ብስግረ ዶብ ዝተኣሰረ ሩዋንዳዊ ዘማሪ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሞይቱ ተረኺቡ

ኪትዞ ሚሂጎ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ እቲ ዘማሪ ኣብታ ዝተኣሰረላ ክፍሊ ብሰኑይ ሞይቱ ከምዝተረኸበ እዩ ፖሊስ ገሊጹ

ሩዋንዳዊ ዘማሪ ኪትዞ ሚሂጎ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሞይቱ ከምዝተረኸበ ሰብ መዚ እታ ሀገር ገሊጾም።

ኣብ ጥቓ ዶብ ሩዋንዳን ብሩንዲን ምስተኣሰረ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ እዩ እዚ ኣጋጢሙ ዘሎ።

ፖሊስ፡ እቲ ዘማሪ ብስግረ-ዶብ ካብታ ሃገር ሃዲሙ ኣንጻር ሩዋንዳ ምስ ዝዋግኡ ዘለዉ ዕጡቓት ጉጅለታት ክጽምበር ፈቲኑ ክብሉ እዮም ዝኸስዎ።

እቲ ዘማሪ፡ ቅድም ክብል ብዝተበየነሉ ፍርዲ ካብታ ሃገር ከይወጽእ ተኸልኪሉ ዝጸንሐ እዩ።

ሚሂጎ 'ኢኑማ' (ርግቢት) ከምኡ ድማ 'ኢግሶባኑሪ ሲሩፕፉ' (ትርጉም ሞት) ብዝብላ መዝሙራቱ እዩ ኣዝዩ ዝፍለጥ።

ፖሊስ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ብሰኑይ ልሙድ ቁጽጽር እናተገበረ እንከሎ እዩ እቲ ዘማሪ ኣብቲ ዝተኣሰረሉ ክፍሊ ሞይቱ ተረኺቡ ኢሉ።

ሚሂጎ፡ ብስግረ-ዶብን ብላዕ ብምሃብን እዩ ተኸሲሱ ነይሩ ይብል ጸብጻባት ሚድያ ናይታ ሃገር። እቲ ናይ ብላዕ ክሲ ዝቐረበሉ ድማ፡ ብስግረ ዶብ ይወጽእ ምህላዉ ንዝፈለጡ ሰባት ጉቦ ክህብ ፈቲኑ ብዝብል እዩ።

ቢቢሲ ዘዛረቦ ሓደ ነባራይ ናይቲ ሚሂጎ ዝተትሓዘሉ ከባቢ፡ ደቂ ዓዲ ነቲ ዓብዪ ቦርሳ ተሰሸኪሙ ዝነበረ ዘማሪ ደው ኣቢሎም ንፖሊስ ኣረኪቦምዎ ይብል።

'ብሰንኪ ሙዚቃኡ እዩ ዒላማ ተገይሩ'

ገለ ናይቲ ዘማሪ ኣድነቕቲ፡ ኣብ ሞት ሚሂጎ መንግስቲ መልሲ ክህብ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ጎስጓስ ይገብሩ ኣለዉ።

ኣብ ደገ ዝነብሩ ነጠፍቲ ማሕበራዊ መራኸብታት ነቲ ብፖሊስ ሩዋንዳ ዝተውሃበ መግለጺ ነጺጎምዎ። እቲ ዘማሪ ኣብ ብሩንዲ ናብ ዝርከቡ ዕጡቓት ተቓወምቲ ክጽምበር ሓሳብ ኣይነበሮን፡ እኳደኣስ ናብታ ዝነብረላ ዝነበረ ቤልጅየም ክምለስ እዩ ነይሩ ድልየቱ ይብሉ።

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንርእሱ ቀቲሉ ዝብል እምነት እውን የብሎምን፡ ተቐቲሉ እዩ ዝብል ሓሳብ እዩ ዘለዎም።

እቲ ዘማሪ ኣብ 2015 ንፕረዚደንት ፖል ካጋሜ ክቐትልን ኣንጻር መንግስቲ ጽልኢ ከለዓዕልን ፈቲኑ ብዝብል ማእሰርቲ 10 ዓመት ተፈሪድዎ ነይሩ።

ኣብ 2018 ድማ በቲ ፕረዚደንት ምሕረት ተዋሂብዎ፡ ግን ከኣ ካብ ዓዲ ክወጽእ እንተኾይኑ ብፍቓድ ቤት ፍርዲ ጥራይ ክኸውን ተበይንዎ።

ነቐፍቲ ናይቲ መንግስቲ፡ እቲ ዘማሪ ብምኽንያት ሙዚቃታቱ እዩ ዒላማ ዝግበር ነይሩ ይብሉ።

ኣብ ሓደ መዝሙሩ፡ ኣብቲ ናይ 1994 ጃምላዊ ህልቂት ሩዋንዳ ዝሞቱ ሰባት፡ ካብ ብሄር ሁቱ ኮኑ ቱትሲ ብዘየገድስ ኩሎም ክዝከሩ ይግባእ ይብል።

እዚ ድማ ካብቲ ናይ ወግዓዊ ተረኽ ናይ መንግስቲ ዝፍለ እዩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት