ኮሮናቫይረስ፡ ቁጽሪ ረኽሲ ኣብ ሓደ መዓልቲ ብዕጽፊ ወሲኹ

ሕሙም ዝሓዙ ሰራሕተኛታት Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ደቡብ ኮርያውያን ክልተ በጺሑ

ደቡብ ኮርያ፡ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ኣብ ሓደ መዓልቲ ብልዕሊ ዕጽፊ ከምዝወሰኸ ገሊጻ።

ትማሊ ቀዳም 229 ሓደሽቲ ረኽስታት ኮሮናቫይረስ ከምዝተመዝገቡን፡ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት 433 ከምዝበጽሐን ሰብመዚ ገሊጾም።

ዝርገሐ እቲ ሕማም ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ በጺሑ ከምዘሎ ድማ ምኽትል ሚኒስትሪ ጥዕና ሊም ጋንግ-ሊፕ ተዛሪቡ ኣሎ።

ካብቶም ዝተመዝገቡ ሓደሽቲ ረኽስታት እቶም ዝበዝሑ፡ ምስ ሆስፒታላትን ኣብ ጥቓ ከተማ ዴጉ ምስ ዝርከብ ሃይማኖታዊ ጉጅለን ዝተሓሓዙ ከምዝኾኑ እቶም ሰብመዚ ገሊጾም።

ብኣንጻሩ፡ ኣብ ቻይና ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝልከፉን ዝሞቱን ሰባት ይንኪ ከምዘሎ ሰብ መዚ ጥዕና ቻይና ገሊጾም።

ዳይሬክተር ውድብ ጥዓና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ በቶም ምስ ቻይና ንጹር ምትእስሳር ዘይብሎም ሓደሽቲ ረኽስታት ዘለዎ ስግኣት ብምግላጽ፡ እቲ ቫይረስ ንምቁጽጻር ዘሎ ዕድል እናጸበበ ይመጽእ ከምዘሎ ኣጠንቂቑ።

ኣብ ቻይና ዛጊድ 2345 ሞት ሓዊሱ 76288 ረኽስታት ዝተመዝገበ ኮይኑ፡ ኣብ ካልኦት 26 ሃገራት ድማ ልዕሊ 1200 ረኽሲታትን 8 ሞትን ተመዝጊቦም ኣለዉ።