪ ምክያድ ዝተበጽሐ'ዩ።

እቲ 'ኣሮኮት' (Arrokoth) ተባሂሉ ተጸዊዑ ዘሎ ከውሒ፡ ካብ ጸሓይ 6 ቢልዮን ኪሜ ርሒቑ፡ 'ቅናት ኲፐር' ኣብ ዝተባህለ ክሊ ኣድማስ ዝርከብ'ዩ።

Image copyright Lund Observatory
ናይ ምስሊ መግለጺ ብህድኣት ዝተፈጸመ መስርሕ'ዩ ዝብል ክልሰ-ሓሳብ፡ ቅድሚ 15 ዓመት፡ ብስዊድናዊ ፕሮፌሰር ኣንድረስ ጆሃንሰን ዘማዕበሎ'ዩ

እቲ ክልተ ኣካላት ብሓባር ዘቖምዎ ከውሒ፡ ቅድሚ 4.6 ቢልዮን ዓመታት፡ ፕላኔታት ኣብ ዝተፈጥራሉ እዋን፡ ዝተረፈ ሓድጊ መስርሕ ምቛም ፕላኔታት ምዃኑ ይእመን።

እቶም ተመራመርቲ፡ ሓንቲ 'ኒው ሆራይዞንስ' ዝተባህለት መንኮርኮር ትካል ጠፈር ኣመሪካ፡ ናሳ፡ ዝሳኣለቶ፡ ኣዝዩ ንጽር ስእሊ ድሕሪ ምርካቦም'ዮም ነቲ መጽናዕቲ ኣካይዶሞ።

እቲ ዝረኸብዎ ስእልታት፡ ኣየናይ ክልሰ-ሓሳብ ቅኑዕ ከም ዝኾነ ከረጋግጹ ዕድል ሂብዎም። ብግጭት ድዮም ተፈጢሮም ዋላስ ብህዱእ ምጽንባር?

ዶ/ር ስተርንን ብጾቱን፡ ኣብ ዝገበርዎ ምርምር፡ ንጎነጻዊ ግጭት ጭብጢ ክረኽቡ ኣይከኣሉን።

ናይ ምንቃዕ ምልክት ይኹን ናይ ምጽፋሕ ኣይረኸቡን። እዚ ድማ፡ እቶም ክልተ ኣካላት ናይቲ ግኡዝ ነገር፡ ቀስ ኢሎም ከም ዝተላገቡ ዝሕብር'ዩ።

"እዚ ወሳኒ'ዩ" ይብል ዶ/ር ስተርን። "ኣብ ሓደ በረራ፡ ኣርኮት ነቶም ዝነበሩ ክልተ ክልሰ-ሓሳባት መደምደምታ ክህበሎም ኪኢሉ።"

ኣብቲ ብቅናት ኲፐር (ኲፐር በልት) ዝፍለጥ፡ ጫፍ ክሊ ስርዓተ ጸሓይ ዝርከቡ ግኡዝ ነገራት፡ ኣብ ምምስራት ናይቲ ስርዓት ጀሚሮም፡ ብዘይ ዝኾነ ለውጢ ዝቐጸሉ ምዃኖም፡ ንመደምደምትኦም ቅኑዕ ምዃኑ'ዩ ዶ/ር ስተርን ዝዛረብ- ብምሉእ ምትእምማን።

ናይ ርሑቕ መዋእላት ሓድጊ ከምዘለዎ ዝዓቀቡ ምዃኖም'ዩ ዝንገረሎም።

እቲ ብህድኣት ዝተፈጸመ መስርሕ'ዩ ዝብል ክልሰ-ሓሳብ፡ ቅድሚ 15 ዓመት፡ ኣብቲ ኣብ ስዊድን ዝርከብ፡ ሉንድ ኦብሰርቫቶሪ (መቋመቲ ኣድማስ) ዝሰርሕ ስዊድናዊ ፕሮፌሰር ኣንድረስ ጆሃንሰን ዘማዕበሎ'ዩ።

ንሱ፡ ነቲ ሓሳብ ኣብ ዘቕረበሉ እዋን፡ መንእሰይ ናይ ዶክትሬት (PhD) ተምሃራይ'ዩ ነይሩ።

እቲ ሓሳብ ድማ፡ ካብ ናይ ኮምፒዩተር ሞደል ዝነቐለ'ዩ።

ንሓሳቡ፡ ዶ/ር ስተርን ከም ዘረጋገጾ ምስ ተነግረ ድማ፡ ሓንሳብ ቀዚዙ ከም ዝተረፈ ይዛረብ።

"ፍሉይ ህሞት'ዩ። ይዝከረኒ፡ ናይ ፒ-ኤች-ዲ ተምሃራይ እንከለኹ፡ እቲ ዝረኸብክዎ ውጽኢት ካብቶም ኣቐዲሞም ዝነበሩ ዝፍለ ብምንባሩ፡ ፈሪሐ ነይረ። ኣብቲ ዝተጠቐምኩሉ ኮድ፡ ጌጋ ከይህሉ እሞ እቲ ዝገበርክዎ መስርሕ ግጉይ ከይከውን ሰጊአ ነይረ። ሕጂ ግን፡ ብቀጥታዊ ትዕዝብትታት ተረጋጊጹ ክትርኢ ንከለኻ፡ እፎይታ ዝፈጥር'ዩ" ይብል።

Image copyright Anders Johansen
ናይ ምስሊ መግለጺ ፕ/ር ሃንሰን፡ ንዝተሰምዖ ሓጎስ፡ ንርእሱን ቤተሰቡን ፒሳን ኮካኮላን ብምእንጋድ ጸንቢልዎ።

ፕሮፌሰር ሃንሰን፡ ንዝተሰምዖ ሓጎስ፡ ንርእሱን ቤተሰቡን ፒሳን ኮካኮላን ብምእንጋድ ጸንቢልዎ።

ሓንቲ ካብ ኣቕረብቲ፡ ናይ ቢቢሲ መደብ 'ስካይ ኣት ናይት' (ሰማይ ኣብ ለይቲ) ዝኾነት ኢንጂነር ዶ/ር ማጊ ኣደሪን-ፖኮክ፡ ንሓደ ግኡዝ ነገር ብምዕዛብ ጥራይ ነቲ ዝጸንሐ ርዲኢት ምቕያር ጥንቃቐ ዝሓትት ምዃኑ ትግለጽ እምበር፡ እቲ ትንተና ግን "ክኸውን ልዑል ተኽእሎ ዘለዎ'ዩ" ትብል።

"እዚ ጭብጢ'ዚ ክህሉ ጽቡቕ'ዩ፡ ምኽንያቱ ዋላ'ኳ እቲ ዝነበረ ክልሰ-ሓሳብ'ውን ጽቡቕ እንተኾነ፡ ገለ ብድሆታት ነይሮሞ'ዮም። ስለምንታይ እቶም ነገራት፡ ንሓድሕዶም ምስ ተጣበቑ፡ ኣይተፈላለዩን? ብዙሕ ነገራት ነይሩ ዘይተነጸረ።"

እቲ ኣርኮት ተባሂሉ ተጸዊዑ ዘሎ ግኡዝ ነገር (ከውሒ)፡ ቅድሚ 6 ዓመታት'ዩ ንፈለማ እዋን ተረኺቡ።

'ኣርኮት' ዝብል ቃል ድማ፡ በቲ 'ፖውሃታን/ኣልጎኒኳን' ዝባሃል ቋንቋ መበቆላውያን (ደቀባት) ኣመሪካውያን 'ሰማይ' ዝብል ትርጉም ዘለዎም ምዃኑ ይፍለጥ።