ቱርኪ ዶባት ንስደተኛታት ብምኽፋታ ግሪክ ሓተትቲ ዕቑባ ምቕባል ጠጠው ኣቢላ

ቖልዓ ዝሓቖፈት ስደተኛ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ቱርኪ ስደተኛታት ናብ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ንክሓልፉ "በሪ ብምኽፋታ"፡ ግሪክ ንዝቕጽል ሓደ ወርሒ ሓደስቲ ሓተትቲ ዑቕባ ከም ዘይትቕበል ኣፍሊጣ።

ሰበ መዚ ግሪክ፡ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት፡ ምስ ቱርኪ ብዘራኽብ ዶብ ንዝሰግሩ ዝነበሩ ኣስታት 10 ሽሕ ስደተኛታት ከም ዝኸልከሉ ኣፍሊጦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኪርያኮስ ሚትሶታኪስ፡ ግሪክ "ክሳብ እቲ ናይ መወዳእታ ዓቕማ ዶባታ ገቲኣ እያ" ኢሉ።

ቱርኪ ብወገና፡ ብምኽንያት ኣብ ሶርያ ዘሎ ኲናት፡ ቁጽሪ ዝስደዱ ዘለው ሰባት ክትጻወሮ ከም ዘይኽኣለት ትገልጽ።

ፕሬዝደንት ቱርኪ ረሲጵ ጣይጵ ኤርዶጋን፡ ብዓርቢ ስደተኛታት ኣባላት ሕብረት ኤውሮጳ ናብ ዝኾና ጎረባብቲ ግሪክን ቡልጋርያን ክሰግሩ ከም ዘፍቀደ ተዛሪቡ።

ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሰሜን ሶርያ፡ ግዝኣት ኢድሊብ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ነፈርቲ፡ 33 ወተሃደራቱ ምስ ሞቱ፡ ነዚ ስጉምቲ ክወስድ ከም ዝተገደደ ገሊጹ።

ተርኪ 3.7 ሚሊዮን ሶርያውያን ዝርከቡዎም ስደተኛታት ኣዕቊባ ትርከብ። ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ብዝበጽሐቶ ስምምዕ ግን፡ እቶም ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ከይኣትው ከልኪላቶም ጸኒሓ።

ረሲጵ ጣይጵ ኤርዶጋን ግን፡ ምስ ሓገዝ ተተሓሒዙ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ 2016 ዝኣተዎ ቃል ከም ዘፍረሰ ይነቅፍ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ግሪክ ብሰንበት ብትዊተር፡ "ዶባት ግሪክ ግዳማዊ ዶባት ኤውሮጳ ስለ ዝኾኑ ክንሕልዎም ኢና" ብምባል፡ ግሪክ ምስቲ ሕብረት ዝበጽሓቶ ስምምዕ ተኽብሮ ምህላዋ ገሊጹ።

ብተወሳኺ፡ "ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ግሪክ ክኣቱ ዝፈተነ ክጥረዝ ምኻኑ" ኣጠንቂቑ።

ገለ ኣብ ዶብ ግሪክ ዝበጽሑ ስደተኛታት፡ እምኒ፣ ሓጺንን ታኒካ መንብዒ ጋዝን እንትድርብዩ፡ ሓለውቲ ዶብ ግሪክ ድማ መንብዒ ጋዝ ተኲሶም።

ብኻልእ ወገን፡ ማእከላት መዕቆቢ ስደተኛታት ተጨናኒቖም ከም ዘለው ብምግላጽ፡ 500 ኣብ ሸውኣተ ጀላቡ ዝነበሩ ስደተኛታት ናብ ደሴታት ግሪክ ሌዝቦስ፣ ሳሞስን ቺኦስን ከም ዝኣተው ፖሊስ ግሪክ ገሊጹ።

ልዕሊ 300 ስደተኛታት ዝጸዓና ሸውዓተ ጀላቡ ናብ ሌስቦስ፣ 150 ስደተኛታት ዝሓዛ ኣርባዕተ ጀላቡ ድማ ናብ ሳሞዝ እንትኣትዋ ክልተ ካብ 70-80 ዝኾኑ ስደተኛታት ዝሓዛ ጀላቡ እውን ናብ ቺኦስ ከም ዝኣተዋ ሮይተርስ ንሰብ መዚ ግሪክ ጠቒሱ ጸብጺቡ።

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ,

ናብ ግሪክ ዝጉዓዙ ስደተኛታት

ሚኒስትር ምክልኻል ግሪክ ኣልኪቪዲስ ስቴፋኒ፡ ተርኪ ስደኛታት ክሰግሩ ተተባብዕ ኣላ ክብል ከሲሱ።

"ጠጠው የብሉውም የለውን ጥራሕ ዘይኮነ ይሕግዙዎም'ዮም ዘለው" ክብል ንማዕኸን ዜና ግሪክ ተዛሪቡ።

ብቐዳም ተርኪ ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ መገዲ ምስ ከፈተት፡ ኣብ ሞንጎ ፖሊስ ግሪክን ስደተኛታትን ጎንጺ ተላዒሉ'ዩ።

ሕብረት ኤውሮፓ ድማ፡ ናብቲ ሕብረት መዐቀኒታት ንምሕላው ምስ ተርኪ ዝዋሰና ግሪክን ቡልጋርያን ክሕግዝ ጸኒሐ'የ ይብል።