ኣብ ኦሮምያ ኣብዪ ኣሕመድ ንምድጋፍ ሰልፊ ኣብ ልዕሊ ዝወጽኡ ሰባት ብዝተደርበየ ቦምባ ብዙሓት ቆሲሎም

ከተማ ኣምቦ

ትማሊ ሰንበት፡ ኣብ ኣምቦ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ሰልፊ ብልጽግናን ንምድጋፍ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ልዕሊ ዘካይዱ ዝነበሩ ሰባት ብዝተደርበየ ቦምባ ብውሕዱ 29 ሰባት ከም ዝቖሰሉ ምምሕዳር እታ ከተማን ሓላፊ ጸጥታን ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ብመሰረት ሓበሬታ ኣቶ ሂንሰርሙ ደለሳ እቲ ቦምባ ኣብ ልዕሊ ንድጋፍ ዝወጸኡ ፈረሰኛታት እዩ ተኻይዱ።

ካብ መንጎ እቶም ዝቖሰሉ፡ ብዙሓት ሕክምናዊ ረድኤት ተገይሩሎም ካብ ሆስፒታል ከም ዝተፋነው እቲ ሓላፊ ገሊጹ።

ምስቲ ገበን ብዝተኣሳሰር ተጠርጢሮም ኣብ ቀይዲ ዝኣተው ሰባት ከም ዘለው ዝገለጸ ኣቶ ሂንሰርሙ፡ "እቲ ገበን ኣብ ጫካታት ዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ሓይሊ ፈጺምዎ ክኸውን ከም ዝኽእል" ጥርጣረታት ከም ዘለዎ ሓቢሩ።

በቲ መጥቃዕቲ ብዙሓት ኣፍራስ ከም ዝተጎድኡ፡ ቢቢሲ ካብ ነበርቲ ኣምቦ ዝረኸቦ ሓበሬታ የረድእ።

ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ ከተማ ኣወዳይ ኣብ መንጎ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ንምድጋፍ ሰላማዊ ሰልፊ ዝወጽኡ ሰባትን ተቓወምትን ብዝተፈጥረ ጎንጺ ብዙሓት ሰባት ከም ዝቖሰሉ ተገሊጹ ነይሩ።

ኣብዚ ቅንያት ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኦሮሚያ፡ ንምምሕዳር ኣብዪ ኣሕመድን ንሓድሽ ሰልፉ ብልጽግናን፤ ዘለዎም ድጋፍ ዝገልጹ ነበርቲ ሰላማዊ ሰልፍታት የካይዱ ኣለው።

ዝሓለፈ ዓርቢ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ናይ ቀረባ ርሕቀት እትርከብ ቡራዩ፡ ኣዛዚ ፖሊስ እታ ከተማ መንነቶም ብዘይተፈለጡ ዕጡቓት ክቕተል እንከሎ፡ ካልኦት ሰለስተ ዝቆሰሉ ድማ ናብ ሆስፒታል ከም ዝተወሰዱ ተገሊጹ ነይሩ።

ፖሊስ፡ ኣብ ቡራዩ ኮነ ኣብ ኣምቦ ምስ ዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት ብዝተሓሓዝ ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ከምዝእተወ ክገልጽ እንከሎ፡ ዛጊት ነቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል የለን።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት