በርኔ ሳንደርስ ብዓወት ናቫዳ ብጸብለልታ ይመርሕ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሰልፊ ዴሞክራት በርኔ ሳንደርስ
ሕጹይ ሰልፊ ዴሞክራት በርኔ ሳንደርስ ኣብ ናቫዳ ብዝረኸቦ ዓወት ኣብ ቲ ኣብ ዝመጽእ ሕዳር ኣብ ኣመሪካ ዝካድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ትራምፕ ጸብለልታ ክህቦ ከምዝኽእል ተገሊጹ።
ክሳብ ንፕረዚደንትነት ዝወዳደር ሕጹይ ዝሩቋሕ ነዊሕ ጉዕዞ እኳ እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ግን ሳንደርስ ብጽቡቕ ይመርሕ ኣሎ።
ብኻልእ ወገን ምክትል ፕረዚደንት ነበር ጆ ቢደን ካብ ኣብ ካልእ ከባቢታት ኣብ ናቫዳ ጽቡቕ ውጺኢት ከምዘርኣየ ይንገር።
ኣብ ኢዋንን ኒው ሃምፕሼርን እውን ጽቡቅ ውጽኢት ከምዝነበሮ ይግለጽ። እተን ክልተ ስተይት ነቲ ናይ ኣርባዕተ ወርሒ መስርሕ ዘለዎ ሕጹያት ስለምንታይ ካብ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝሓሹ ምዃኖም ንሰዓብቶም ዘእምንሉ እዋን እዩ።
ኣብ ናቫዳ እንታይ ሓዲሽ ምዕባለ ኣሎ?
ክሳብ ሕጂ ኣብ 50% ናይቲ መድመጺ ኖቕጣታት ብዝተገብረ ምቑጻር ድምጺ ሚስተር ሳንደርስ፡ ንጸጋማይ ክንፊ ሰኔተር ቨርሞንት፡ ብ47% ድምጺ ንሚስተር ቪደን ከኣ ብ19% ይመርሖም ኣሎ።
ልዕሊ 15% ድምጺ ዝረኸቡ ሕጹያት፡ ንዲሞክራት ወከልቲ ንኽድግፉ ኣብቲ ኣብ ሓምለ ናይ ዝካየድ ናይ ሰልፎም ኣኼባ ክቐርቡ ይኽእሉ እዮም።
በርኒ ሳንድረስ ኣብ ተክሳብ ኮይኑ ኣብ ናይ ዓመት መግለጺ "ንብዙሕነት ወለዶን፤ ዓሌታዊ ስምረትን" ዘማእከሉ ዝበሎም ደገፍቱ ንኢዱ። ወሲኹ፡ ንፕረዚደንት ትራምፕ ኣጥቒዑ።
"ህዝቢ ኣሜሪካ ነዚ ብቐጻሊ ዝሕሱ ፕረዚደንት ክርኢ ሓሚሚ" ክብል ተዛሪቡ።