ኣብ ከተማ ኣወዳይ ኣብ ሞንጎ ደገፍትን ተቓወምትን ኣብይ ኣሕመድ ጎንጺ ተፈጢሩ

ከተማ ኣወዳይ ኣብ ክልል ኦሮሚያ፡ ኣብ ሞንጎ ከተማታት ሃረርን ድሬዳዋን ትርከብ
ናይ ምስሊ መግለጺ ከተማ ኣወዳይ ኣብ ክልል ኦሮሚያ፡ ኣብ ሞንጎ ከተማታት ሃረርን ድሬዳዋን ትርከብ

ኣብ ከተማ ኣወዳይ ኣብ መንጎ ደገፍቲ መንግስትን ተቓወምትን ጎንጺ ከም ዝተፈጠረ፡ ነበርቲ እታ ከተማ ንቢቢሲ ገሊጾም።

ሎሚ ንጉሆ ደገፍቲ መንግስቲ ኣብዪ ኣሕመድን ውድብ ብልጽግናን፡ ናይ ድጋፍ ሰልፊ ንምግባር ናብ ኣደባባይ ከም ዝወጹን፡ ብኣንጻሩ ድማ ነቲ መንግስቲ ዝቃወሙ ጭርሖታት ዘስምዑ ካልኦት ሰባት'ውን ከም ዝመጽኡን ይዛረቡ።

"ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ንምድጋፍ ሰባት ሰልፊ ወጺኦም። ንምንታይ ኢኹምም ትድግፉ ዝብሉ ካልኦት ሰባት ድማ መጺኦም። ስዒቦም ድማ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝኹንኑ ጭርሖታት እናስምዑ እምኒ ምድርባይ ጀሚሮም" ክብል ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ኣባል ፖሊስ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ብእምንን ብበትርን ተወቒዖም ጉድኣት ዝበጸሖም ሰባት ከም ዘለዉ'ውን እቲ ኣባል ፖሊስ ተዛሪቡ።

ብተወሳኺ፡ ነቲ ጎንጺ ንምህዳእ ፖሊስ ብዙሕ ጠያይቲ ናብ ሰማይ እንትትኮስ፡ በዚ ዝተተኮሰ ጠያይቲ ዝበጽሓ ሓደጋ ዝምለከት ግን ሓበሬታ ከም ዘይብሉ እቲ ኣባል ፖሊሲ ገሊጹ።

ካሊእ ነባሪ እታ ከተማ ድማ "ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ሰብ መዚ እቲ ከባቢ 'ንቀዳማይ ሚኒስተር ዘለኩም ድጋፍ ንምግላጽ ሰልፊ ግበሩ' እናበሉ ንነበርቲ የጨንቑ ነይሮም" ኢሉ።

ሎሚ ንጉሆ ናይ ድጋፍ ሰልፊ ንምግባር ምስ ወጽኡ ድማ፡ ነዐኦም ዝቃወሙ ካልኦት ሰባት ናብ ኣደባባይ ከም ዝመጹ ተዛሪቡ።

"ኣብ መንጎ እዚ በዚ መጺኦም ዘይተብሃሉ ኣካላት ጸጥታ ነታ ከተማ ወሪሮምዋ፤ በዚ ድማ ዕግርግር ተፈጢሩ" ኢሉ።

ብተወሳኺ እቶም ሰልፊ ዝወጹ ሰባት ፈትዮምን ፈቒዶምን ዘይኮነስ ብዝተገበረሎም ጽዕንቶ ከም ዝኾነ ተዛሪቡ።

ብዛዕባ እቲ ናይ ድጋፍ ሰልፊ ንክገብሩ፡ ተገዲዶም ዝብል ሓሳብ ካብቶም ተሳተፍቲ ንምርግጋጽ ዝተገበረ ፈተነ ኣይሰመረን።

እቲ ጎንጺ 'ንምንታይ ብዘይ ድልየትኩም ሰልፊ ትወጽኡ" ምስ ዝብሉ ሰባት ከም ዝጓነጹ ዝዛረብ እቲ ነባራይ፤ ኣካላት ጽጥታ 'ውን ሰባት ከም ዝቐጥቀጡ ገሊጹ።

ካልእ ነባሪ እቲ ከባቢ ድማ፡ እቲ ጎንጺ፡ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ንምድጋፍ ብዝወጽኡ ደገፍትን ንዓቶም ብዝተቓወሙን ከም ዝኾነ ንቢቢሲ ኣረጋጋጹ።

"መንገዲ ዕጹው ነይሩ፤ ሕዚ መኻይን ብሰራዊት ምክልኻል ተዓጂበን እየን ዝሓልፋ ዘለዋ" ክብል እቲ ኩነታት ኣረዲኡ።

ቢቢሲ፡ ሎሚመዓልቲ ኣብቲ ከባቢ ብዛዕባ ዘጋጠመ ጉዳይ ንምጽራይ፡ ንሰብመዚን ፖሊስን እቲ ከባቢ ዋላ እኳ እንተሓተትና ክሰምረልና ግና ኣይከኣለን።

ነቲ ጎንጺ ስዒቡ ኣብ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ከምዝበጽሐ ዋላ እኳ እንተተገለጸ፡ ብትኽክል ምርግጋጽ ግና ኣይተኽኣለን።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ