ኣባላት ኮሚቴ ምውዳብ ቤተክህነት ኦሮሚያ ክህነቶም ተታሒዙ'ዩ ክብል ቅዱስ ሲኖዶሱ ኣዊጁ

ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ Image copyright Sergei Fadeichev
ናይ ምስሊ መግለጺ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ

ሲኖዶስ ኣርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤት ክርስትያን ኢትዮጵያ፡ ነቲ ብገለ ወገናት 'ቤተክህነት ኦሮሚያ' ንምቛም ዝግበር ዘሎ ጻዕሪታት ካብ ሕጊ እታ ቤተ ክርስትያን ዝወጸ ብምዃኑ፡ ከም ዘይቅበሎ ኣፍሊጡ።

ምልኣተ ጉባኤ ናይቲ ሲኖዶስ፡ ካብ 9 ለካቲት ክሳብ 11 ለካቲት 2012 ዓ.ም ድሕሪ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ፡ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ መግለጺ ሂቡ'ሎ።

መግለጺ እቲ ሲኖዶስ ብጽሑፍ ዘቕረቡ ቀዳማዊ ፓትሪያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ ዘኣክሱም ወእጨጌ ዘመንበረ ተክለሃይማኖት ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ፡ ንውሳነታት ገሊጾም።

ኮሚቴ ምቛም ቤተክህነት ኦሮሚያ ዝምልከት

'ኮሚቴ ምቛም ቤተክህነት ኦሮሚያ ኢና' ብዝብል ቤተክህነት ኦሮሚያ ንምቛም ዝግበር ጻዕሪ ዘይሕጋውን ካብ ኣፍልጦ እታ ቤተክርስቲያን ወጻኢን ምኻኑ እቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣፍሊጡ።

"ካብ ሕግን ደንብን እታ ቤተክርስቲያን ወጻኢ፡ ቤተክህነት ኦሮሚያ ክነቑውም ኢና ብዝብል ዘይሕጋዊ መገዲ፡ በቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ተባሪኹ ጽላት ተዋሂቡና'ዩ ብዝብል ቤተክርስቲያን ኣቚምና ኢና ዝብሉ፥

  1. ሊቀ አእላፍ ቀሲስ በላይ መኮንን፣
  2. ኣባ ገብረማርያም ነጋሳ
  3. መምህር ሃይለሚካኤል ታደሰ
  4. ቐሺ በላይ ቶላ

"እታ ቤተክርስቲያን ብዘይትፈልጦ መገዲ፡ ብዓመጽ ተለዓዒሎም ምእመናን ብምድንጋርን ሰባት ብምግጋይን፡ ካብ ኣስተምህሮ ቤተክርስቲያን ወጻኢ ናይ ክሕደት ትምህርቲ ከም ዘምሃሩ ብመረዳእታ ተደጊፉ፡ ነቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ስለ ዝቐረበ፡ ካብ ተግባሮም ተቖጢቦም ብንስሓ ክሳዕ ዝምለሱ ካብ 11 ለካቲት 2012 ዓ.ም ጀሚሩ፡ ካብታ ቤተክርስቲያን ዝተውሃቦም ክህነት ተታሒዙ'ዩ" ኢሎም።

እዞም ኣብ ላዕሊ ሽሞም ዝተጠቕሰ ውልቀሰባት፡ ብሽም ቤተክርስቲያን ዝኾነ ዓይነት ምንቅስቓስ ከይገብሩ፣ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ከይህቡ ተኣጊዶም'ዮም ክብል ድማ እቲ ቅዱስ ሲኖዶስ መግለጺ ኣውጺኡ።

"እቶም ውልቀሰባት፡ ካብ ናይ ጥፍኣት ተግባሮም ተጣዒሶም ክምለሱ እንተፈቒዶም ጉዳዮም ዳግም ክርአ ይኽእል'ዩ" ኢሉ።

እቲ ሲኖዶስ፡ ነዞም ውልቀሰባት ካብታ ቤተክርስቲያን ዝተውሃበ ጽላት ከም ዘየለ ብምግላጽ፡ እቲ ምእመን "ተጋግዮም ካብ ዘጋግዩ ውልቀሳበት ንርእሶምን ሃይማኖቶምን ከምኡ'ውን ስርዓት እታ ቤተክርስቲያን ክሕልው እቲ ጉባኤ የተሓሳስብ" ኢሉ።

ምስ ኣምል ብዝተሓሓዝ ብዛዕባ ዝተፈጥረ ግጭት

ኣብ አዲስ አበባ '22' ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ምስ ናይ ኣምልኸ ቦታ ተተሓሒዙ ብዝተፈጥረ ግጭት ክልተ ሰባት ከም ዝሞቱ ይዝከር።

ሲኖዶስ ድማ፡ "ጭካነ ዝተምልኦ ተግባር" ክብል ዝገለጾ ኮይኑ፡ ተሓተትቲ ዝኾኑ ናብ ሕጊ ክቐርቡ ንጽውዕ ኢሉ።

ብተወሳኺ፡ ምኽንያት እቲ ግጭት ዝኾነ ቦታ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት እታ ቤተክርስቲያን ነበርቲ እቲ ከባቢ ከምልኹሉ ብተደጋጋሚ ንመንግስቲ ሕቶ ይቐርብ ነይሩ'ዩ ክብል ቅዱስ ሲኖዶስ ጠቒሱ።

ብምኻኑ ድማ፡ እቲ ሲኖዶስ እቲ ዝተፈቕደ መሬት ንህንጸት ቤተክርስቲያን ንክወሃብ ሕቶ ኣቕሪቡ'ዩ ብምባል፡ ምስቲ ግጭት ብዝተሓሓዝ ዝተኣሰሩ ካህናትን መንእሰያትን ከም ዘለው ብምግላጽ፡ "ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ክፍትሑ ንሓትት" ኢሉ።

መራኸብቲ ሓፋሽ

እቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦ-ኤም-ኤን፣ ኦ-ቢ-ኤስ ከምኡ'ውን ኤል-ቲቪ፡ ክብርን ልዕልናን እታ ቤተክርስቲያን ዘበላሹ መረዳእታ የቕርቡ ኣለው ኢሉ።

ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ኣድላዪ ምጽዕራይ ብምግባር ሓለፍቲ እቶም ማዕኸናት ሓበሬታ፡ "ብሕጊ ክሕተቱን ካብ ተግባሮም ክቑጠቡን ንሓትት" ድማ ኢሉ።

ህንጸት ቤተክርስቲያን ኣብ ሕቡራት ዓረብ ኢመራት

እቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ንዓመታት ኣብ ሕቡራት ዓረብ ኢመራት ቤተክርስቲያን ንምህናጽ ቦታ ክወሃቦ ንዝምልከቶም ኣካላት ክሓትት ከም ዝጸንሐ ብምግላጽ፡ ኣብ ቀረባ ሕቶ እታ ቤተክርስቲያን መልሲ ምርካቡ ሓቢሩ።

ነዚ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ዕዙዝ ተራ ከም ዘበርከተ ብምዝኽኻር፡ እቲ ሲኖዶስ ኣመስጊኑ።

"ክቡር ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪአ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽኡ፡ ጉዳይ እታ ቤተክርስቲያን ከም ጉዳዮም ብምውሳድ ዝፍጽሙዎ ዘለው ዘኹርዕ መንፈሳዊ ተግባር ቅዱስ ስለ ዝኾነ፡ ምልኣተ ጉባኤ እቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ምስጋንኡ የቕርብ።"

ተወሳኺ ዛንታ