ዩኒቨርስቲ ሚዛን ቴፒ ብጸገም ጸጥታ ተምሃሮኡ ኣፋንዩ

ሚዛን ቴፒ ዩኒቨርስቲ Image copyright Mizan-Tepi University

ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ዩኒቨርስቲ ሚዛን ቴፒ፡ ኣብቲ ከባቢ ብተደጋጋሚ ዘጋጠም ዘሎ ናይ ጸጥታ ጸገም፡ ትምህርቲ ብምዕጻው ተምሃሮ ነናብ ዝመጽሉ ክምለሱ ይገብር ኣሎ።

እቲ ዩኒቨርሲቲ፡ ተምሃሮ ንሰለስተ ሰሙናት ናብ ስድረኦም ክምለሱ እዩ ወሲኑ።

ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ፡ ኣብ ዞባ ሸካ ከተማ ሚዛን ቴፒ ምስ ምምሕዳራዊ ሕቶ ብዝተኣኣሰር ዝተልዓለ ጎንጺ ህይወት ሰብ ከምዝጠፍአን ንብረት ከምዝዓነወን ይግለጽ።

ኣብታ ከተማ ዘሎ ጸገም ጸጥታ ክሃድእ ብዘይምኽኣሉ ድማ፡ መራሕቲ ናይቲ ዩንቨርሲቲ ህጹጽ ኣኼባ ብምግባር፡ ተምሃሮ ካብ ትማሊ ሰኑይ ጀሚሮም ናብ ዓዶም ክምለሱ ይግበር ከምዘሎ ተምሃሮ እቲ ዩኒቨርሲቲ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ሓንቲ ተምሃሪት "ዋላ እቲ ዩንቨርሲቲ እንተዘይውስን እውን፡ ተምሃሮ ክኸዱ ወሲኖም ነይሮም እዮም" ኢላ።

ነባር ተምሃሮ ትምህርቶም ዋላኳ እንተወድኡ ገና ፈተና ኣይተፈተኑን፡ ሓደሽቲ ተምሃሮ ድማ ገና ትምህርቶም ኣይወድኡን ይብሉ እቶም ተምሃሮ።

ኣብቲ ዩንቨርሲቲ መምህር ስነ-ህይወት ዝኾነ ድሪባ ወርቅነህ፡ ትምህርቲ፡ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ኣትሒዙ ከምዝተቋረጸ እዩ ዝዛረብ።

ኣብዚ ኣብ ክልል ህዝብታት ደቡብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ዞባ ሸካ፡ ተኸታታሊ ጎንጽታት ካብ ዘጋጥም ልዕሊ ሓደ ዓመት ሓሊፍዎ'ሎ።

ኣብቲ ከባቢ 'ባዕልና ንባዕልና ክነመሓድር' ዝብል ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ምምሕዳራዊ ሕቶ ከምዘሎ ይግለጽ።

በቶም ቅድም ክብል ዝተርኣዩ ጎንጽታት ዝተልዓለ ድማ፡ እቲ ከባቢ ብኮማንድ ፖስት (ሓይሊ ዕማም) እዩ ዝመሓደር ዘሎ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት