ኢጣልያ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ናብ 400 ዓሪጉ

ባቡር ሚላን፡ 26 ለካቲት Image copyright Getty Images

ኣብ ኣውሮጳ ቀንዲ ማእከል ለበዳ ኮይና ዘላ ኢጣልያ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት፡ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት 25% ብምውሳኽ 400 ከም ዝበጽሐ ተገሊጹ።

ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣውሮጳ ናብ ጥልያን ዝገሹ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ከም ዝረኸባ ኣፍሊጠን።

ብረቡዕ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ እቲ ሕማም ካብ ቻይና ወጻኢ ንፈለማ እዋን ብቅልጡፍ ይላባዕ ከም ዘሎ ገሊጹ።

ብሓፈሻ ኣብ 40 ሃገራት ልዕሊ 80,000 ሰባት በቲ ኣብ ታሕሳስ ኣብ ውሃን ቻይና ዝተርኣየ ሓድሽ ሕማም ኮቪድ-19 ክልከፉ እንከለው፤ ዝበዝሑ ኣብ ቻይና እዮም ዝርከቡ።

እዚ ንኣስታት 2,700 ሰባት ቀቲሉ ዘሎ ሓድሽ ቫይረስ፡ ናይ ምስትንፋስ ጸገም ከምዘስዕብ ይግለጽ።

ኣብ ኢጣልያ ዘሎ ኩነታት እንታይ ይመስል?

ብረቡዕ፡ ሰማንያ ሰባት በቲ ሕማም ከም ዝተለኽፉ ሓፈሻዊ ቁጽሪ ሕሙማት ኮቪድ-19 ናብ 400 ክብ ከም ዝበለ ሰብመዚ እታ ሃገር ገሊጾም።

እቲ ቀንዲ ተጠቒዑ ዘሎ ከባቢ እቲ ብኢንዱስትሪ ፍሉጥ ዝኾነ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ዝርከብ ዞባ ሎምባርድይ፡ ከባቢ ሚላንን ጥቓ ቬኒስ ዝርከብ ቬነቶን እዩ። እቲ ለበዳ ዛጊት 12 ሰባት ቀቲሉ ኣሎ።

ነቲ ለበዳ ንምቁጽጻር ስግምታት ይውሰድ ምህላዎም ሰበስልጣን መንግስቲ ይገልጹ።

ኣብያተ ትምህርቲ፡ ዩኒቨርስቲታትን ሲነማታትን ክዕጸው እንከለው፡ ብርክት ዝበለ ተመዲቡ ዝጸንሐ ህዝባዊ ንጥፈታት ተሰሪዙ ኣሎ።

ኣብ ማእከል እቲ ለበዳ ተኸሲትሉ ዘሎ ከባቢታት ዝርከባ 55,000 ህዝቢ ዝነብረለን 11 ከተማታት ተወሺበን ኣለዋ።

እቲ ለበዳ ንኢጣልያ ናብ ቁጠባዊ ዝሕታለ ከየእትዋ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ። ብሰንኪ ፍርሒ እቲ ሕማም፡ ካፈታትን ሆቴላትን ሚላን፡ ጸምየን ከም ዘለዋ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ካብታ ከተማ ጸብጺቡ።

ኮሚሽነር ጥዕና ኣውሮጳዊ ሕብረት ስቴላ ኪርያኪድስ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ኣብ ሮማ ድሕሪ ምርካብ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፡ "እዚ ዘሻቕል ጉዳይ እዩ፤ ግና ክንርዕድ የብልናን. . . እቲ ቫይረስ ካበይ መጽኡን ብኸመይ ከም ዝመሓላለፍን ጌና ዘይተነጸሩ ብዙሕ ነግራት ኣለው"ኢላ።

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ መዓልታት፡ ኣውስትርያ፡ ክሮኤሽያ፡ ግሪክ፡ ኖርዌይ፡ ስዊዘርላንድ፡ ጆርጅያን ሰሜን መቄዶንያን ንፈለማ እዋን በቲ ቫይረስ ዝተለኽፈ ሰብ ምርካበን ኣፍሊጠን። መብዛሕትኦም ናብ ኢጣልያ ገይሾም ዝነበሩ ምዃኖም'ውን ተገሊጹ።