ድምጺ ተቓውሞ፡ 'ሓንቲ ጥይት . . . ሓንቲ ጣቕዒት'

ኣባላት ጉጅለ ባህሊ ትግራይ ኣብ እዋን ገድሊ Image copyright Comanndor Mulu Demoz

መጀመርታ 1960ታት [1967/68 ዓ.ም ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ]፡ ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናጻ ምውጻእ ጀመራ፤ ኣብታ ተምሳሌት ናጽነት ዝኾነተን ሃገር ኢትዮጵያ ድማ፡ ውሽጣዊ ቓልሲ ማዕርነትን ዴሞክራስን ፈኸም ይብል ነበረ።

ንዘውዳዊ ኣገዛዝኣ መሳፍንቲ ኣልዩ ወተሃደራዊ ምሕደራ ዝተኸለ ስርዓት ደርግ፡ ጨቋንን ገዛእን'ዩ ኢሎም ዝኣመኑ ብሄራት እዛ ሃገር፡ በብቦትኡ ተቓውሞታት የልዕሉ፣ ይውደቡ ነበሩ።

ኣብ መሬት ትግራይ ዝነበረ ሰፊሕ ተቓውሞ እዚ ስርዓት ግን፡ ብባህሪኡን ኣበጋግስኡን ዝተፈለየ'ዩ።

ህዝቢ ትግራይ፡ ቋንቁኡ ኣይኮነን ንዳይነት ንዘረባ'ውን ዘይጥዕም ተባሂሉ መንነቱ ተመንዚዑ፣ ከም ህዝብን መሬትን ድማ ድኻን ድሑርን ተባሂሉ።

ዳርጋ ምስሑን ድራሩን ኣረሜነኣዊ ደብዳብን ሞትን ስለ ዝነበረ፡ ንመሪር ብረታዊ ተጋድሎ ተዳልዩ፤ ንብሄራዊ ሓርነቱ ብረት እንተልዕል፡ ብዙሕ ሰራዊት ኣይነበሮን።

ንቓልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝመርሐ ውድብ ህወሓት ኣብ 1967 ዓ.ም ኣብ በረኻታት ደደቢት ተመስሪቱ ቓልሲ ምስ ተጀመረ፡ በቲ ዝተናዕቐ ቋንቁኡ ዝቐርብ ሙዚቃ እቲ ብርቱዕ ሜላ ቓልስን ዘይተምበርካኽነትን ኮይኑ ኣገልጊሉ።

መን ካብ ምንታይ ወጺኡ? ንምንታይ ዕላማ ይቃለስ ኣሎ? ኢልካ ህዝቢ ክተንቅሕ፡ ዘይብተኽ ፖለቲካዊ ዘረባ ድርድር ካብ ምዓል፡ ናይ ሰለስተ ደቒቕ ሙዚቃ ትረዝን፤ ቐልጢፋ'ውን ትሰርጽ።

ኣብ 1968-1969 ዓ.ም ዝቖመት ጉጅለ ባህሊ ህወሓት፡ ክራር፣ ጭራን ዕንድር ፋጻን ሒዛ ከም ዝተበገሰት ተጋዳላይ ሹምየ የዘንቱ።

በዚ ኣቢላ፡ ነቲ ድሑር ብረትን ውሑድ ሓይሊ ሰብን ሒዙ ንበረኻ ዝወፈረ ኮነ፡ ወግሐ ጸብሐ ኲናትን ወረ ኲናትን ሰንሰን ዘበሎ ህዝቢ ዕጥቅን ስንቅን ዝኾኑዎ ኪነጥበባዊ ስራሕቲ ኣፍርያ።

"ሙዚቀኛ ኾይንካ ክትደርፍ ክትጻወት ፍጹም ዘይፈቅድ ዝነበረ ድሑር ስርዓት፡ በቲ ቃልሲ'ዩ ተሰይሩ። እቲ ን17 ዓመት ዘካየድናዮ ብረታዊ ቃልሲ እቲ ባህሊ እውን ኣጸቢቑ ክሽውት፣ ክዕምብብ፣ ብዙሕ ሙዚቀኛ ክፈሪ'ውን ኣኽኢሉ" ይብል ተጋዳላይ ኣርቲስት ገብረስላሴ ብርሃነ ሽሙዬ ምስ ሓመዱ እዩ ዘሎ

ተጋዳላይ ገብረስላሰ፡ ዚያዳ 'ሽሙዬ' ብዝብል ሳጉኡ ስለ ዝፍለጥ፡ ኣብዚ ዛንታ 'ሹምየ' እናበልና ክንቕጽል ኢና።

ወዲ ገባር ሹምዬ፡ ቆልዓ ኮይኑ ክራር እናልዓለ እንትዛነ ብኡ ኣቢሉ ድማ እናስቆንቆነ ዜማ እንክለምድ፡ ኣባል እዚ ዓንዲ ሑቐ ገድሊ ህዝቢ ትግራይ ዝኾነ ጉጅለ ባህሊ ክኸውን'የ ዝብል ባህጊ ሃልዩዎ ዘይኮነ፡ ከፍቲ ዓዲ ኣቡኡ እንተዳርት ፈውሲ ጽምዋ ንክኾኖ'ዩ ዝነበረ።

1972 ዓ.ም ክጋደል ቖሪጹ ናብ በረኻ ምስ ወረደ'ውን እንተኾነ፡ ልኡኽ ውድብ ተቐቢሉ እታ ውድብ ኣብ ዝጠዓማ ክሳብ እትምድቦ ኣብ ሰራዊት ኮይኑ ነቶም ሰራዊት ከዛኒ ክራር ምጽዋት ኣቋሪጹ ኣይፈልጥን።

Image copyright Comanndor Mulu Demoz

ገድሊ፡ ናብ ዝምችአካን ይመልኮ'የ እትብሎን መሓውር ዘይኮነ፡ ውድብ ኣብዚ ኢኻ እተደመዐለይ ኢላ ናብ ዘፋነወትካ ኢኻ ትኸይድ'ሞ፡ ኣጋጣሚ ኮይኑ ናብ መክሊቱ ሰደደቶ።

"ዋ! ኣብ ባህሊ ውድብ'ኮ ብኢደ ወነንኻ ኣይኽየድን፤ ኣነ'ውን ውድብ እያ መዲባትኒ" ዝብል ሹምዬ ጉጅለ ባህሊ ህወሓት ዝሰርሖም ሙዚቃታት፡ ክሳብ እዛ እለት መለዓዓልቲ፣ መዘኻኸርቲ እቲ ዝሓለፈ ተጋድሎን ታሪኽ ትማልን፣ ኣተንበይቲ ጽባሕ ክፍጠር ንዝኽእል ሃንደበታዊ ክስተት ምዃኖም ይዛረብ።

እዞም ደርፍታት፡ ሓቦን ትብዓትን ኮይኖም ሕጂ'ውን ፎቖዶ ከተማታት ትግራይ እንትድረፉ፡ ቦታን ሰዓትን'ኳ ኣይመርጹን።

"ንምንታይ ይመስለኪ ከምዚ ኾይኖም፡ ሓደ ስራሕትና ናይ ሓባር እምበር ናይ ውልቀ ኣይነበሩን። ቐጺሉ እቶም ስራሕቲ ብዕላማ ዝተቓነዩ'ዮም እምበር ንገንዘብ፣ ዝና ወይ ንግዲ ኣይነበሩን። እቲ ዕላማ ዝበልናዮ ሽትኡ ንክወቅዕ፡ ዝበሰለ ግጥምን ዜማን ክዳለወሉ ኣገዳሲ ነይሩ። . . .

. . . ፍኹስ ዝበለ ነገር እንተሃልዩ፡ ክእረም ብምግባር ንሰርሖም ስለ ዝነበርና፡ ኣብ ህልዊ፣ ሕልፉን ኣብ መጻኢ ፍትሒ፣ ሰላምን ልምዓትን ዘተንብዩ ደርፍታት ከም ዝነበሩና፡ ብጭቡጥ ዝረኣዩ'ዮም። ንብስለቶምን ውጽኢቶምን ድማ ዘየካትዑ ኮይኖም ዘመን ተሳገርቲ ኮይኖም ይኸዱ ኣለው" ይብል ሹምዬ።

ሙዚቃ ከም መድፍዕን ቢኤምን

"ንገርኒ'ዶ ሓለፋይ" እንትድረፍ ርእሱ ኣድንን፣ ንብዓት ዝርውርው፣ ኣዒንቱ ጽርግ፣ ትክዝ፣ ስቕስቕ፣ ስቑንቑን ዘይብል. . . ድምጹ ዝጠፍኣቶ ክሳብ ዝመስል ኣብ ጽምዋ ዘይጥሕል ትግራዋይ ዳርጋ የለን።

በቲ ኻልእ ሸነኽ፡ "ዘይንድይቦ ጎቦ ዘይንሰግሮ ሩባ ፍጹም ወይከ የለን

. . . መስመር'ዩ ሓይልና ህዝቢ'ዩ ሓይልና፤ ወይከ ኣይንስዓርን" . . . ዝብል መዝሙር እቲ ዝነበረ ብረታዊ ቓልሲ እንትቃላሕ ድማ፡ ብኣንጻሩ ወለዶ ትማልን ሎምን ትብዕ፣ ጅግን፣ ኩርዕ፣ ሕብን ይብል።

ማሚት ነጋሽ [ሓለፋይ] ካብቶም በዞም ስራሕቲ ኪነት ስምዒቶም ዝቀያየር ሰባት ሓንቲ'ያ።

"ሓለፋይ እንትንደርፍ፡ ኣብ እግርና ወዲቑ ዘእዊ፣ በኽዩ ዘብክየካ፣ ብዙሕ'ዩ። እዚ ደርፊ ክደርፎ ከለኹ ድማ እቶም ፎቖዶ ሽንጥሮ ዝገደፍኩዎም፣ ካብ ጎነይ ዝተፈለየ ብጻይን ህዝብን እዩ ውን ዝብለኒ፤ ግን ቃልሲ ከምኡ'ዩ" ትብል።

ማሚት ሓለፋይ፡ ፖለቲካ ተረዲኡዋ ዘይኮነ ርጋጽ እግሪ ተጋደልቲ ስሒቡዋ ከም ዝወጽአት ትዛረብ።

Image copyright Screen Grab

ብ1972 ዓ.ም ናብ ገድሊ ምስ ወጽአት ኣብ ሰራዊት ተዋጋኢት'ኳ እንተነበረት፡ ብተኽለ ሰብነት ንእስ ዝበለት ስለ ዝነበረት ግን ዘዋግእ ቁመና ኣይነበራን።

ደሓር፡ ልክዕ ከም ሹምዬ ንሳ'ውን ዜማ እቲ ዝዓበየትሉ ከባቢ [ተምቤን] ኣውርስ ተስቆንቁን ስለ ዝነበረት፡ ጠርናፊኣ ናብ ባህሊ ትእቶ ኢሉ ብ1973 ዓ.ም ናብ ጉጅለ ባህሊ ህወሓት ተወዚዓ።

'ሓለፋይ'፣ 'መሬተይ' ዝብላ ሙዚቃዊ ድራማታት፡ ማሚት ዝወሃባ ዝነበረ ዕዮ ቀሊል ዘይምንባሩ ፍንትው ኣቢለን ዘርእያ ስራሕቲ ኪነጥበብ እቲ 45 ዓመታት ኣቑጺሩ ዘሎ ተጋድሎ ሓርነት'የን።

ድኽነት፣ ምዝባዕ ፍትሒ፣ ጥምየት፣ ሞትን ጀግንነትን መልእኽታት እቶም ዝተሳተፈትሎም ስራሕቲ እንትኾኑ፡ ኣብ ዝበለየ ክዳን፣ ዝቖርፈደ ኢድ ማሚት ነጸብራቕ ናብራ እታ ደቃን ጥሪታን ዘወፈየት ትግራወይቲ ኣደ ምንባሮም ትዛረብ።

"እቶም ስራሕቲ ክንሰርሖም ከለና፡ ኣካል እቲ ወጽዓን ውጹዕ ሕብረተሰብን ስለ ዝኾንና፡ ንዕኡ መሲልና ክንሰርሕ ኣየጸግመልናን ነይሩ። ስራሕ እንክትብሃል ከመይ ከም እትሰርሖ ዘምህረካ፣ ዘፍልጠካ ሰብ የለን፤ ግን ባዕሉ እቲ ኩነታት ሓቀኛ ታሪኽ ስለ ዝኾነ ብግቡእ ንክትዓዮ ላዕልን ታሕትን ኢልካ ተለማሚድካ እድኖ ዘለዎ ስራሕ ክትሰርሕ ትግደድ ኢኻ" ትብል።

ስራሕቲ ኪነጥበብ ገድሊ፡ ኣብ ሚዛን ከተቐምጦም ከም ዝኸብዳ እትዛረብ ማሚት ሓለፋይ፡ ሎሚ ዝፈትዎም ብዙሓት ዘመናዊ ሙዚቃታት እንተሃለው'ውን ክንድቲ ናይ ገድሊ ግን ኣይኮነን ትብል።

"እቶም ስራሕቲ ኣብ ልብና ፍሉይ ቦታ ኣለዎም፤ እቲ ወያነ ንቓልዓለም ስለ ዘይነበረ ንዕኡ ንምሕጋዝ ዝስራሕ ዝነበረ ግጥሚ፣ ዜማ፣ ድራማ ነቲ ህዝብን ኩነታትን ብትክክል ዝገልጽ ንሓቂ ዝተሰርሐ ስለ ዝኾነ መወዳድርቲ የብሉን። እቲ ሕብረሰተብ'ውን ካብ ጽቡቕ ደርፊ ሕማቕ ናይ ገድሊ'ዩ ዝስሕቦ፤ ስለዚ ንዓይ ፍሉይ ቦታ'ዩ ዘለዎ"።

እታ ካብ ገዝኣ ብዕድመ ዝነኣሰት ማሚት፡ ንዓብዪ ሓዋ ስሒባ ገዛ ሙሉእ ኣወይና'ያ። ወያነ ትግራይ፡ ዘየንኳሕኩሖ ገዛ ስለ ዘይነበረ ድማ፡ ኣርባዕተ ሓሙሽተ ኮይኖም ካብ ሓደ ገዛ ወጺኦም ተሰዊኦምሉ'ዮም።

ተጋደልቲ ህወሓት፡ ፖለቲካዊ ሕቶ ማዕርነት ሒዞም ናብ ቃልሲ እንትወጽኡ፡ ልዕሊኡ ኣጽኒዑ ሓደ ዝገብሮም ካልእ ልግሲ'ውን ነይሩ።

ናብ ገድሊ እንታይ ስሒቡካ? ምስ ዝበሃል ሓልዮትን ፍቕርን፣ ቅንዕናን ሓቀኝነትን፣ ውፍይነትን ተኣማንነትን ተጋደልቲ፣ ኣከዳድንኦም ወይ'ውን ኣካይድኦም ዝብል ተጋዳላይ ውሑድ ኣይኮነን። ብሙዚቃታት ገድሊ ዝሸፈተ'ውን ብዙሕ እዩ።

ደደቢት ሓዊስካ ዘሎ ምዕራባዊ ዞባ ትግራይ መፈጠር ገድሊ ህዝቢ ትግራይ'ዩ ክብሃል ይከኣል። ኮማንደር ሙሉ ደሞዝን ብጾቱን ነቲ ቓልሲ ዚያዳ ብባህሊ'ዮም ፈሊጠምዎ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ሙሉ ደሞዝ ምስ ሰገናት ሸራሮ

ነዚ ብፍሉይ ይዕዘቦን የስተማቕሮን ስለ ዝነበረ፡ ኣብ 1972 ዓ.ም ሰገን ኮይኑ ጠጒጉ ናብ ገድሊ እንትኸይድ፡ ነፍስሄር ኣርቲስት ተጋዳላይ እያሱ በርሀ ዝርከቦም ተቐቢሎምዎ።

"እቲ ባህሊ ኣነ ክሕወስ ከለኹ ኣብ ጽቡቕ ነይሩ ክበሃል ይኽእል'ዩ፤ እንክጅምር በዓል ገብረጻድቕ፣ ተወልደ መስፍን፣ ሙሉጌታ ዝበሉ ከለው ንፈልጦ ኢና። ንዝተወሰነ ግዘ ናብ ሓይልታት ተበቲኑ ነይሩ። ባይቶ ህወሓት [1972] እንትምስረት ድማ በዓል እያሱ ዳግም ጀሚሮምዎ፤ ንሕና'ውን ተቐበልቲ ኾይንና ጀሚርና። ሽዑ ዝድረፉ ዝነበሩ ደርፍታት መለዓዓልቲ፣ እቲ ቓልሲ'ውን ብሓይሊ ሰብ፣ ማቴሪያል ምስ ህዝቢ ዘለዎ ኣፍልጦ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዝበጽሐሉ ስለ ዝነበረ፡ ባህሊ'ውን ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ነይሩ" ይብል።

ኮማንደር ሙሉ ደሞዝ፡ ተቐባሊ ኮይኑ ጀሚሩ፤ ደራፊ ደሓር ድማ [1975 ዓ.ም] ጊታሪስት ኮይኑ ክሳብ መወዳእታ ኣብ ጉጅለ ባህሊ ተጠርኒፉ መጺኡ፤ ክሳብ ሕጂ'ውን ኣሎ።

ሙዚቃ ገድሊ፡ ልዕሊ እቲ ፖለቲከኛ ወይ ናይ ፕሮፖጋንዳ ካድረ፡ ንኩነታት ከረድእ ዝኽእል ሓይሊ ከም ዝነበሮ ዘዘንቱ ኮማንደር ሙሉ፡ "ምልስ ኢለ እንትዝክሮ፡ ልክዕ ከም ሓደ ክፍለ ሰራዊት፣ ከም ቢኤም፣ ወይ መድፍዕ ኮይኑ ይሰርሕ ነይሩ" ይብል።

"ተጋዳላይ ቅድሚ ናብ ወፍሪ ምኻዱ፣ ካብ ወፍሪ ምስ ተመለሰ፣ መዘናግዕን መምሃርን ንክኸውን ሙዚቃ ይቐርብ። ኣብ እዋን ጸገም፡ ጸገማት ከመይ ከም ዝጠሓስ የርኢ፣ ኣብ እዋን ታሕጓስ የጻውት፣ ኣብ እዋን መስዋእቲ የጸናንዕ፣ ኣብ እዋን ከበድቲ ውግኣት ትብዓትን ሓቦ የስንቕን ነይሩ። ስለዚ እቶም ዝድረፉ፣ ዝግጠሙ ዝነበሩ ስራሕቲ፣ ተዋስኦታት ብሙሉኦም፡ ጠቕላላ እቲ ተጋዳላይ ክገብሮም ዝግብኡ ነገራት ኣብ ምልዕዓል ናይ ባዕሎም ብጽሒት ነይሩዎም"።

ስለ ዝኾነ ድማ፡ ጸላኢ ልዕሊ ዝኾነ መሓውር እታ ውድብ ብትኹረት ይከታተሎ፣ እንትኾነሉ ድማ ጃሱሳት ልኢኹ የጥቅዖ ነይሩ።

ኪነት ገድሊ፡ ንሕንቃቐ ወይ ንወደሳ ዘይኮነ፡ ብሓቂ ፍሉይን ልኡምን'ዩ ነይሩ።

ዕጥቅን ስንቅን ሰራዊት ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ሞተር ቐጻሊ ወፍርታት፣ ዓወታት ብምዃን ህዝቢ ዕላማ ህወሓት ዘካይዶ ቓልሲ ክሰርጾ ዝተጻወቶ ግደ ኣቕሊልካ ዝርአ ኣይኮነን።

" . . . ይሃጅም ኣሎ፤ ይሃጅም ኣሎ ተጋዳላይ ይሃጅም ኣሎ . . . እናተደረፈ ኮነ " . . . ኣያ ሓወይ መዓር ኣፉ ተጋዳላይ'ያ ሓሊፉ" እናተብሃለ ዓወት ክሳብ ዝብሰር፡ ጉጅለ ባህሊ ህወሓት፡ ርዝነት ስራሕታን ተወፋይነታን ንስለ ኣየዐመን።

እዞም ስራሕቲ ብትሑት ናውቲ ሙዚቃ ጥራሕ ዘይኮነ ፍሉይ ትምህርትን ስልጠናን ድራማን ሙዚቃን ዝወሰድሉ ኣጋጣሚ'ውን ብዘይነበረሉ'ዮም ፈርዮም።

"ቆልዑ ኮይንና ወለድና ዝብሉዎም ኣብ ሓንጎልና ኣጽኒሕና ንዕኦም ኣስፊሕና ኣብ ምስራሕ እናተመኻኸርና፡ ነቲ ኩነታት ዝገልጽ ንክኸውን መሪጽና ነቲ መድረኽ ከመይ ገይሩ ኣብ ህዝቢ ይበጽሕ፣ መልእኽቱ ይሰርጽ፣ ንዕላማና ከመይ የዐውት ብዝብል ቅኒት ንሰርሖም ስለ ዝነበርና፡ ከተማ ምስ ኣተና ቲያትር ክትሰርሕ ናይ ዲግሪ ምሩቕ ክትኸውን ከም ዘለካ ምስ ነገሩና ብወገነይ ተገሪመነ'የ" ይብል ሹምየ።

ኣብ ኢትዮጵያ ብቲያትርን ድራማን ሽሞም ዘጽሓፉ ከም ደበበ እሸቱ፣ ኪሮስ ሃይለስላሰ ዝኣመሰሉ ኣርቲስታት ፡ "እዚኦምስ ኤውሮጳ ዘሰልጠነቶም ወያነ'ምበር ፍጹም ኣብ በረኻ ኮይኖም ክስርሑ ዝኽእሉ ኣይኮኑን" ክብሉዎ ዝዝክር ሹምዬ፡ "ሎሚ ኮይነ እቶም ስራሕቲ ክርእዮም ከለኹ፡ ክንደየናይ ብሱል ስራሕ ምስራሕና ይርድኣኒ" ይብል።

ንሙዚቃ ዝተጻሕፈት ሓንቲ ሕደማ፡ ቅድሚ ናብ ደራፋይ ወይ ሙዚቀኛን ካልእን ምኻዳ፡ ትምህርቲ ኮይና ትንበብ፡ ናብቲ ሕብረተሰብ ትውሰድ ነይራ።

"ኪነት ገድሊ ደፊርካ ስቕ ኢልካ ዝእቶ ኣይነበረን፤ መተካእታ ዘይብሉ ልዕሊ መዳፍዕ፣ ታንክን ቦንባን ነይሩ ኢለ እየ ዝገልጾ" በሃሊ'ዩ ተጋዳላይ ሹምዬ።

'ሓንቲ ጥይት ሓንቲ ጣቕዒት ይብሃል ነይሩ'

"ባህሊ፡ ማዕረ ጥይት'ዩ ነይሩ። ሓደ ሓደ ግዘ እቲ ስራሕ ባህሊ እንተኣትዩዎ፡ ልዕሊ እቲ ናይ ካድረ ክፍሊ [08] ወርሒ ተዛሪቡን ንሕና ሓንቲ ምሸት ስራሕ ኣርኢናን ተበጻሕነቱ ሰማይን መሬትን'ዩ" እትብል ኣርቲስት ማሚት ሓለፋይ፡ ፍርቂ ሓይሊ እቲ ቓልሲ'ዩ ነይሩ እንተበልኩ ምግናን ኣይኸውንን ትብል።

በዚ ምኽንያት፡ ኣብ እዋን ገድሊ በሉ እስከ ሓንቲ ጣቕዒት ሓንቲ ጥይት እናተብሃለ፡ ኣበርክቶ እቲ ጉጅለ ባህሊ ይውደስ ነይሩ።

ሓቀኝነት፡ ምኽንያት ዕውት ስርጸት ስራሕቲ ኪነት ገድሊ ምዃኑ እትዛረብ ማሚት፡ እቲ ተጋዳላይ ህይወቱ እናኸፈለ ይሰርሖ ስለ ዝነበረ፡ ዓብዪ ተቐባልነትን ነባሪ ታሪኽን ከትርፍ ከም ዘኽኣሎ ትገልጽ።

"ቲያትር ኣምሲልካ ኢኻ ትሰርሖ፤ ናትና ግን ተግባር'ዩ። ብውነ ልብና መሊእና ተገዲስና፣ ጽዒርና፣ ክስራሕ ኣለዎ ኢልና ኣሚንና ንሰርሕ ስለ ዝነበርና ኩሉ የስተማቕሮ ነይሩ" ትብል።

በዚ ኣብ ክልተ ጫፍ፡ ማለት'ውን ውግእን ምንቃሕ ሕብረሰተብን ኮይንካ ዝስራሕ ዝነበረ ስራሕ፡ ሰራዊት እንትሕጎስ ሽልማት ደብተርን ቢሮን እንተበርክት፡ ህዝቢ ድማ ደቁ እናወፈየ መሊሱ ሓሳብና ህይወትና ስለ ዘርኣኹምና የቐንየልና ይብሎም ነበረ።

Image copyright Screen

"ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ትውይ እናበልኪ

ለይቲ ብሕልመይ እናተመለስኪ

ደሃይ መድረኽ ስምዒ ኣብ ማዕበል ሓምሲ

ቃልሲ ህይወት'ዩ ህይወት'ውን ቃልሲ" እናተብሃለ ቃልሲ፣ ህይወትን ፍቕርን ቐጸለ።

ተጋዳላይ እናተዓወተ፡ መሬት ትግራይ ካብ ጸላኢ ሓራ እናውጽአ ናብ መሬት ኣምሓራን ኦሮሞን'ውን ዘመተ።

ባህሊ ህወሓት ግን፡ ካብ ዓይኒ ጸላኢ ክኽወል ኣይክኣለን። ጃሱሳቱ ልኢኹ መልኣክ መሲሉ ኣብ ሞንጉኦም ይሓድር፤ ወጋሕታ ረፍ ከብሎም ቦንባ ቐቢሩ ይእለ።

ኣብ ሓደ እዋን፡ ማሚት ሓለፋይ ዝነበረታ ጉጅለ ባህሊ ኣብ ራያ ምርኢት ከተርኢ ሓዲራ ምስታ ጉጅለ ባህሊ ዝሓደረ ስለያ ደርጊ፡ ንጉሆ ዓይኖም ከየንቁሑ ቦንባ ደርብዩሎም ብምኻዱ፡ ኣባላታ ርእሶም ተወቒዖም፣ ዝሞቱ ሞይቶም ዝቖስሉ ድማ ቖሲሎም ከቢድ ሓደጋ በጺሑ'ዩ።

"ይግረምኪ፡ ነዚ ኹሉ እናጠሓስካ ግን ናይ ባህሊ ስራሕቲ ይስራሕ ነይሩ፤ ስለዚ ባህሊ ማለት ንተጋዳላይ ዕጥቂ፡ ንጸላኢ ድማ መኸተ ኮይኑ ይወቅዕ ነይሩ" ይብል ኮማንደር ሙሉ።

ትጥቀምሉ ዘለኹም መሳርሒ ኣይተቐበሎን።
ኣደ እያሱ፡ ማማ ኣሰገደች መለስ፡ ጓል 99 ዓመት ኮይነን እኳስ እንታይ እናበለ ይደርፍ ምንባሩ ኣይረሳዓን።

ጉጅለ ባህሊ ድሕሪ ዓወት

ህወሓት፡ ኣብ በረኻ እናሃለወ ወረቐት ጽሒፉ፣ በቲኑ፣ ህዝቢ ኣኪቡ ኣብ ክንዲ ምንቃሕ፡ ብባህሊ ኣቢሉ ልዑል ተራ ይጻወት ነይሩ።

ኣብነት፡ መንእሰይ ክጋደል እንተተደልዩ ኣድላይነት ምግዳል ክገልጽ ዝኽእል፣ ሰዓራይነት፣ እቲ ቓልሲ ቅኑዕን ዲሞክራሲያውን ምዃኑ ብተዋስኦ ወይ ሙዚቃ የቕርብ፤ ካሴት ሓቲሙ ጸላኢ ናብ ዘለዎ ከተማን ኣብ ወጻኢ ናብ ዘለው ተጋሩን ይልእኽ።

"በዚ መንገዲ እቲ ውድብ ንስራሕቲ ኪነጥበብ ከም ዓብዪ ናይ ፕሮፖጋንዳ መሳርሒ ወሲዱ ፍሉይ ትኹረት ይገብረሉ ነይሩ፤ እቲ ውድብ ትሑት ዓቕሚ ሃልዩዎ'ውን ንባህሊ ዝህቦ ዝነበረ ትኹረት መሳርሒታት፣ ኣልባሳት ዘድልኡዎ ናውታት ኣብ ምቕራብ ካብ በጀት መግቢ ነክዩ'ወን የማልአሉ ነይሩ። ከመይ ናይ ህዝቢ ባህሊ ንሕዝ፣ ቋንቋና ነዕቢ፣ እንታይ እንተይልና'ዩ ህዝብና ዝሰምዐና፣ መሳርሕታትና እንታይ ዓይነት ክኾኑ ኣለዎም ዝብል ላዕለዎት መራሕቲ ከይተረፈ ፍሉይ ትኹረት ይገብርሉ ነይሮም፤ ኣዲስ ኣበባ ምስ ኣተና ግን . . . " ይብል ኮማንደር ሙሉ።

1983 ዓ.ም 'ተዓዊትና!' ዝብል ስምዒት ባይታ ሓዘ። ኩሉ ተረጋጊኡ፡ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢትዮጵያ ምስተበታተነ፡ ስራሕቲ ኪነጥበብ ሚሒር ተዘንግዐ።

እታ ራሽን መግቢ ዓጽያ ትድጉሞ ዝነበረት ውድብ ከይተረፈት ዕሽሽ በለቶ። እዚ ነቶም ልዕሊ ብረት ኮይኖም ኮብኲቦም ዓወት ዘጨበጡዋ ከየቐየሞም ስለ ዘይተርፍ፤ 'ኣብዝስ ኣነ'ውን ቅርታ'ለኒ' እዮም ዝብሉ።

"ድሕሪ ዓወት እቲ ጉጅለ ባህሊ ከምቲ ዝነበሮ ኣይቐጸለን፤ ተዓዊትና ኢና ዝብል ስምዒት ነይሩ፤ ድሕሪኡ ህይወት'ውን ተቐይሩ። ኩሉ ከምቲ ናይ በረኻ ኣይኮነን። ኣብ በረኻ ኣብ እግሪ ኦም ብሓንሳብ ትነብር፣ ትጉዓዝ፣ ትደጋገፍ፤ ድሕሪ ሰላም ግን ኩሉ ገጹ ናብ ናብራ ኣዚሩ" ትብል ተጋዳሊት ማሚት ሓለፋይ።

ድሕሪ ዓወት፡ እቲ ጠመተ ሃገር ናብ ምምሕዳር፣ ናብ ልምዓትን ምጥፋእ ድኽነትን ስለ ዘዘንበለ ተጽዕኖ ኣሕዲሩ'ዩ ዝብል ኮማንደር ሙሉ፡ ንኻልኦት ጽላታት ክንዲ ዝተውሃቦም ትኹረት ነቲ ዓንዲ ዓወትና ዝኾነ ባህሊ ኣይተውሃበን፤ ዕሽሽ ተባሂሉ'ዩ ኢሉ ይነቅፍ።

"እወ፡ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምእታውና እቲ ውድብ ከምቲ በረኻ እናሃለና ዝህቦ ዝነበረ ትኹረት ኣይገበረን። ንኻልኦት ጽላታት እኮ ናብ ካልእ ዓዲ እናኸድካ ተሞክሮ ይወሰደሉ'ዩ፤ ባህሊ ግን ኣዲስ ኣበባ ካብ እንኣቱ ክሳብ ሕጂ ወጺእና ኣይንፈልጥን፤ ኣብዚ ነቐፌታ ኣለኒ" ኢሉ።

ተመሳሳሊ ስምዒት ዘለዎ ተጋዳላይ ሹምዬ ብወገኑ፡ "ልዕሊ እቲ በረኻ ዝነበረ ክንሰርሕ ኢና ኢልና ንጽበ እንተነበርና'ውን፡ ብላዕሊ ነቲ ባህሊ ዕሽሽ ስለ ዝተብሃለ ጠመተ ኣይተገበረን። ጠመተ እንተዘይብሉ ድማ ንናብራ ከክድግፍ ስለ ዘይኽእል ዳርጋ ወዲቑ'ዩ" ይብል።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ