ኬንያ ኣእዱግ ተሓሪዶም ከይሽየጡ ኣጊዳ

ኣእዱግ ኬንያ Image copyright Getty Images

ካብ ዝመጽእ ወርሒ ጀሚሩ ኣብ ኬንያ ማሕረዲ ስጋ ኣእዱግ ጠጠው ከም ዝብል ሚኒስተር ሕርሻ እታ ሓቢሩ።

ኬንያ፡ ነቲ ኣብ ቻይና እናዓበየ ዝመጽእ ዝነበረ ጠለብ ስጋ ንኸተማልእ፡ ንናይ ኣእዱግ ዕዳጋ ሕጋውነት ኣልቢሳቶ ነይራ።

ሚኒስተር ፒተር ሙንያ፡ እቲ ውሳኔ ሕጽረት ኣእዱግ ስለዘስዓበ ግጉይ ውሳኔ ከም ዝነበረ ገሊጹ።

ኣብ ገጠራት ዝነብሩ ህዝቢ፡ ንምጉራት ማይን፡ ዕንጨይትን፡ ኣእዱግ ስለዝጥቐሙ፡ እዚ ሕጽረት ኣእዱግ ኣብ ስራሕ ደቂ-ኣንስትዮ ተወሳኺ ተጽዕኖ ከይፈጥር ስግኣት ኣሎ።

ብመሰረት ዝሓለፈ ዓመት ዝተገበረ መንግስታዊ ጸብጻብ፡ ብዝሒ ኣእዱግ ካብቲ ቕድሚ ዓሰርተ ዓመት ዝነበረ 1.8 ሚልዮን ናብ 600,000 ከም ዝወረደ ተፈሊጡ።

ብሰኑይ፡ ኣብ ናይሮቢ ዝርከቡ ሓረስቶት ኬንያ፡ ኣብ ኣፍ-ደጌ ቤት ጽሕፈት ኣቶ ሙንያ ብምምጻእ፡ ንአእዱግ ንምክንኻን ስጉምቲ ክውሰድ ሰላሚ ሰልፊ ኣካዪዶም።

ሰልፈኛታት ኣብ ጭርሖኦም፡ "ኣእዱግ ምስ ዝሕረዱን ዝስረቑን፡ ደቂ-ኣንስትዮ ናብ ኣእዱግ ይቕየራ" ዝብል ሒዞም ነይሮም።

ኣቶ ሙንያ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ሕጋዊ ዝኾነ ማሕረዲ ኣእዱግ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ናብ ናይ ካልኦት እንስሳታት ማሕረዲ ከም ዝቕየር ወይ ድማ ከም ዝዕጾ ሓቢሩ።

እቲ ሚኒሰተር ደጊሙ፡ እቲ ናይ ኣእዱግ ንስጋ ምሕራድ ብግቡእ ዘይተሓስበሉ ፖሊሲ ከም ዝነበረ ጠቒሱ።

"ካብቲ ብምሕራድ ኣእዱግን ስጋኦም ብምብላዕን ዝርከብ ጥቕሚ፡ እቲ ዘበርክትዎ ልምዳውን ባህላውን ስራሕ ይበልጽ" ይብል እቲ ሚኒስተር።

እዚ ምሕራድ ኣእዱግ፡ ዘይሕጋውያን ወዲኒታት ከም ዝበዝሑን፤ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ከም ዝዋፈሩን ገይሩ ይብሉ እቶም ነበርቲ። ኣብ ኬንያ ኣርባዕተ ሕጋውያን መሕረዲ እንስሳታት ኣለዋ።

ብገምጋም፡ ኣብ ኬንያ ኣብ መዓልቲ ኣስታት 1000 ኣእዱግ ከም ዝሕረዱ ይንገር።

ብመሰረት ኣፍሪቃ ነትዎርክ ፎር ኣኒማል ወልፈር፡ ካብ 2012 ኬንያ ንስጋ ኣድጊ ሕጋዊ ካብ እትገብሮ ንደሓር፡ ዋጋ ናይ ሓደ እኹል ኣደጊ ኣብ ኬንያ ኣርባዕተ ዕጽፊ ኮይኑ።

ኣብ ቻይና ቆርበት ኣድጊ ብዙሕ ጠለብ ከምዘለዎ ይግለጽ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት