ትግራይ፡ ቅድሚ 33 ዓመታት ዝተሰርቀ ዘውዲ ናብ ቤተ ክርስትያን ጨለቖት ትግራይ ክምለስ እዩ

ንብረት ቤተ ክርስትያን ጨለቖት ዝኾነ ዘውዲ Image copyright Pm Abyi Ahmed office
ናይ ምስሊ መግለጺ ንብረት ቤተ ክርስትያን ጨለቖት ዝኾነ ዘውዲ

ንኣስታት 21 ዓመታት ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ መንበሪ ገዛ ኣቶ ሲራክ ኣስፋው ዝተብሃለ ውልቀ ሰብ ዝጸንሐ ጥንታዊ ዘውዲ ሎሚ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሱ።

እቲ ካብ ከተማ መቐለ ንኣንፈንት ደቡብ ምብራቕ ኣስታት 16 ኪሎ ሜትር ርሒቑ ዝርከብ ጥንታዊ ቤተ ክርስትያን ከምዝተሰረቐ ዝዝረበሉ ዘውዲ፡ ብሓገዝ ኤምባሲ ኔዘርላንድስ እዩ ክምለስ ተገይሩ።

እቲ ዘውዲ፡ ሎሚ መዓልቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ተቐቢልዎ።

እቲ ዝተመለሰ ዘውዲ ንዝተወሰነ እዋን ኣብ ሃገራዊ ቤተ-መዘክር ክጸንሕ ምዃኑን፡ ድሕሪኡ ድማ ናብቲ መረበቱ ኣብ ትግራይ ጥቓ መቐለ ዝርከብ ቤተ ክርስትያን ጨለቖት ከምዝምለስ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ መጽናዕትን ሓለዋን ሓድግታት ኢትዮጵያ ዶ/ር ሙሉጌታ ፍስሃ ንቢቢሲ ገለጹ።

"ካብ ጨለቖት ቤተ ክርስትያን እዩ ተሰሪቑ። መዓስ ከምዝምለስ ዝወሰናዮ ነገር እኳ እንተዘይሃለወ ኣብ በዓል ዓወት ኵናት ዓድዋ ክነረክቦ ሓሲብና ኣለና" ክብል ገሊጹ።

እቲ ዘውዲ፡ ኣብ ነሓሰ 26, 1979 ዓ/ም ከምዝተሰረቐ ዝሓበረ ዶ/ር ሙሉጌታ፡ ምስ ስርቂ እቲ ዘውዲ ተዛሚዱ ዝተጠርጠሩ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓሉን፤ እንተኾነ ግን ካብ ሃገር ብኸመይ ኣገባብ ከምዝወጸኣ ዝፍለጥ ነገር ከምዘየለ ኣፍሊጡ።

ንብረት ቤተ ክርስትያን ጨለቖት ዝኾነ እቲ ዘውዲ፡ ኣብ መንበሪ ገዛ ኣቶ ሲራክ ንኣስታት 21 ዓመታት ድሕሪ ምጽንሑ፡ ብምትሕብባር መንግስቲ ኔዘርላንድን ሚኒስትር ባህልን ቱሪዝምን ኢትዮጵያን ናብ ሃገር ክምለስ ተገይሩ።

"እቲ ዘውዲ ናይ ቤተ ክርስትያን ጨለቖት ከምዝኾነ ብናይ ፎቶ መረዳእታ ምስ ኣረጋገጽና ኢና ናብ ቦትኡ ክምለስ ወሲንና" ይብል ዶ/ር ሙሉጌታ ፍስሃ።

ኣብ ኔዘርላንድስ ንኣስታት 42 ዓመታት ዝተቐመጠ ኣቶ ሲራክ፡ ነቲ ሓድጊ ብምስጢር ሓቢእዎ ክጸንሕ ዝደለየሉ ምኽንያት ንቢቢሲ ከረድእ እንከሎ "ኣብ ኢትዮጵያ ነዚ ሓድጊ ድሕነት ዝገብር ስርዓት ከምዚ ብቕልጡፍ ይመጽእ እዩ ኢለ ኣይተጸበኹን ነይረ" ኢሉ።

እቲ ሕጂ ዘሎ ስርዓት ግን ንሓለዋ ሓድግታት እምነት ዘሕደረሉ ከምዝኾነ ኣቶ ሲራክ ገሊጹ።

ከም ኣቆጻጽራ ኣውሮጳውያን ብ1745 ክሳብ 1865 ኣብ ዝነበረ ግዜ ኣብ ዙርያ እንደርታ ሰፊሕ ግዝኣት የመሓድሩ ዝነበሩ ራእሲ ወልደስላሴ ኣብ ኣርባዕተ ከባቢታት ማለት ኣብ ጨለቖት፣ ሕንጣሎ፣ ፈለግ ዳዕሮን መቐለን ቤተ መንግስቶም ሃኒጾም የመሓድሩ ከምዝነበሩ መዛግብቲ ታሪኽ የረድኡ። ኣብ ዝኾነ እዋን ጨለቖት ርእሰ ምሕደሮኦም ኮይና እውን ነይራ።

እቲ ዘውዲ እምበኣር ብራእሲ ወልደስላሴ ንቤተ ክርስትያን ጨለቖት ዝተበርከተ ከምዝኾነ ኣብታ ቤተ ቤተ ክርስትያን ንኣስታት 16 ዓመታት ዝተቐመጡ ፈላሲ ኣባ ገበረስላሴ ሓቢሮም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት