ፓኪስታን፡ ኣብ ሰፈር ኣናብስ ሬሳ ሓደ መንእሰይ ተረኺቡ

ስእሊ ኣንበሳ Image copyright Getty Images

ኣብ ፓኪስታን ከተማ ላሆር ኣብ ዝርከብ ሰፈር ኣናብስ ሬሳ ሓደ መንእሰይ ከምዝረኸበ ተገሊጹ።

ማሓሙድ ቢላል ዝተባህለ ወዲ 17 ዓመት ብኸመይ ኣብቲ ሰፈር ከምዝኣተወን፤ ብኸመይ ከምዝሞተን ሰብመዚ እታ ከተማ መርመራ የካይዱ ኣለው።

እቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ህዝቢ ግን ብቕዓት ናይቶም ኣብ መካነ-እንስሳ ዝሰርሑ እዮም ዝነቕፉ። ዝሓለፈ ሰሙን፡ ናይቲ መካነ-እንስሳታት ቤት-ጽሕፈት ብሰረቕቲ ተዘሚቱ ነይሩ።

እቲ ብመንግስቲ ዝምወል 'ላሆር ሳፋሪ' ዝባህለ መካነ-እንስሳ፤ ኣብ 1982 ዝተመስረተ ኮይኑ፤ ኣብ ፓኪስታን እቲ ዝዓበየ ዝገደመን መካነ እንስሳ እዩ።

ኣካያዲ ስራሕ መካነ-ስንስሳታት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ስድራ-ቤት እቲ መዋቲ ኣብቲ መካነ-ስንስሳታት መጺኦም ኣብ ጉዳይ እቲ መንእሰይ ሓገዝ ከምዝሓተቱ ገሊጹ።

"ንሕና ድማ ደንጉኹም ኢልናዮም ከምኡ'ውን ኣብ ጸልማት ነቲ ወዲ ክንደልዮ ሓደገኛ እዮ ኢልናዮም" ኢሉ።

ሰራሕተኛታት እቲ መካነ-እንስሳሳ ትሚሊ ረቡዕ ነቲ ወዲ ከናድዩ እንከለው ድማ፡ ብደም ዝመልኣ ሽክና-ርእሲን ገለ ኣዕጽምትን ዝተቐደ ክዳንን ረኺቦም። እቲ ዝተረኸበ ክዳን ናይቲ መንእሰይ ከምዝነበረ ኣዝማዱ ኣረጋጊጾም።

እቲ ወዲ ሰሉስ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ፡ ንከብቲ ዝኸውን ሳዕሪ ክእከብ ከምዝወጸ ኣዝማድ እቲ መንእሰይ ንሰብመዚ እቲ ከባቢ ሓቢሮም።

ቢላል ብኸመይ ከምዝሞተ ንምርግጋጽ፡ ሬስኡ ንዝያዳ መርመራ ናብ ካልእ ቦታ ተላኢኹ'ሎ።