ቀዳማዊት እመቤት ዛምብያ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዝግበር 'መጥቃዕቲ ጋዝ' ከም ዘጉሃያ ገሊጻ

ቀዳማዊት እመቤት ዛምብያ ኤስተር ሉንጉ Image copyright Cindy Ord

ቀዳማዊት እመቤት ዛምብያ ኤስተር ሉንጉ፡ ነቲ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት እታ ሃገር ብተደጋጋሚ ዝተፈጸመ ምስጢራዊ መጥቃዕቲ ጋዝ ከብቅዕ ትምሕጸነሉ ኣብ ዝነበረት እዋን ንብዓት ከም ዝሰዓራን ተምበርኪኻ ክትበክን ተራእያ።

ፖሊስ ነቶም ኣብ መንበሪ ኣባይትን ኣብያተ ትምህርትን ኣብ ልዕሊ ሰባት ውኖኻ ዘጥፍእ ጋዝ ዝነጽጉ ሰባት ክረክብ ኣይከኣለን ዘሎ።

ኣብቲ መጥቃዕትታት እንታይ ዓይነት ጋዝ ከም ዝጥቀሙ'ውን ክፍለጥ ኣይተኻእለን።

ቀዳማዊት እመቤት ሉንጉ፡ ብሰሉስ ብርክት ንዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ትዛረብ ኣብ ዝነበረትሉ'ያ እዋን ክትነብዕ ተራእያ።

"እቶም ነዚ ጋዝ ኣብ ልዕሊ ምንም ዘይፈልጡ ህጻናትን፡ ንጹሓት ስድራቤትን ዝነጽጉ ሰባት፡ ይምሕጸን ኣለኹ፤ ዘሕፍር እዩ" ኢላ።

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዛምብያ ኣብ መንበሪ ኣባይትን ኣብያተ ትምህርትን ብዘይጠፈልጡ ሰባት መጥቃዕትታት ከካየድ ጸኒሑ።

ነቲ መጥቃዕቲ ንምቑጽጻር፡ መንግስቲ እታ ሃገር ሰራዊት ኣዋፊሩ ይርከብ።