ምክትል ሚኒስተር ጥዕና ኢራን ብኮሮናቫይረስ ተታሒዙ

ኢራን ኢራጅ ሃሪርቺ (ጸጋም)

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ,

ምክትል ሚኒስተር ጥዕና ኢራን ኢራጅ ሃሪርቺ (ጸጋም)

ምክትል ሚኒስተር ጥዕና ኢራን ብኮሮናቫይረስ ከም ዝተትሓዘ ተገሊጹ።

ምክትል ሚኒስተር ጥዕና ኢራጅ ሓሪርቺ ኣብ ዝዘርገሖ ቪድዮ፡ በቲ ቫይረስ ከም ዝተትሓዘን፡ ንነብሱ ካብ ሰብ ኣግሊሉ ሕክምና ይከታተል ከም ዘሎን ተዛሪቡ።

ትማሊ ሰኑይ ኣብ መግለጺ መግለጺ እንትህብ ብተደጋጋሚ ሽፋሽፍቲ ዓይኑ ክጸርግ ዝተርኣየ እቲ ምክትል ሚኒስተር፡ ሰብ ስልጣን ብዛዕባ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ዝሃብዎ ሓበሬታ ሓሶት ከም ዝኾነ ገሊጹ ነይሩ።

95 ረኽሲታት ዝተሓበሩ ኮይኖም፡ እቲ ሓቂ ግን ዝዛይድ ከም ዝኾነ ይዝረብ።

ኢራን ነቲ ዛጊድ 15 ዜጋታታ ዝቐተለ ሕማም ንምቁጽጻር ትጽዕር ኣላ።

ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኣብ ኢራን ዝተርኣየ ሃንደበታዊ ወሰኽ ረኽሲታት ከም ዘተሓሳሰቦ ገሊጹ ነይሩ።

እቲ ቫይረስ ካብ ዝኽሰት ናብዚ፡ አብ ሙሉእ ዓለም ልዕሊ 80 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ከም ዝተትሓዙን ልዕሊ 2700 ሰባት ከም ዝሞቱን ተገሊጹ።