ኣብ ፓርላማ ኣንበጣ በረኻ ሒዙ ዝኣተወ ኣባል ባይቶ

ዕስለ ኣንበጣ Image copyright Getty Images

ኡጋንዳዊ ኣባል ባይቶ፡ ብጠረሙዝ ብዝተሰርሐ መትሓዚ ብርክት ዝበሉ ኣንበጣ ሒዙ ናብ ፓርላማ እታ ሃገር ኣቲዩ።

ንሱ ነዚ ክገብር ዘገደዶ ምኽንያት፡ መንግስቲ እታ ሃገር ኣንጻር እቲ ኣብ ልዕሊ ዘራእቲ ብዙሕ ጉድኣት ዘስዕብ ዘሎ ዕስለ ኣንበጣ ቅልጡፍ ስጉምቲ ብዘይምውሳዱ እዩ።

እቲ ደቪድ ኦኣላ ዝተባህለ ኣባል ባይቶ፡ መንግስቲ ኣንጻር እቲ ወራር ኣንበጣ ወፍሪ ከካይድ ኣተሓሳሲቡ።

እዚ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዝተብሃለ ወራር ኣንበጣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዓብዪ ስግኣት ፈጢሩ ከምዘሎ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝርአ ዘሎ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ክኣቱ እንተዘይኽኢሉ፡ ኣብተን ሃገራት ዓጸቦ ከጋጥም ከም ዝኽእል ሕቡራት ሃገራት የጠንቅቕ።

ኣብቲ ብሕጽረት መግቢ ዝሳቐ ዞባ፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሶማል፡ ኬንያ፡ ታንዛንያን ኡጋንዳን ዝተኸሰተ ወራር ኣንበጣ፡ ኣብ ዘራእትን መጋሃጫን ዕንወት ኣስዒቡ ይርከብ።

ዓለምለኻዊ ውድብ መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት (ፋኦ)፡ ካብ ነፈርቲ መድሃኒት ንምንጻግ ምእንቲ ክከኣል ሓገዛት ክግበር ጻውዒት የቕርብ ኣሎ።

እዚ ምስ ዘይኸውን ግና፡ እቶም ብኣማኢት ቢልዮናት ዝቑጸሩ ኣንበጣ ተራቢሖም ንዘስዕብዎ ዕንወት ገዚፍ ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዘድሊ ፋኦ ሓቢሩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት