ሰራዊት ናይጀርያ ንቦኮ ሃራም ንምግጣም 'እኹል ዓቕሚ ሰብ ከም ዘይብሉ' ተገሊጹ

ኣመሓዳሪ ዞባ ቦርኖ Image copyright AFP

ኣመሓዳሪ ዞባ ቦርኖ፡ ናይጀርያ፡ ሃገሩ ንቦኮ ሃራም ንምጥፋእ ዝያዳ ሰራዊት ከም ዘድልያ ገሊጹ።

ዞባ ቦርኖ፡ ሓንቲ ካብተን ብዕጡቕ ጉጅለ ቦኮ ሓራም ዝያዳ ተጠቒዐን ዘለዋ ዞባታት ናይጀርያ እያ።

ናይጀርያ ተወሳኺ 100,000 ወተሃደራት ከም ዘድልያ ዝገለጸ ባባጋና ዙሉም፡ ፍርቆም ካብ ዞብኡ ክኽተቡ ከም ዘለዎም ሓቢሩ።

ኣብ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኣቦመንበር ኮሚተ ምክልኻል፡ ባባጂሚ ቤንሰን፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ብርክት ዝበለ ሰራዊት ክኸትብ ከማኽሮ ከም ዝግባእ ዙሉም ተዛሪቡ።

እቲ ኣመሓዳሪ 24 ለካቲት "ሰላም ምእንቲ ክወርድ" መዓልቲ ጾምን ጸሎትን ክትኸውን ኣብ ዞብኡ ከም ዝኣወጀ'ውን ተገሊጹ።

ዝሓለፈ ሰሙን ፕረዚደንት ሙሃማዱ ቡሃሪ ንስድራቤት ናይቶም ብዕጡቓት ብሓዊ ዝተቓጸሉ 30 ሰባት ንምጽንናዕ ናብ ዞባ ቦርኖ ዑደት ኣብ ዝገበረሉ፡ ነበርቲ እቲ ዞባ፡ ናይ ተቓውሞ ድምጺ ከም ዘስምዑ ይፍለጥ።

እቲ ፕረዚደንት ግና መራሕቲ ዞባ ቦርኖ ምስቲ ሰራዊት ከም ዘይተሓባበሩ እዩ ዝኸስስ።

ቦኮ ሓራም ከም ዕጡቕ ሽበራዊ ጉጅለ ኣብ 2002 ዝተቐልቀለ ኮይኑ፡ ምንቅስቓሳቱ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ናይጀርያ እዩ ፈሊሙ።

ንሃይማኖትን ትምህርትን ከም ጉልባብ ብምጥቃም፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ምዕራብ ኣፍሪቃን ናይጀርያን መጥቃዕትታት የካይድ። ዕላማ እቲ ግበረ-ሽበራዊ ጉጅለ ብእስላማዊ ሕጊ እምራሕ ሃገር ንምምስራት ምዃኑ'ዩ እቲ ጉጅለ ዝገልጽ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት