ኮሮናቫይረስ፡ ዓለም ንሰፊሕ ምልባዕ ኮሮናቫይረስ ክትዳሎ ከምዘለዋ ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊጹ

መሸፈኒ ዝለበሱ በጻሕቲ ሃገር ኣብ ቨኒስ ኢጣልያ ለካቲት 24 2020 Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ መሸፈኒ ዝወደዩ በጻሕቲ ሃገር ኣብ ቨኒስ ኢጣልያ

ዓለም ሰፊሕ ምልባዕ ሓደጋ ለበዳ ኮሮና-ቫይረስ ክትዳሎ ኣለዋ ክብል ውድብ ጥዕና ዓለም ኣጠንቂቑ።

እቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ጥዕና ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብዓለም ደረጃ ህጹጽ ናይ ሓደጋ እዋን'ኳ እንተዘይተኣወጀ፡ እኹል ምድላው ክግበር ኣለዎ ክብል ጸዊዑ።

ኣብ ጥልያን፡ ደቡብ ኮርያን ኢራንን በቲ ቫይረስ ናይ ዝተታሕዙ ቁጽሪ ሰባት ድሕሪ ምውሳኹ'ዩ እቲ መግለጺ ተዋሂቡ።

ኣብ'ታ መበገሲት እቲ ሕማም ምዃና ዝንገረላ ከተማ ዉሃን ቻይና ኮይኑ፡ ልዕሊ 77,000 ሰባት ክልከፉ እንከለው ልዕሊ 2,600 ሞይቶም።

ካብ ቻይና ወጻኢ ልዕሊ 1,200 መልከፍቲ ኣብ 30 ሃገራት ክረአ እንከሎ 20 ሰባት ሞይቶም ኣለው። ኣብ ኢጣልያ ብሰኑይ ኣርባዕተ ሰባት በቲ ሕማም ብምምዋቶም ቁጽሪ ምውታት ኣብታ ሃገር ናብ ሸውዓት ክብ ኢሉ ኣሎ።

እቲ ሕማም ኣብ ቁጠባ ክህልዎ ዝኽእል ጽልዋ ብዘሕደሮ ስግኣት፡ ዓለምለኻዊ ዕዳጋታት 'ኣክስዮን' ኣዝዩ ኣንቆልቂሉ ኣሎ።

ቻይና ንዓመታዊ ኣኼባ ሃገራዊ ህዝባዊ ባይቶ ናብ ዝቕጽል ወርሒ ክሰጋገር ከም ዝኽእል ተገሊጹ።

እቲ ብዴሳዊ ሰልፊ እታ ሃገር ዝግበሩ ውሳነታት ዘጽድቕ ኣካል ካብ 1978 ጀሚሩ ዓመታዊ እዩ ክራኸብ ጸኒሑ።

ውድብ ጥዕና ዓለም መጠን ሞት ዛጊት ከም ዘይተፈለጠ እኳ እንተገለጸ፡ ካብቶም በቲ ሕማም ዝተጠቕዑ ሰባት ካብ 1 ክሳብ 2 ሚእታዊ ዝኾኑ ከም ዝሞቱ ኣሃዛት የርእዩ።

ብሰኑይ ዒራቕ፡ ኣፍጋኒስታን፡ ኩወይት፡ ዖማንን፡ ባሕረይንን ንፈለማ እዋን በቲ ሕማም ዝተጠቕዑ ሰባት ከም ዝረኸባ ክገልጻ ከለዋ፡ ኩሎም ካብ ኢራን ዝገሹ ምዃኖም ተሓቢሩ።

ኣብ ባሕረን እቲ ሕሙም፡ መራሒ ኣውቶቡስ ተማሃሮ ብምንባሩ፡ ብዙሓት ኣብያተ ትምህርቲ ክዓጽዋ ተገዲደን ኣለዋ።

ካልእ ምዕባለታት፡

  • ኣብ ኢጣልያ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ሰሪያ ኣ ከምኡውን ግጥማት ሊግ ኣውሮጳ ኣብ ዕጽው ስታድዩማት ክካየዱ ምዃኖም ሚኒስተር ስፖርት ኢጣልያ ሓቢሩ።
  • ኮሮናቫይረስ ኣብ ልዕሊ ኣውፍርቲ ብዘሕደሮ ስግኣት፡ ወርቂ ካብ ዝሓለፈ ሸውዓተ ዓመታት ዝኸበረ ዋጋ ኣመዝጊቡ ኣሎ።
  • ደቡብ ኮርያዊ ጉጅለ ሙዚቃ ቢቲኤስ ኣብቲ ዘካይዶ ምርኢት ተዓዘብቲ ክመጹ ከም ዘይደልን፡ ብቪድዮ ክዝርግሖ ምዃኑን ገሊጹ።
  • ሰሜን ኮርያ ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምግታእ፡ 380 ወጻእተኛታት ወሺባ ኣላ።