እስራኤል ኣብ ቓዛን መሬት ሶርያን መጥቃዕቲ ኣካይዳ

እስራኤል እቲ መጥቃዕቲ ከም መልሰ-ግብሪ ናይቲ ኣቐዲሙ ኣብ ልዕሊኣ ዝተካየደ ናይ ሮከት መጥቃዕቲ ምዃኑ እያ እትገልጽ። Image copyright Getty Images

ሰራዊት እስራኤል ኣብ ልዕሊ እስላማዊ ጉጅለ ፍልስጤምን ሶርያን መጥቃዕቲ ከምዘካየት ኣፍሊጣ።

እቲ መጥቃዕቲ ከም ግብሪ-መልሲ ናይቲ ኣቐዲሙ ኣብ ልዕሊኣ ዝተካየደ ናይ ሮከት መጥቃዕቲ ምዃኑ ኤስራኤል ትገልጽ።

ሰራዊት እስራኤል፡ ኣብ ደማስቆ ዝርከብ ዒላማታት እስላማዊ ጅሃድን ቓዛን ጽዑቕ ደብዳብ ከምዘካየደ ኣመልኪቱ።

ሰራዊት እስራኤል፡ ነቲ መጥቃዕቲ ባዕሉ ከምዝፈጸሞ ድሕሪ ምእማኑ፡ "ሕምብርቲ ንጥፈታት እስላማዊ ጅሃድ" ዝበልዎ ከባቢ ከምዘጥቕዐ ገሊጹ።

ሶርያ ብወገና ነቲ ናይ እስራኤል ሚሳይላት ብጸረ-ሚሳይላት ገይራ ከምዘውደቐቶ ገሊጻ።

በቲ መጥቃዕቲ 4 ሰባት ከምዝቐሰሉ'ውን ሰብመዚ ጥዕና ቓዛ ገሊጾም።

እቲ ተጻብኦታት፡ እስራኤል "ንኣባል እስላማዊ ጂሃድ ኣብ ከባቢ ዶብ ቓዛ ቐቲለ" ምስበለት እዩ ትማሊ ሰንበት ተጀሚሩ።

እቲ ኣባል እስላማዊ ጅሃድ ነታጒ ክቐብር ከምዝቐተልዎ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ዘውጽኦ መግሊጺ ሓቢሩ።

ድሕቲ እቲ ፍጻመ፡ ፍልጠማውያን ኣንጻር እስራኤል ዝቐንዐ ናይ ሕነ መጥቃዕቲ ምስ ጠለቡ ድማ፡ ሮከታት ካብ ቓዛ ተተኹሱ።

Image copyright Getty Images

ሓልታት እላማዊ ጅሃድ ነቲ ናይ ሮኬት መጥቃዕቲ ሓላፍነት ከምዝወሰደሉ ድማ ገሊጹ።

እዚ ብኢራን ከም ዝድገፍ ዝንገረሉ ሓይልታት እላማዊ ጅሃድ፡ ሓደ ካብቶም ዝሓየሉ ዕጡቕ ጉጅለ ምዃኑ ይግለጽ።