ኣመሪካ፡ ሃርቪ ዌንስተይን ብቕለት ወሲብ ተፈሪዱ

ተዋሰኢ ሆሊውድ ነበር ሃርቪ ዌንስተይን Image copyright EPA

ወዲ 67 ዓመት ዌንስተይን ንደቀንስትዮ ብሓይሊ ብምግሳሱን ብኻልእ ጾታዊ በደልን ገበነኛ እዩ ተባሂሉ።

ቤት ፍርዲ ኒው ዮርክ ነቲ ብጾታዊ ዓመጽን ግህሰት ደቀንስትዮን ገበነኛ እዩ ዝበሎ ስሙይ ኣክተር፤ በቲ ዝፈጸሞ ጥፍኣት ክሳብ 25 ዓመት ማእሰርቲ ከጋጥሞ ይኽእል'ዩ።

ኣብ ርእሲ እዚ እውን ዌንስተይን ኣብ ካሊፎርኒያ ኣብ ካልኦት ክልተ ኣንስቲ በደል ፈጺሙ እዩ ብዝብል ጥርጣረ ይደለ ምህላው ተሓቢሩ።

እቲ ንነዊሕ ዓመታት ንሆሊውድ ዝዘወራ ዌንስተይንን ኣስታት 80 ዝኣኽላ ደቀንስትዮ ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሙልና እዩ ክብላ ይኸስኦ።

ከም ገዌኔዝ ፓልትሮው፣ ኡማ ትሩማን ሳልማ ሃዬክን ዝኣመሰላ ሓያሎ ፍሉጣት ተዋሳእቲ በደል ፈጸሙልና እዩ ክብላ ምስክርነተን ሂበን።

እቲ #MeToo ዝተባህለ ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ጎስጓስ ከኣ ዌንስተይን ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሙልና እዩ ዝብላ ሓያሎ ደቀንስትዮ ክዛረባ ምስ ጀመራ እዩ ተዋዓዊዑ።

ንሱ ናይ ኦስካር ሽልማት ዝወሰዱ፡ ከም 'ጉድ ዊል ሃንቲንግ'፣ 'ዘ ኪንግስ ስፒች' ከምኡውን 'ፐልፕ ፊክሽን' ዝተሰምዩ ስምን ዝናን ዘትረፉ ዝተፈላለዩ ፊልምታት ዘሰናደአ ውሩይ ስነ-ጥበባዊ እዩ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ጄሲካ ማን [ጸጋም] እና አናቤላ [የማን] ዌንስታይንን ብዓመጽ ተደፊርና ኢለን ዝኸሰሳ

ዌንስተይን ብቕለት ወሲብ ምስተፈርደ ብዘጋጠሞ ሃንደበታዊ ሕማም ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ተወሲዱ። ክሳብ ዝፍረድ ግን 'ሪከር' ኣብ ዝተባህለት ሓንቲ ደሴት ተኣሲሩ ምንባሩ ተሓቢሩ።

ዌንስተይን ግን ንኹሉ ዝቐረበሉ ክሲ "ኣይወዓልኩዎን" ክብል እዩ ዝነጽጎ። መሳርሕቱ ሚሚ ሄሊ ከይተረፈት እውን ደፊሩኒ'ዩ እያ ትብል። ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት እውን ጄሲካ ማን ንዝተባህለት ተዋሳኢት ደፊሩዋ ተባሂሉ ነይሩ።

ጠበቓታቱ፡ "ዌንስተይን ንጹህ እዩ፡ ክሳብ መጨረሽታ ከኣ ይግባይ ክንብል ኢና" እዮም ዝብሉ። ይኹን እምበር ዌንስታይን ብዘይካ እቲ ኣብ ኒው ዮርክ ዝቐረበሉ ክሲ ኣብ ካሊፎርንያ እውን ካልእ ክሲ ይጽበዮ ምህላው ይዝረብ። እተን ሃርቪ ዌንስታይን ኣገዲዱ ደፊሩና ዝብላ ደቀንስትዮ፡ ናይ ገንዛብ ካሕሳ ክወሃበን ትጽበት ይግበር።