"ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ ዘየላጢ ስጉምቲ ንወስድ ኣለና" ጀነራል ብርሃኑ ጁላ

ምክትል ኤታማጆር ሹም ሓይልታት ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ Image copyright OBN
ናይ ምስሊ መግለጺ መንግስቲ ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ ኣብ ልዕሊ ዝዓስከረ ሓይሊ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ይወስድ ኣሎ

ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ ተዋፊሩ ዝርከብ ኮይኑ፡ እቲ ከባቢ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ኣገልግሎት ኢንተርኔትን ቴሌፎንን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኮማንድ ፖስት ይርከብ።

ኣብቲ ከባቢ ዝተዋፈረ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዜጋታት ጉድኣት የብጽሕ ኣሎ ዝብል ነቐፌታ 'ግጉይ' ከምዝኾነ ምክትል ኢታማጆር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ብፍላይ ምስ ቢቢሲ ኣብዘካየዶ ቃለ ምልልስ ገሊጹ።

እቲ ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ ዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ሓይሊ ልዕሊ ክልተ ዓመታት ከምዘቑጸረ ዝሓበረ ጀነራል ብርሃኑ፡ መንግስቲ ልዕልነት ሕጊ ንምኽባር ኢሉ ስጉምቲ ንምውሳድ ሰራዊት ከምዘውፈረ ሓቢሩ።

"ናይ ሰራዊት ስራሕ ሽፍታ ካብ ህዝቢ ምፍላይ እዩ። ሰላም ህዝቢ ምውሓስ እዩ። ኣብ ልዕሊ ሸፋቱ ድማ ዘየላጢ ስጉምቲ ምውሳድ እዩ። ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝውረ ካብዚ ዝተፈለየ እዩ። እንታይ ከምዝበሃል ንፈልጥ ኢና። እንተኾነ ግን ሰራዊትና 'ፕሮፌሽናላት' እዮም። ህዝብን ሽፍታን መምዩ ዝፈልጥ እዩ። ሰራዊትና ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ጉድኣት ኣየብጽሕን። እቲ ህዝቢ እንተኾነ ሸፋቱ እለዩልና እዩ ዝበለ እምበር እዚ ዝበሃል ጉድኣት በጺሑኒ ኣይበለን" ክብል ተዛሪቡ።

ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ እንታይ'ዩ ተኸሲቱ?

ኣብ ድሕሪ መጥቃዕትታት ከተማታት ምዕራብ ኦሮምያ ዘሎ መን እዩ?

ኣብ ኦሮምያ ንቕትለት ኣባላት ፓሊስ ዝኹንን ሰልፊ ተኻይዱ

ሰራዊት ኦነግን ምክልኻል ኢትዮጵያን ተጓኒፆም

"ኣነ ዝወደብኩዎን ዝመርሖን ሰራዊት ህዝቢ ኣይትንክፍን" ዝበለ እቲ ጀነራል፡ ሰራዊት መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ጉድኣት ኣብጺሑ እንተኾይኑ ግን መንግስቲ ይቕሬታ ክሓትት እዩ። ኣነ እውን ብውልቀይ ይቕሬታ ክሓትት እየ" ኢሉ።

መንግስቲ ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ ንዝዓሰከሩ ዕጡቓት፡ ብሰላም ናብ ዓዲ ክኣትዉ ይልምኖም ከምዝነበረ ዘዘኻኸረ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ፡ ኣብ ክንዲ ልቢ ኣዕብዮም ጻውዒት መንግስቲ ዝቕበሉ ብኣንጻሩ ክጠናኸሩ ከምዝጀመሩ ይገልጽ።

እዞም ዕጡቓት ልክዕ ከም ኣልሻባብ ህዝቢ ይኣስሩ፣ ይገርፉን የንገላትዑን ከምዘለዉ ድሕሪ ምግላጽ ካብዚ ተበጊሱ መንግስቲ ኣብ ልዕሊኦም ምሕረት ዘይብሉ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ንኽወስድ ከምዝተገደደ ኣረዲኡ።

ምዕራብ ኦሮምያ ኣብ ትሕቲ ኮማንድ ፖስት ክትምሓደር ድሕሪ ምጅማራ፡ ገለ ነበርቲ እቲ ኸባቢ ተደጋጋሚ ማእሰርቲ የጋጥሞም ከምዘሎ ቅርትኦም ዘስምዑ እኳ እንተኾነ "እዚ ፍጹም ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ" ክብል ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ምላሽ ሂቡሉ።

"ዋላ ሓደ ወታሃደር መንግስቲ እንከይቀተሉ 80 ወተሃደራት ቀቲልና፣ 100 ማሪኽና ኢሎም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ናይ 'ሓሰት' ወረ ከምዝነዝሑ ዝገለጸ እቲ ጀነራል "እቲ ሓቂ ግን ዋላ ሓንቲ መዓልቲ ትኹን ምሳና ግንባር ንግንባር ገጢሞም ኣይፈልጡን" ክብል ዓቕሚ እቶም ዕጡቓት ሓይሊ ኣናኢስዎ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ብናይ ቃልሲ ሽሙ 'መሮ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ኩምሳ ድሪባ ካብ ዝመርሖ ሓይሊ ወጻኢ ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ ካሊእ ሓይሊ ከምዘየለን ናቱ ሓይሊ እውን እንተኾነ መንግስቲ ይወስዶ ብዘሎ ስጉምቲ ቁጽሪ ዕጡቓቱ እናተመናመነ ከምዝመጽአ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ገሊጹ።

ኣብቲ ከባቢ ኣገልግሎት ቴሌፎንን ኢንተርኔትን ምቁራጹ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ዕጡቓት ሓይልታት ይወስዶ ንዘሎ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ጠቓሚ ኮይኑ ከምዝተረኸበ እውን ኣብሪሁ።

ካብ ምዕራብ ኦሮምያ ብተወሳኺ ኣብ ምዕራብን ምብራቕን ጉጂ ይንቀሳቐሱ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ዕጡቓት ሓይሊ መንግስቲ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ከምዝወሰደ ምክትል ኤታማጆር ሹም ሓይልታት ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ሓቢሩ።