ንበዓልቲ ቤቱ ብምቕታል ዝተኸሰሰ ቀዳማይ ሚኒስተር ሌሴቶ ናብ ጎረቤት ሃገር ኣምሊጡ

ቶማስ ታባነ (ማእኸል) ምስ ካልኣይቲ በዓልቲቤቱ መሳያ ታባነን ንጉስ ሌሴቶ፡ ለትሲ 3ይ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ቶማስ ታባነ (ማእኸል) ምስ ካልኣይቲ በዓልቲቤቱ መሳያ ታባነን ንጉስ ለትሲ 3ይ

ብቕትለት በዓልቲ ቤቱ ሊፖሌሎ ታባነ ተኸሲሱ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ኣብ ትጽቢት ዝነበረ ቀዳማይ ሚኒስተር ሌሴቶ ቶማስ ታባነ፡ ካብ ሃገሩ ከም ዝወጸ ምንጭታት ገሊጾም።

ወዲ 80 ዓመት ታባነ፡ ካብ ንግስነት ሌሴቶ ናብ ጎረቤት ሃገር ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ዘምርሐ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።

ነዚ ኣመልኪቱ ምላሽ ዝሃበ ወዱ ግና፡ ኣብኡ ንሕክምና ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ዘምርሐ ተዛሪቡ።

ውልቃዊት ጸሓፊት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ "ኣብ ቤት ፍርዲ ክርከብ ኣይኽእልን እዩ፡ ንሕክምና ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከይዱ ኣሎ" ኢላ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብምኽንያት ዕድመ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ምዃኑ ኣብ ወርሒ ሓምለ ገሊጹ እኳ እንተነበረ ብዛዕባ እዚ ክሲ ግና ኣይተዛረበን።

ናይ ሕጂ በዓልቲ ቤቱ፡ መሳያ ታባነ፡ ኣቐዲማ ብቕትተለት ተከሲሳ እያ።

ቶማስ ታባነ ኣብ ስልጣኑ እንከሎ ብዘቤታዊ ቅትለት ዝተኸሰሰ ኣፍሪቃዊ መራሒ ክኸውን እዩ።

ጓል 58 ዓመት ሊፖለሎ ታባነ፡ ቶማስ ታባነ ኣብ 2017 ቀዳማይ ሚኒስተር ቅድሚ ምዃኑ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ እያ ብጥይት ዝተቐቲላ።

Image copyright The Post
ናይ ምስሊ መግለጺ ቀዳማይ ሚኒስተር ቶማስ ታባነ ኣብ 2017 እዩ ምስ መሳያ ተመርዕዩ

ኣብቲ እዋን፡ ቶማስ ታበነ ነቲ ቅትለት "ህልና ኣልቦ" ክብል ገሊጽዎ እኳ እንተነበረ፡ ኣብዚ እዋን ፖሊስ ኣብቲ ቅትለት ኢድ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ከም ዘሎ ይኸስስ።

ምክትል ኮምሽነር ፖሊስ ፓሴካ ሞኬቴ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብቕትለት ክኽሰስ እዩ፤ ፖሊስ ምድላዋቶም የጻፍፉ ኣለው፤ ጽባሕ ክሲ ክቐርበሉ ይኽእል እዩ" ኢሉ።