ኮሮናቫይረስ፡ ጥልያን ኣብ ነቑጣታት መቆጻጸሪ ኮሮናቫይረስ ጽኑዕ ምክትታል ትገብር ኣላ

ፖሊስ ኣብ ጥቓ ፓዶቫ ሆስፒታል ሺያቮንያ መርመራ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ዝግበረሉ ስፍራ Image copyright EPA

ኣብ ኤውሮጳ ንዝዝርጋሕ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ጸኑዕ ስጉምቲ ከምዝወሰደት ቀዳማይ ሚኒስተር ጂሶፐ ኮንተ ሓቢሩ።

ትማሊ ቀዳም ኣብ ኢጣልያ ቁጽሪ ሕሙማን ኮሮና ቫይረስ 79 ከምዘበጽሐ ተሓቢሩ።

እቲ ስጉምቲ ክልተ ኢጣልያውን ድሕሪ ምማቶም እዩ ጸኒዑ። ካልኦት ሓያሎ በቲ ሕማም ተለኺፎም ከይኮኑ ዝተጠርጠሩ ኣብ ዞባ ሎምባርድያን ቨኒቶን ተወሺቦም ኣለው።

ሚስተር ኮንተ ፍሉይ ፍቓድ ዘይብሉ ናብቲ ጥርጡራት ተወሺቦሙሉ ዘለው ቦታ ክኣቱን ክወጽእን ከምዘይፍቀድ ሓቢሩ።

ኣብቲ ከባቢ ኣብያተ ትምህርትን ጋንታታት ስፖርትን ስሩዕ ንጥፈታተን ደው ከምዘበላን ሓያሎ ኣብ ምድብ ኤ ዝጻወታ ጋንታታት ናይ ሎሚ ሰንበት መደበን ከምዝሰረዘኦን ተፈሊጡ።

ኣገዳሲ እንተኾይኑ ነቲ ምቁጽጻር ከጽንዑ ሃገራዊ ሰራዊት ኣብ ስራሕ ከምዝዋፈሩ ተሓቢሩ።

Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ቀዳማይ ምኒስተር ጂሶፐ ኮንተ ሰባት ናብቲ ሕሙማን ዝተወሸቡሉ ቦታ ክኣትዉን ክወጽኡን ከምዘይፍቀድ ሓቢሩ

ሰበ ስልጣን ጥልያን እቲ ቫይረስ ኣብ ዞባ ሎምባርድያን ቨኒቶን ኣስፋፊሑ ከይከውን ስግኣት ከምዘለዎም ይገልጹ።

ሓላፊ ጥዕና ዞባ ሎምባርድያ ጁሊዮ ጋሌራ "እቲ ሕማም ተላባዕን ቀታልን እዩ" ክብል ገሊጹዎ።

እቲ ኣብ ግዝኣት ሁይ ኣብ ቻይና ዝተኸስተ ኮሮናቫይረስ ኣብ 26 ሃገራት ዓለም 1400 ሰባት ብምልካፉን 11 ብምቕታሉን ዓቢ ስግኣት ጥዕና ፈጢሩ ይርከብ።

ሰበስልጣን ጥዕና ቻይና ትማሊ ቐዳም እቲ ሕማም የንቆልቁል ከምዘሎ እኳ እንተገለጹ ኣስታት 76,392 ከምዝተለኽፉን 2,348 ከምዝሞቱን ሓቢሮም።

ካብ ቻይና ወጻኢ ግን በቲ ሕማም ዝተለኸፉ እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ሃገራት ኣፍሪቃ'ውን፡ ነቲ ቫይረስ ብዘተኣማምን ናይ ምምርማር ዓቕሚ ከምዘይብለን ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ተድሮም ኣጠንቒቁ'ሎ።