ዙር ርዋንዳ - 4ይ መድረኽ፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን ብጫ ማልያ ወኒኑዋ

ናትናኤል ተስፋጽዮን Image copyright Tour De Rwanda/Twitter
ናይ ምስሊ መግለጺ ናትናኤል ተስፋጽየን፡ ጻዕዳ ማልያ ናይ ትሕቲ ዕድመ'ውን ተረኪብዋ ኣሎ።

ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ራብዓይ መድርክ ዙር ርዋንዳ ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽዮን ነቲ ካብ ከተማ ሩሱዚ ናብ ሩባቩ 206.3 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ ኣብዚ ውድድር ዝነወሐ መድርኽ ንውድድሩ ብ5 ሰዓት 34 ደቂቕን 46 ካልኢትን ብምዝዛም ቀዳምይ ኮይኑ ተዓዊቱ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ውድድር ደቡብ ኣፍሪቃዊ ተቀዳዳማይ ጋንታ ፕሮቴል ማይን ኬንት ካልኣይ ክውጽእ እንከሎ፡ ርዋንዳዊ ሞግሻ ሳልሳይ ብምዃን ውድድሩ ዛዚሙ።

ናትናኤል፡ በዚ ሎሚ ዘመዝገቦ ዓወት ተሓጊዙ ብጫ ማልያ ካብ ኤርትራዊ ተቀዳዳማይ ጋንታ ኒፖዴልኮ ቢንያም ግርማይ ክቕበላ ክኢሉ ኣሎ።

ናትናኤል ተስፋጽየን፡ መበል 23 ተቐዳዳማይ ኣብ ታሪኽ'ዚ ውድድር ብጫ ማልያ ዝለበሰ ክኸውን እንከሎ፡ ብዘይካ'ዚ ጻዕዳ ማልያ ናይ ትሕቲ ዕድመ'ውን ተረኪብዋ ኣሎ።

ንሱ፡ ነቲ ኣብ ብጫ ማልያ ካልኣይ ኮይኑ ዝስዕቦ ዘሎ ርዋንዳዊ ሙጊሻ፡ ብ2 ደቂቕን 11 ካልኢትን ማሕዲግሉ ብምህላዉ፡ ብሕጂ ንዘሎ ፈኵስ ውድድራትን ሓይሊ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራን ኣብ ግምት ብምእታው ዕዉት ብጫ ማልያ እዚ ውድድር ከምዝኸውን ይግመት።

ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብ ዙር ጋቦን ትሮፒካለ ኣሚሳ ቦንጎ፡ ኣብ መዛዘሚ ውድድር ብሓንቲ ካልኢት ተበሊጹ ዕዉት ብጫ ማልያ ካብ ምዃን ከምዝቦኾረ ዝዝከር እዩ።

ሓሙሻይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ 2020 ጽባሕ ካብ ሩባቩ ናብ ማሶንዘ፡ ናይ 84.7 ኪሎ ሜተር ውድድር ክካየድ'ዩ።

ቅድሚ ሕጂ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት፡ መርሃዊ ቅዱስን ቢንያም ግርማይን ኣብዚ ውድድር ብጫ ማልያ ዝለበሱ ኤርትራወያን ኮይኖም፡ ናትናኤል ራብዓይ ኤርትራዊ ኣብዚ ውድድር ብጫ ማልያ ክለብስ ዝኸኣለ ተቀዳዳማይ ኮይኑ ተመዝጊቡ'ሎ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት