ኮሮና ቫይረስ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ፈላማይ ረኽሲ ኣብ ግብጺ ተረጋጊጹ

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ቻይና ዛጊድ ልዐዕሊ 63 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም።

ሚኒስተር ጥዕና ግብጺ ፡ ትማሊ ከምዘረጋገጾ ሓደ ሰብ በቲ ቫይረስ ተለኺፉ።

እዚ ኣብ ኣፍሪቃ ፈላማይ ምዃኑ እዩ፤ እቲ ውልቀሰብ ወጻእተኛ ምዃኑ እቲ ሚኒስትሪ እንተገለጸ'ኳ ወዲ ኣበይ ዓዲ ምዃኑ ኣይጸርሐን።

እቲ ሚኒስተትሪ ንውድብ ጥዕና ዓለም ዘፍለጠ እንትኸውን፡ እቲ ውልቀ ሰብ ንበይኑ ኣብ ሓደ ሆስፒታል ተፈልዩ [ተዳጒኑ] ይርከብ።

ገለ ሰብ ሞያ ኣብዝሓ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ምስ ቻይና ብዘለወን ዝጠበቐ ርክብ ምኽንያት፡ እቲ ቫይረስ ቀዲሙ'ውን ተራእዩ ከኸውን ከምዝኽእል እዮም ዝጠራጠሩ።

ሓድሽ ኣዋጅ ቻይና

መንግስቲ ቻይና ናብ ርእሰ ከተማ ቤጂንግ ተመሊሱ ዝመጽእ ዝኾነ ጋሻ ን14 መዓልታት ክዳጎን ትእዛዝ ኣተሓላሊፉ።

ከምኡ ዘይገበረ ወይካኣ ፍቓደኛ ኮይኑ ዘይተረኸበ፡ ከቢድ ቅጽዓት ይጽበዮ ይብል፡ ሚድያ መንግስቲ ቻይና።

ነበርቲ እታ ከተማ ካብ በዓላት እንትምለሱ፡ በዓልቶም ክዳጉኑ ዝኽእልሉ መስርሕ ዝወጸሎም እንትኸውን፤ እንተዘይኮይኑ መንግስቲ ናብ ዘዳለዎ መዳጎኒ ስፍራ ቀሪቦም ን14 መዓልታት ካብ ሰብ ተፈልዮም ክጸንሑ ኣለዎም ይብል እቲ ሓድሽ ኣዋጅ።

እዚ ስጉምቲ፡ ብፍላይ ኣብ ኣፍሪቃ ፈላማይ ዝኾነ፡ ግብጺ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፈ ምርካባ ስዒቡ እዩ።

ዛጊድ እቲ ካብ ከተማ ዉሃን ዝነቐለ ሕማም፡ ልዕሊ 1500 ቻይናውያን ቀዚፉ ኣሎ።

Image copyright Li Wenliang
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ከተማ ዉሃን ኣብ ሆስፒታል እናሰርሐ በቲ ቫይረስ ዝተለኽፈ ሃኪም

ኣብዝሓ ነባራይ እታ ከተማ ናይ ቻይና ዓብይ በዓል ዝኾነ ሉናር ሓድሽ ዓመት ንምኽባር ናብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ቻይና ተንቀሳቒሱ ጸኒሑ ይምለስ ኣሎ።

ብሰንኪ ምልባዕ እቲ ቫይረስ፡ እቲ በዓል ዝኽበረሉ ዕለት ንቕድሚት ክድፋእ ተገይሩ ነይሩ።

ኣብ ከተማ ቤጂንግ ልዕሊ 20 ሚልዮን ህዝቢ ይነብር።

ኮሚሽን ሃገራዊ ጥዕና ቻይና፡ ሎሚ ጥራሕ በቲ ቫይረስ 143 ከምዝሞቱ ዘፍለጠ ኾይኑ፡ ዛጊድ ቁጽሪ መወትቲ ናብ 1523 ሓፍ ኢሉ።

ብዘይካ ክልተ፡ ኩሎም እቶም መወትቲ ኣብቲ እቲ ቫይረስ ዝተኸሰተላ ግዝኣት ሁበይ ዝነበሩ እዮም።

ሓድሽቲ 2641 ሰባት ድማ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ኮይኖም፡ ብሓፈሻ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ 66492 በጺሑ።

ካብ ምድሪ ቻይና ወጻኢ ፡ ዛጊድ 500 ሰባት በቲቫይረስ ዝተለኸፉ ኮይኖም፡ ኣብ 24 ሃገራት ዘጋጠመ እዩ።

ካብ መንጎኦም፡ እቶም ሰለስተ ሞይቶም፤ ነፍስወከፎም ኣብ ሆንግኮንግ፣ ፊሊፒንስን ጃፓንን።

ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ከምዝበሎ፡ እቲ ትካል ናይዚ ኮቪድ-19 ዝብል ሓድሽ መጸውዒ ዝተውሃቦ ቫይረስ ኣበጋግሳ ዘጽንዕ መርማሪ ጉጅለ ናብ ቻይና ክልእኽ እዩ።

እቲ ጉጅለ 12 ዓለም ለኻዊ ሰብ ሞያ 12 ድማ ቻይናውያን ሰብ ሞያ ዝሓቖፈ እዩ።

ብርክት ዝበሉ ሓካይም ተለኺፎም

ዛጊድ ሽድሽተ ሓካይም በቲ ቫይረስ ዝሞቱ ኾይኖም፡ ልዕሊ 1102 ናይ ሕክምና ሰራሕተኛታት ኣብ ከተማ ዉሃን ተለኺፎም።

400 ዝኾኑ ድማ ካብታ ከተማ ወጻኢ ኣብ ውሽጢ'ታ ግዝኣት ሁበይ ተለኺፎም ተባሂሉ።

እቲ ቫይረስ ኣብ ልዕሊ ዶኳትርን ሰራሕተኛታት ሕክምናን ዓብዪ ጸቕጢ እናፈጠረ ከምዝኾነ እዩ ዝዝረብ።

ቅድም ክብል በቲ ቫይረስ ንዝተለኸፉ ድጋፍ ዝህብ ዝነበረ ዶክተር በቲ ቫይረስ ህይወቱ ምስኣኑ ዝዝከር እዩ።

ነዚ ዜና ምግውሑ ስዒቡ ድማ፡ ኣብ ቻይና ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ቁጥዐ ህዝቢ ተልዒሉ ነይሩ።

ናይ ርክብ ዝርዝራት
ዘይምቕባል