ንጀነራል ግራስያኒ ክቐትሉ ዝፈተኑ ክልተ ኤርትራውያን

ኢጣልያዊ ጀነራል ግራስያኒ Image copyright ullstein bild Dtl.
ናይ ምስሊ መግለጺ ኢጣልያዊ ጀነራል ግራስያኒ፡

ብ19 ለካቲት 1937፡ ልክዕ ከምዛ መዓልቲ'ዚኣ፡ ኣብራሃ ደቦጭን ሞጎስ ኣስገዶምን ዝተባህሉ ክልተ ኤርትራውያን ኣብ ልዕሊ እቲ ጨካን ምንባሩ ዝንገረሉ ኢጣልያዊ ጀነራል ግራስያኒ ቫይስሮይ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ፈተነ ቅትለት ኣካይዶም።

እቲ ቅትለት ምስ ፈሸለ፡ በቲ ፈተነ ዝተቖጠዐ ጀነራል ግራስያኒ፡ 'ዓንጸ ዓንጾ ንማዕጾ' ከም ዝበሃል፡ ሰራዊት ኢጣልያ፡ ብኤርትራውያን ዓሳክር ተሰንዮም፡ ንኣዲስ ኣበባ ንሰለስተ መዓልታት ሓመዳ ንላዕሊ ገበርዋ።

ኣብቲ ሳልስቲ ጥራይ ከኣ ብውሕዱ 4,000 ሰባት ከኣ ቀተሉ። ድሒሮም ዝተኻየዱ መጽናዕትታት ግን ዝያዳ ኣሃዛት ናይ ዝተቐትሉ ሰባት ኣቕሪቦም ኣሎዉ።

ሓደ ካብቶም ንዛንታ-ግፍዒ-ግራስያኒ ዝሰነዱ ደረስቲ፡ ኢያን ካምበል (Ian Cambell) ዝተባህለ ናይ ታሪኽ ተመራማሪ'ዩ።

ንሱ ሰለስተ መጻሕፍትን ብርክት ዝበሉ ካልኦት ጽሑፋትን ብዛዕባ ግርስያኒ ኣቕሪቡ ኣሎ። ሓደ ካብኡ ከኣ፡ እቲ The Addis Ababa Massacre - Italy's National Shame, The Plot to Kill Graziani and The Massacre of Debre Libanos ዝብል መጽሓፉ'ዩ።

ኢያን ካምበል እቲ ሕነ ምፍዳይ ኣብቲ ቅትለት ዝተፈተነ ኣከባቢ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ምሉእ ኣዲስ ኣበባ ከምዝነበረ'ዩ ዝገልጽ።

ምናዳ እቶም ብ 'ሰብ-ጸሊም-ካምቻ' ዝፍለጡ ዉጹኣት ፋሺስታ 6ይ ክፍለ-ሰራዊት ኣብ ፈቐድኡ እናኸዱ ሰባት ክሓርዱን፡ ንሓለፍቲ መገዲ ክቐትሉን፡ ገዛዊቲ ከንድዱን፡ ብዓበይቲ መካይኖም ሰባት ክረግጹን ክሕምሽሹን ከምዝተራእዩ ሰኒዱዎ ኣሎ።

ጭካኔኦም ንቖልዓ ሰበይቲ ከምዘይገደፈን ኣስታት 20 ሽሕ ዝኾኑ ሰባት ከምዝተቐትሉን ምስናይ ስእልታቶም ኣስፊሩዎ ኣሎ።

ኣብቲ ቅነ'ቲ ብዙሓት ምሁራት ኢትዮጵያውያን'ውን ጠፊኦም እዮም። ወተሃደራት ኢጣልያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ገጠራት ንዝነበሩ ፈለስቲ'ውን ኣይመሓሩን።

ኣብ ኢንሳይክሎፐድያ ኢትዮፒካ ተሰኒዶም ዘሎዉ ዛንታታት ከም ዘርእይዎ፡ ኣብ ደብረሊባኖስ (ሸዋ) ከይተረፈ 449 ዝዀኑ ፈለስትን ኣቕሺሽትን ድያቆናትን ምስ'ቶም ቀተልቲ ምድንጋጽ ነይሩኩም ተባሂሎም ተቐቲሎም።

እቲ ድሒሩ ዝተገብረ መጽናዕቲ ግን እቶም ሽዑ ዝተቐትሉ ምእመናን 3-4 ዕጽፊ ከምዝነበሩ ይዝረብ።

እቲ ክሳብ ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ብ 'ለካቲት 12' ዝዝከር በዓል ምስ ግፍዒ ግራስያኒ ዝተኣሳሰር'ዩ። ኢትዮጵያውያን ብሃውሪን ብዘይ ንሕሰያን ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብ ኣደባባይ ዝተቐትልሉ እዋን ዝዝከረሉ መዓልቲ'ዩ።

Image copyright ullstein bild Dtl.
ናይ ምስሊ መግለጺ ግራስያኒን ሙሶሊኒን ምስ ሂትለር

ንምዃኑ ማርሻል ሮዶልፎ ግርስያኒ መን'ዩ?

ግራስያኒ ኣብ ሓንቲ ሒደት ሰባት ዝቕመጡዋ፡ ኣብ ምብራቕ ሮማ 70 ኪ.ሜ. ዝርሕቀታ ገጠር ብ 11 መስከረም 1882 ኢዩ ተወሊዱ። ብ 11 ጥሪ 1955 ከኣ ኣብ ሮማ ሞይቱ።

ግራስያኒ ንዅሉ ወተሃደራዊ ማዕርጋት ሓሊፉ ክሳብ ፊልድ ማርሻል፡ ሽመት፡ ዝተቐበለ ህቡብ ኢጣልያዊ ወተሃደር'ዩ ነይሩ።

እቶም ኣውራ ንቕድሚት ዘወንጨፍዎ ፍጻሜታት (ቅድምን ብእዋን ካልኣይ ዉግእ ዓለምን) ንሱ ኣብ ኣፍሪቃ ብዝመርሖም ብጭካኔ ዝልለዩ ኣውራ ኣብ ሊብያን ኢትዮጵያን ዝተኻየዱ ወፍሪታት ምንባሮም ኣብ መጻሕፍቲ ተሰኒዱ ኣሎ።

ንሱ ኣብ ዘበን ቀዳማይ ሚኒስተር በኒቶ ሙሶሊኒን ንጉስ ቪክቶር-ኢማንዌል-3ይ ዝነበረ ዉፉይ ፋሺስት ምዃኑ ይዝረበሉ።

ጣልያን ንኢትዮጵያ ምስ ወረረት ንጉስ ቪክቶር-ኢማንዌል-3ይ፡ ንንጉስ ሃይለስላሴ ኣልዩ ኣብ ኢትዮጵያ ብሓይሉ ዝነገሰ ንጉስ ኮነ። ሓደ ካብ'ቶም ዝተጐናጸፎም ሽመታት ከኣ 'ንጉስ ናይ ኢትዮጵያ' ዝብል ተወሳኺ ሽመት ነበሮ።

እቲ ቀንዲ ስልጣን ጣልያን ግን ኣብ ኢድ ሙሶሊኒ ስለ ዝነበረ፡ ንግስነት ቪክቶር-ኢማንዌል-3ይ ብዙሕ ዋጋ ኣይነበሮን።

እቲ ኣገዳሲ ጕዳይ ሙሶሊኒ ቀንዲ መራሒ ዀይኑ ግራስያኒ ኸኣ ኣብ ኣፍሪቃ የማናይ ኢዱ'ዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል።

ግራስያኒ ኣብ 26 ዓመቱ ናብ ኤርትራ ተላእከ። ሓላፊ ናይ'ቲ ኣብ ዓዲ ወግሪ ዝርከብ ዝነበረ 1ይ ቦጦሎኒ ደቀ'ባት (ዓሰክር ጣልያን) ኰይኑ ከአ ኣገልገለ። ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ግን ንሃገሩ ተመልሰ፣ ብስርሑ ዉሕሉል ስለ ዝነበረ ከኣ ካፕተይን ተሾመ።

ብ 1930 ሙሶሊኒ ንግራስያኒ ምኽትል ፔትሮ ባዶልዮ ሾይሙ ንሊብያ ልኣኾ። (ንመብርሂ፡ ባዶሎዮ ንሓይልታት ጣልያን መሪሑ፡ ኣብ ተምቤን፡ እንደርታ፡ ሺረ ዝነበሩ ነቝጣታት ስዒሩ ኣብ ማይጨው ዓወት ዘመዝገበ፡ ጸኒሑ ኸኣ ንደሴ ረጊጹ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተወ መኰነን ነበረ) እምበኣርከስ ግራስያኒ ሒደት ኣዋርሕ ጸኒሑ ንባዶልዮ ተኪኡ'ዩ ቫይስሮይ ኢትዮጵያ ዝዀነ።

ግራስያኒ በቲ ኣብ ሊብያ ዝፈጸሞ ዜስካሕክሕ ተግባራት 'ሓራድ አዕራብ' ዚብል ስም ተዋህቦ። ብግዜኡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ዜጋታት ሊብያ ተኣስሩ፡ ብዙሓት ከኣ ተቐትሉ። ዜጋታት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ክርሸኑ ልሙድ ነበረ።

ካብኡ ሓሊፉ ንዜጋታት ከሳቒ ንዔላታት ብቸመንቶ ይዓብሶም ነበረ። ንጥርጡራት ድማ ኣብ ነፋሪት ሰቒሉ ካብ ሰማይ ይድርብዮም ነበረ ይበሃል።

ብ 1935 ግራስያኒ ካብ ሶማል ንኢትዮጵያ ንምውራር ምድላው ኪገብር ብ1935 ከም ጠቕላል-ኣማሓዳሪ ናይ ግዝኣት ጣልያን-ሶማልያ ዀይኑ፡ ንሶማል ተላእከ።

ኣብኡ ዀይኑ ከኣ ዝኣክል ምድላዋት ገበረ። መዓት ኣጽዋር ኣከበ (እኳ'ድኣ ክልኩላት ኣጽዋር ... ከም እኒ ጋዝ)። እቶም ወተሃደር ምቕርዳድ'ምበር ምምራኽ ዘይፈልጡ ኣብ ሊብያ ምስኡዝነበሩ ኣሃዱታት ንሶማል ኣግዓዞም።

ግራስያኒ ብትእዛዝ ሙሶሊኒ ሓይልታቱ ሒዙ ብግንቦት 1936 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣተወ። ኣይጸንሐን፡ ቫይስሮም-ኢትዮጵያ ዚብል ሽመት ከኣ ተዋህቦ።

ጀነራል ባዳልዮ ንዓዱ ምስ ተመልሰ፡ ግራስያኒ ነቲ ሓላፍነት ብኡ-ንብኡ ጠቕሊሉ ሓዞ። ሽዑ ከኣ'ዩ ንዓበይቲ ዓድን ሓይልታት ኢትዮጵያን ከበሳጩን ከሳጕጕን ክኣስርን ከጥፍእን ዝጀመረ። ኰይኑ ድማ ማዕረ-ማዕሪኡ ሕርቃን ህዝቢ ኢትዮጵያ ነሃረን ጐሃረን።

እቲ ኣብ ልዕሊ ግራስያኒ ዝተፈጥረ ጽልኢ ክልተ ኤርትራውያን አዕሩኽ - ኣብርሃ ደቦጭን ሞጎስ ኣስገዶምን-ግብረ-መልሲ ክህብሉ ተበገሱ።

ሓደ መዓልቲ-ዕለቱ 19 ለካቲት፡ግራስያኒ ኣብ ትሕቲ 'ወፈያ-ምጽዋት' ዚብል ቴማ ንህዝቢ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣኪቡ ከብዕል ወሰነ። ብእኡ ምኽንያት ድማ ዓበይቲ ዓዲ፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ሰበ-ስልጣናት ኣብ ግቢ ዓዲሙ ነቲ በዓል ከብዕልዎ ጀመሩ።

ልክዕ ሰዓት 11፡40 ኣብቲ ኣደባባይ ተዅሲ ተሰምዐ። እቲ ተዅሲ ኣብ ልዕሊ ግራስያኒ ናይ ቅትለት ፈተነ ነበረ፣ ትሽዓተ ቦምባታት ተተኰሱ። ኣብቲ መጥቃዕቲ ሸሞንተ ሰባት ሞቱ-ሓደ ቀሺ፡ ክልተ ዛብጥያ፡ ሓደ ካራቢኔሪ (ፖሊስ ጣልያን)፡ ክልተ ተክኒሻናት፡ ክልተ ወተሃደራት ጣልያን-ሓምሳ ዝዀኑ ሰባት ከኣ ቘሰሉ። ግራስያኒ ግን ብመቝሰልቲ ሓለፈሉ።

ኣብርሃ ደቦጭን ሞጎስ ኣስገዶምን በታ ትጽበዮም ዝነበረት ታክሲ ኣምለጡ። እቲ ብድሕሪ'ቲ ፈተነ ዝሰዓበ ቅዝፈት ግን ዘስካሕክሕ ነበረ።

እዞም ክልተ ኤርትራውያን - ኣብርሃ ደቦጭን ሞጎስ ኣስገዶምስን - ንምንታይ ንግራስያኒ ከቐትሉ ተበገሱ? እዚ ሕቶ'ዚ መጻሕፍቲ ታሪኽ ብዜዕግብ መግለጺ ኣይመከትዎን ዝብል ርእይቶ ኣሎ።

ቀንዲ መንነት ናይ'ዞም ክልተ ኣዕሩኽን ምንጪ ጽልኦምን (ኣብ ልዕሊ ግራስያኒ) ብዝርዝር ዝፈልጦ ሰብ የለን። ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ከም ሓርበኛታት ክጽውዑ እንከለዉ ኣብ መጻሕፍቲ ታሪኽ ኤርትራ ግን ብዙሕ ኣስማቶም ኣይጥቀስን።

ብዛዕባ ኣብርሃ ደቦጭን ሞጎስ ኣስገዶምን እንታይ ንፈልጥ? ዛንትኦም ብተመራመርቲ ታሪኽ ኢትዮጵያ - ከም ባህሩ ዘውዱ፡ ሪቻርድ ፓንክሀርስት፡ ኢያን ካምበል ዝኣመሰሉ፡ ከምኡ'ውን ካልኦት - ብሓፈሻዊ መልክዕ ጥራይ'ዩ ተሰኒዱ።

እቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተፈሪ-መኰነን ኣብ ዝተባህለ ቤት-ትምህርቲ ዝተማህሩ አዕሩኽ ሞጎስ ኣስገዶምን ኣብርሃ ደቦጭን ኣብ ከባቢ መተማ ሞይቶም ተረኺቦም።

ብ 1911 ኣብ ኣስመራ ዝተወልደ መጎስ ኣብ ኣብ 26 ዓመቱ ኣብ ጥቓ መተማ ክመውት እንከሎ ከም ኣብርሃም ዓርኩ ጎበዝ እዩ ነይሩ።

ኣብርሃ ደቦጭ ሰራዊት ጣልያን ንሰራዊት ኢትዮጵያ ስዒሮም ምስ ኣተዉ (1935-36)ኣብ ለጋስዮን ጣልያን ተቘጺሩ ይሰርሕ ነበረ። በዚ ምኽንያት ብዙሓት ሰባት ከም ሰላይ ይጥርጥሩዎ ነበሩ ይበሃል።

ኣብ ናይ ፖለቲካ ቤት-ጽሕፈት ጣልያን ከም ተርጓማይ ኰይኑ ኣብ ዝሰርሓሉ እዋን ጽልኡ ኣብ ልዕሊ ሰበ-ስልጣን ጣልያን እናዓበየ ምኻዱ'ውን መጻሕፍቲ ታሪኽ ይገልጽዎ'ዮም።

ሓደ መዓልቲ ምስ ሞጎስ ኣስገዶም ዝተባህለ ዓርኩ ብምምካር ንግራስያኒ ናይ ምቕታል መደባት ክጽንዑ ጀመሩ።

ሞጎስ ኣስገዶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝዓበየ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዳግማዊ ሚኒሊክ ዝተማህረ፡ ጸኒሑ ኸኣ ካብ ተፈሪ መኰነን ዝተመረቐ፡ ቅድሚ ጣልያን ኣብ ኢትዮጵያ ዝኣተወሉ እዋን ኣብ ቤት-መዘጋጃ ኣዲስ ኣበባ ይሰርሕ ነበረ።

ጣልያን ምስ ኣተወ ግን ስራሕ ኣይነበሮን። ኰይኑ ድማ ክሳብ 1937 ኣብ ጀርመን ኤምባሲ ተዓቚቡ ይነብር ነበረ።

ብመስከረም 1936 ሞጎስ ናብ ደብረ ሊባኖስ ክበጽሕ ከደ። ኣብኡ ምስ ኣባ ሃና፡ ናይ ንጉስ ሃይለስላሴ ኣባት ነፍሲ፡ ከም ዝተራኸበ መጻሕፍቲ ታሪኽ ይገልጹ።

ኣብ ዓመቱ ኸኣ ምስ ኣብርሃ ዳቦጭ ተራኺቦም ንግራስያኒ ንምቕታል መደባቶም ከጽፍፉ ጀመሩ። ኣብቲ ጕዳይ ክልተ ዝተሓባበሩዎም ሰባት ነበሩ-ስምኦን ኣደፍርስ (ብታክሲ ዘንቀሳቕሶም ዝነበረ) ከበደ ያርዱ (ቦምባ ምድርባይ ዝመሃሮም ወትሃደር)።

ኣብዚ ብርክት ዝበሉ ብቑዕ መልሲ ዘይተረኽቦም ሕቶታት ክቐርቡ ይኽእሉ። ክልቲኦም ኣብ ግቢ ዝነበረ በዓል ቦምባታት ደርብዮም ምስ ሃደሙ፡ ኣብቲ ብራእሲ ኣረጋይ ዝምራሕ ዝነበረ ጕጅለ ተዋጋእቲ ሓርበኛታት ክጽንበሩ ፈቲኖም።

ኣብቲ ማተዮ ሳልቫዶረ ዝጸሓፎ ኣብ ኢንሳይክሎፐድያ አትዮፒካ ሰፊሩ ዝርከብ ዛንታ፡ ኣብርሃን ሞጎስን ኤርትራውያን ስለ ዝዀኑ፡ ቅድሚኡ'ውን ኣብርሃ ዳቦጭ ምስ ጣልያን ይሰርሕ ስለ ዝነበረ ግን እቲ ጕጅለ ብጽቡቕ ኣይተቐበሎምን ክብል የዘንቱ።

መንግስቲ ጣልያን ንክልቲኦም ኮብለልቲ ከረክብ ንዝኸኣለ ሰብ ናይ ገንዘብ ሽልማት ክህቡ ምዃኖም ኣብ ምሉእ ሃገር ኣሰራጨዉ።

ኣብራሃም ደቦጭን ሞጎስ እስገዶምን ብመንጸግቲ ጕጅለ ራእሲ ኣረጋይን በቲ ሽልማት ጣልያንን ተሰናቢዶም ንሱዳን ከምልጡ ፈተኑ። ኣብ ከባቢ መተማ ኸኣ ሬሳኦም ተረኽበ።

ብኸመይ ከም ዝሞቱን መን ከም ዝቐተሎም ብርግጽ ኣይተፈልጠን። ህይወቶም ብከምኡ ብኣሊፍ ጠፍአ።

Image copyright Anadolu Agency
ናይ ምስሊ መግለጺ ኢትዮጵያውያን ኣብ ለካቲት 19-2014 ነቶም ብጀነራል ግራስያኒ ዝተቐትሉ ሰባት ዝኽሪ ክገብሩ እንከለው

ብድሕሪኡ ግራስያኒ ናበይ ኣበለ?

ብካልኣይ ዉግእ ዓለም፡ ካብ ኢትዮጵያ ምስ ተመልሰ፡ ግራስያኒ ንሊብያ ዳግማይ ተላእከ። ብድሕሪ 2ይ ዉግእ ዓለም ናይ ኪዳን ሓይልታት (ጀርመን/ጣልያን/ጃፓን) ምስ ተሳዕራ ግራስያኒ ኣብ ፍርዲ ቀረበ።

ን 19 ዓመታት ክእሰር ከኣ ተፈርደ። ይዅን'ምበር ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ብ 1950 ካብ ቤት-ማእሰርቲ ወጽአ። በቲ ኣብ ኢትዮጵያን ሊብያን ዝፈጸሞም ግፍዕታት ኣይተኸሰሰን።

ድሕሪ ማእሰርቱ ንገበናቱ ፍናን ዚህቡ ብርክት ዝበሉ መጻሕፍቲ ጸሓፈ ። ጸኒሑ ድማ ንሰልፊ ፋሺሽታ ዳግማይ ንከበራብር ፈተነ። ጽቡቕ ናብራ እናሕለፈ ከኣ ብ 1955 ኣብ ሮማ ሞተ።

እቲ ዘገርም ኣብ ቀብሩ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰዓብቱ ተረኽቡ። ናይ ፋሺስታ ሰላምታ እናሃቡ ኸኣ ከም ሓደ ጅግና ወትሃደር ኣፋነዉዎ። ኣብ ዓዲ-ጣልያን፡ ኣፊለ ኣብ ዝበሃል ቍሸት፡ ብድሕሪ ወተሃደራዊ ኣገልግሎቱን ማእሰርቱን ዝነበረሉ ዓዲ፡ ንመዘከርታኡ ሓደ ሓውሲ-ሓወልቲ (ህንጻ) ተሰርሓሉ።

ብዙሓት ኢጣልያውያን ነቲ ግራስያኒ ዝፈጸሞም ግፍዕን ገበንን ኣይፈልጥዎን እዮም ኢትዮጵያውያን ግን ኣይረስዕዎን።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት