ኩናት የመን፡ ነፋሪት ኩናት ስዑዲ ኣብ የመን ወዲቓ

ወተሃደራት ሑቲ ኣብ ሰንዓ የመን፡ 3 ጥሪ 2017 Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ተዋጋእቲ ሑቲ ነታ ወተሃደራዊት ነፋሪት ከም ዘውደቕዋ ይገልጹ

ዕጡቓት ሑቲ ነፋሪት ኩናት ልፍንቲ ስዑዲ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ኣብ ኣውራጃ ኣል ጃውፍ ከምዘውደቑ ገሊጾም።

ኣፈኛ ሓይልታት ልፍንቲ ስዑዲ እታ ነፋሪት ኣብ የመን ንዝርከቡ ወተሃደራት ናይ ሓገዝ ወፍሪ እናካየደት እንከላ ተሃሪማ ከምዝወደቐት ንሃገራዊ ማዕከን ዜና ስዑዲ ዓረብ (SPA) ብምጥቃስ ሓቢሩ።

ሕቡራት ሃገራት፡ ትማሊ ቐዳም ኣብታ ነፋሪት ዝወደቐትሉ ኣውራጃ ኣል ጃውፍ ብመጥቃዕቲ ኣየር ስዑዲ 31 ሲቪል ከምዝተቐትሉ ሓቢሩ ነይሩ።

ኣብ የመን ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ዝወጽአ መግለጺ ከኣ ካልኦት 12 ሰባት'ውን ተወጊኦም ከምዘለው ገሊጹ።

ብስዑድን ሕቡራት ኢማራትን ዝምራሕ ልፍንቲ፡ ዕጡቓት ሑቲ ነቲ ብኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ተፈላጥነት ዝነበሮ መንግስቲ ካብ ሰንዓ ምስ ደፍኡዎ፡ ካብ 2015 ኣትሒዙ ኣንጻር ዕጡቓት ሑቲ ክዋጋእ ጸኒሑ ኣሎ።

ስዑዲ ዓረብ እታ ነፋሪት ናይ ዳህሳስን ድሕነትን ዕማም እናካየደት እንከላ ምውዳቓ እንተዘይኮይኑ ብምንታይ ከምዝተሃርመትን ከምዝወደቐትን ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበትን። እቶም ቀዳም ዝሞቱ ሲቪል ግን ብዘይፍላጥ ዝተቐትሉ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ሓቢራ።

ሰበስልጣን ሑቲ ግን እቲ ኣብ ሲቪል ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ግብረ መልሲ ናይታ ዝወደቐት ናይ ኩናት ነፋሪት እዩ ኢሎም። ኣወሃሃዲት ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ሊስ ገራንደ ኣብቲ ብቐዳም ዝወጽአ መግለጺ ከቢድ ሓዘን ከምዝተሰምዓ ብምሕባር ንስድራ-ቤት ግዳያት ጽንዓትን ኣኻእሎን ተመንያ።

"ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ የመን ብዙሕ ሲቪል ሞይቱን ሰንኪሉን ኣሎ። እዚ ብምንም ነገር ክምኽነ ዘይክእል እዩ። ብመሰረት ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ እቶም ተቐናቐንቲ ሓይልታት ንሲቪል ህዝቢ ክከላኸልሉ ግዴታ ኣለዎም። እቶም ኣብ ልዕሊ ሲቪል ህዝቢ ሓደጋ ዘብጽሑ ከኣ ክሕተቱ ይግባእ" ክትብል ተዛሪባ።

እቲ ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ክፈጥር ከሎ፤ ከባቢ 24 ሚልዮን ህዝቢ ተጸባዪ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኸውን ገይሩ ኣሎ።

ብኣሰርተታት ኣሽሓት ሰባት'ውን ሞይቶም ኣለው።

ተወሳኺ ዛንታ