ሩስያ፡ ኮሮናቫይረስ ብኣመሪካ ዝተዘርገሐ ሽርሒ'ዩ ንዝብል ነጺጋቶ

ማስክ ዝገበረ ዋርድያ ኣብ ቤጂንግ Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ልዕሊ ቁጠባ ቻይና ዝተኣወጀ ወራር እዩ ዝብል ዘረባ ክዝርጋሕ ጸኒሑ ኣሎ።

ሩስያ፡ ነቲ ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርገሐ 'ወረ' መሰረት ኣልቦ እዩ ክትብል ነጺጋቶ።

ሰበስልጣን ሩስያ፡ ኮሮናቫይረስ ኣመሪካ እያ ጀሚራቶ ተባሂሉ ንዝተዘርገሐ መሰረት ዘይብሉ ክሲ ነጺጎምዎ።

ኣብ ትዊተር፡ ፈይስ-ቡክን ኢንስታግራምን ኣሽሓት ፕሮፋይል ብዛዕባ ሽርሒ ኮሮናቫይረስ ይዝረብ ከምዘሎ እቶም ሰበስልጣን ሐቢሮም።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ፡ እቲ ክሲ መሰረት ዘይብሉ፡ ስኑዕ ወረ (ፌክ) እዩ ክብል ምላሽ ሂቡ። ኣፈኛ እቲ ምኒስትሪ ማርያ ዛክሮቫ እቲ ወረ ብፍላጥ ዝተዘርገሐ ሓሶት እዩ ክትብል ንማዕከን ዜና ታስ ሓቢራ።

እቲ ዛጊት 76,392 ሰባት ዝለኸፈ ኣብ ግዝኣት ሁይ ኣብ ቻይና ዝተኸስተ ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ቻይና ልዕሊ 2,000 ሰባት ከምዝቐተለ ሰበስልጣን ቻይና ሓቢሮም።

እቲ ናይ ምስትንፋስ ጸገም ዝፈጥር ኮሮናቫይረስ ዓለማዊ ውደብ ጥዕና ኮቪድ-19 ክብል ሰምዩዎ ኣሎ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ማርያ ዛካሮቭ እቲ ብሰበስልጣን ኣመሪካ ዝቐረበ ክሲ ግጉይ እዩ ኢላ

ኣቐድም ኣቢሉ ዝለዓለ በዓል ስልጣን ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ፊሊፕ ሪከር፡ ሩስያውያን ተዋሳእቲ፡ እቲ ሕማም ቁጠባ ቻይና ንምድኻም ኣመሪካ ዝመሃዘቶን ዝዘርገሐቶን ሕማም እዩ ክብሉ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ናይ ሓሶት ወረ ከምዝዘርግሑ ተዛሪቡ ነይሩ።

ተሓጋጋዚ ሴክረታሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ኤውሮጳን ኤውሮ-ኤሽያን ፊሊፕ ሪከር፡ "ተዋሳእቲ ሩስያ፡ ብናይ ሓሶት ወረ ነቲ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝሃቦ መግለጽን ሓበሬታን ጠምዚዞም ህዝቢ የርዕዱ ኣለው" ክብል ንኤኤፍፒ ተዛሪቡ። እቲ ወረ ወናንን መስራትን ማይክሮሶፍት ቢል ገይት እውን ኣብቲ ጉደይ ከምዝተሳተፈ ይወቅስ እዩ።

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ቻይና ልዕሊ 2000 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ሞይቶም

ኤኤፍፒ ከምዝበሎ እቲ ብዛዕባ ኣፈጣጥራን ዝርገሐን ኮሮናቫይረስ ዝተሃንደሰ ሽርሒ፡ ኣብ መፋርቕ ጥሪ ሳልሳይ ሰብ በቲ ሕማም ምስ ሞተ እቲ ናይ ሓሶት ወረ ክዝርጋሕ ከምዝጀመረ ምቁጽጻር ሳይቨር ኣመሪካ ተኸታቲሎሞ።

ኣብ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ሓላፊ ግሎባል ሽርክነት ሊ-ጋብሪኤለ፡ "ኣብ ሶሻል ሜድያ ኣሽሓት ሰባት ነቲ ሓሳብ ክዝርግሑዎን ብመንግስቲ ዝእለያ ተሌቬዥናት ሩስያ ከይተረፋ ብዛዕባ እቱ ስኑዕ ወረን ሽርሕን ክዛረባ ተኸታቲልናዮ ኢና" ይብል።

እቲ ሽርሒ ንሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃን ኤሽያን ከምዘጠራጠረን እውን ተዛሪቡ። እቲ ሽርሓዊ ፈነወ፡ ኣብታ ፖለቲካ መደባት እተቕርብ ቀንዲ ማዕከን ዜና ቻይና ምቕራቡን ንትካላት ፋርማስን ኣመሪካን መሻርኽታ ትካላትን ከምዝወንጀለ እውን ተፈሊጡ ክብል ሊ ጋብሩኤል ይገልጽ።