ቻይና፡ ብዝሒ ሓደስቲ ሕሙማት ጎዲሉ

መከላኸሊ ዝለበሰ ሰራሕተኛ ሕክምና Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ዛጊት ልዕሊ 1,600 ሰባት ብኮሮና ቫይረስ ሞይቶም ኣለው

ሰበ ስልጣን ቻይና፡ ብዝሒ ሓደስቲ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ንሳልሳይ መዓልቲ ከምዝጎደለን፡ ሎሚ ሰንበት 16 ለካቲት፡ ኣብ መላእ ቻይና 2,009 ሰባት ጥራሕ በቲ ሕማም ከም እተለኽፉን ካብኦም ከኣ 142 ከምዝሞቱን ሓቢሮም።

እቲ ሕማም ካብ ዝኽሰት ክሳብ ሕጂ ግን 68,000 ሰባት ክልከፉ እንከለው 1,665 ከምዝሞቱ ኣረዲኦም።

ካብ ቻይና ወጻኢ፡ ኣብ 30 ሃገራት ኣስታት 500 ሰባት በቲ ሕማም ከምእተለኽፉን ዛጊት ኣብ ፈረንሳ፡ ሆንግ ኮንግ፡ ፊሊፒንስን ጃፓንን ኣርባዕተ ሰባት ከምዝሞቱ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ሓቢሩ'ሎ።

እቲ ምልክታት እንታይ እዩ?

ብዘይካ ኣብ ቻይና ኣብ ካልኦት ሃገራት እቲ ዝርገሐ ሕማም ደሓን እዩ ዘሎ። ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዋንግ ዪ፡ " እዚ ዝረአ ዘሎ ምንቁልቋል፡ ነቲ ሕማም ክትቆጻጸሮ ከምእትኽእል ዘመልክት እዩ" ኢሉ።

ንሕና ልዑል ኣገባብ ምቁጽጻርን ምክልኻል ሕማምን ጻዕሪ ነካይድ ኣሎና፤ እዚ ንሕና ንገብሮ ዘሎና ከኣ ማንም ሃገር ክትገብሮ ኣይክትጽገምን እያ ኢሉ።

ካልእ ምዕባለታት

ማእከላይ ባንክ ቻይና ንኹሉ እቲ ኣብ ኣገልግሎት ዝወዓለ ገንዘብ እታ ሃገር ብመድሃኒት ተሓጺቡ (ስተሪላይዝድ) ንኪኸውን መደባት ኣዋዲዱ ኣሎ።

ትማሊ ቐዳም፡ ሓደ ቻይናዊ በጻሕ ሃገር (ቱሪስት) ኣብ ፈረንሳ ብኮሮና ቫይረስ ከምዝሞተ ሰበስልጣን ፈረንሳ ሓቢሮም።

ኣመሪካ ብወገና ኣብታ ዲያሞንድ ፕሪንሰስ ክሪዝ እተበሃል መርከብ ተወሺቦም ንዘለው ኣስታት 400 ዜጋታታ ካብ ጃፓን ንኸተውጽኦም ነፋሪት ክትሰድድ ምዃና ገሊጻ።

ኣብታ ኣብ ካምቦድያ ዝተዓሸገት ካልእ መርከብ ከኣ ሓንቲ 83 ዝዕድመኣ ኣመሪካዊት ኣደ በቲ ሕማም ተለኺፋ ብነፋሪት ናብ ማሌጅያ ኣትያ ኣላ።

ኣብ ብሪጣንያ እውን ካብቶም ትሽዓተ ሰባት ሓደ ሓውዩ ንገዝኡ ተፋንዩ ኣሎ። ኣብ ሲንጋፖር 72 ሰባት እቲ ቫይረስ ክርከቦም እነከሎ፤ ሸሞንተ ካብኣቶም ሓውዮም ካብ ሆስፒታል ተፋንዮም።

ትማሊ ቐዳም ኣቦ መንበር ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ኣቶ ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ቻይና ነቲ ሕማም ንምቁጽጻር ብዘርኣየቶ ጻዕሪ ኣድናቖቱ ገሊጹ።

ብኻልእ ወገን ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ሚኒስተር ጥዕና ግብጺ፡ ሓደ ገያሻይ ወጻእተኛ በቲ ቫይረስ ተለኺፉ ኣብ ፍሉይ ሆስፒታል ተወሺቡ ይሕከም ከምዘሎ ንዓለማዊ ውድብ ጥዕና ኣፍሊጡ ኣሎ።

ይኹን እምበር ሓይሎ ሰብ ሞያ ጥዕና፡ ኣፍሪቃ ምስ ቻይና ብዘለዋ ጥቡቕ ርክብ፡ እቲ ሕማም ኣቐዲሙ እውን ናብ ኣፍሪቃ ኣትዩ ክኸውን ከምዝኽእል ይጥርጥሩ።

መንግስቲ ቻይና፡ ዝኾነ ናብ ርእሰ ከተማ ሃገሩ ናብ ቤጂንግ ዝመጽእ ጋሻ ንክልተ ሳምንቲ ንክውሸብ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ'ሎ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት