ኣብ ኢትዮጵያ ዝጠፍአ ማሕበረሰብ ኣርመንያ-ኢትዮጵያውያን

Inside the church

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Short presentational grey line

ኣለሻ ኣርመንያ-ኢትዮጵያውያን፡ ብፒያሳ ሓደ ኢለ ጀሚረ። ፒያሳ፡ ጥንታዊ ማእከል ንግዲ ኣዲስ ኣበባ'ዩ።

ቅድም ኢሉ ናብታ ከተማ ኣብ ዝገበርኩዎ ምብጻሕ፡ ደሃይን ታሪኽን እዞም ማሕበረሰብ እሰምዕ ነይረ።

ኢትዮጵያን ኣርመንያን፡ ብምኽንያት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ነዊሕ ዓመታት ዘቑጸረ ዝምድና መስሪተን'የን።

እዚ ካህናት ቤተክርስቲያን ብምምጻእ ዝጀመረ ርክብ፡ ዲፕሎማትን ነጋዶን ናብ ምምጻእ ክዓቢ ዝወሰደሉ ግዘ ነዊሕ ኣይኮነን።

ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን፡ ብርክት ዝበሉ ኣርመንያውያን ኣብ ቤትፍርዲ ንጉስ ሚኒሊክ ካልኣይ ዓብዪ ግደ ነይሩዎም።

ደሓር ኣብ 20 ክፍለዘመን ድማ፡ ናብርኦም ኣብታ ሃገር ዝደኮኑ ኣርመናውያን ባህላውን ቑጠባውን ጽልውኦም ከዕብዩ ቐጸሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ,

ክሳብ ሕጂ፡ ኣገልግሎት ዝህባ ኣብያተ ክርስቲያን ኣለዋ

ኣብ ሓደ ዝተጨናነቐ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ብ1930ታት ዝተሃነጸ ቅዱስ ጊዮርጊስ ቤተክርስቲያን ኣርመንያ ጠጠው ኢለ።

ዝተዓጸወ ስለ ዝመስል፡ ካብታ ጠጠው ዝበልኹላ ኮይነ "ሰላም" ብምባል ናብ ውሽጢ ተድሃኹ።

ዝመጻእኹሉ ምኽንያት ዘብራህኹሉ ዋርድያ፡ ስምኦን ንዝተብሃለ ኣርመንያዊ- ኢትዮጵያዊ ኣላዪ እቲ ቤተክርስቲያን ጸውኣለይ።

ምዕሩግን ትሑትን ሰብኣይ መጺኡ፡ ነቲ ቤተክርስቲያን ክርእዩ ዝመጽኡ ብዙሓት ሰባት ከም ዘየለው ነጊሩኒ።

ጽልዋ ሃይለስላሰ

ከምቲ ቐደም ካህናትን ምእመናንን ስለ ዘየለው፡ እቲ ቤተክርስቲያን ሓልሓሊፉ'ዩ ዝኽፈት።

ሕጂ፡ ንቕያ ዝተረፉ ካብ 100 ዘይበልጹ ብዕድመ ዝደፍኡ ኣርመንያ-ኢትዮጵያውያን ጥራሕ'ዮም ዘለው።

ውሽጢ እቲ ቤተክርስቲያን ዝተሸላለመን ዘግየጸን ኮይኑ፡ ብቐይሕ ምንጻፍ ፐርሺያ ዝተሸፈነ ምድሪ ቤት ኢኻ ትርኢ።

ኣብ እዋን ንግስነት ሃይለስላሰ፡ ኢትዮጵያ ትዝምን ነይራ፤ ኣርመንያውያን ኣማኸርቲ፣ ነጋዶን ሰብ ሃብትን ድማ ኣብ እዋን ስግግር ሃይለስላሴ ዓብዪ ተራ ተጻዊቶም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ,

እዚ ቤተክርስቲያን ኣብ 1930ታት'ዩ ተሃኒጹ

ብ1924፡ ራስ ተፈሪ [ንጉስ ሃይለስላሴ] የሩሳሌም ኣብ ዝርከብ ገዳም ኣርመኒያ በጺሑ።

ኣብቲ እዋን፡ ኣብ ቀዳማይ ኲናት ዓለም ብኦቶማን ተርኪ ካብ ዝተጨፍጨፉ ኣርመናውያን ዝተረፉ፡ 40 ኣላዪኦም ዝሰኣኑ ህጻናት ረኺቡ።

ሽዑ ንዝነበሩ ፓትሪያርክ ኣርመኒያ ኣብ የሩሳሌም፡ እቶም ቖልዑት ናብ ኢትዮጵያ ወሲዱ ከዕብዮም ከም ዝደሊ ብምግላጽ ፍቓዶም ክህቡዎ ሓተተ።

እዞም 40 ቆልዑት መዝሙር እቲ ሃጸያዊ ስርዓት ብዘወሃሃደ ኣርመናዊ ኮቮርክ ናልባንዲያን ተመሪሖም ሙዚቃ ብዝግባእ ሰልጢኖም ድማ ናብ ኢትዮጵያ መጽኡ።

ኣብ 1960ታት ቑጽሪ እዚ ማሕበረሰብ ኣብ ኢትዮጵያ 1,200 በጺሑ ነይሩ።

ቑጽሮም ውሑድ እንተኾነ'ውን፡ ሙዚቃ ጃዝ ኢትዮጵያ ኣብ ምዕባይ ሓገዝቲ ኮይኖም፡ ሰፋዪ ክዳን፣ ሓገዝቲ ቤትፍርዲ፣ ሓካይምን ነጋዶን ኮይኖም ይሰርሑ ነይሮም።

ምውዳቕ ሃጸያዊ ስርዓት

እዚ ማሕበረሰብ ምስቲ ሃጸያዊ ስርዓት ዝተኣሳሰር ህልውና ስለ ዝነበሮ ግን፡ እቲ ስርዓት ምስ ወደቐ ክዳኸም ጀሚሩ።

ስርዓት ሃይለስላሰ፡ ብወተሃደራዊ ስርዓት ደርጊ ብ1974 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳውያን] ምስ ተኣለየ፡ እቲ ሓድሽ ወተሃደራዊ ምምሕዳር፡ ናይ ኣርመናውያን ዝርከብዎም ትካላት ንግድን ሃብትን ወሪሱ።

መብዛሕትኦም ናብ ሰሜን ኣሜሪካን ኤውሮጳን ስለ ዝሃደሙ ድማ፡ ቑጽሪ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብር ማሕበረሰብ ኣርመንያ ጎዲሉ።

ውሑዳት ግን ጸኒሖም፤ ምስ ኢትዮጵያውያን ተመርዒዮም ድማ ፍሉይ ውሁድ ባህሊ ኣርመኒያን ኢትዮጵያን ፈጠሩ።

ሕጂ'ውን ፍሉያት በዓላት ምስ ዝህልው፡ ናብቲ ቤተክርስቲያኖም ይመጽኡ'ዮም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ,

ማሕበራዊ ክለብ ኣርመኒያ ባህላዊ መግብታት የተኣናግድ እዩ

ሓደ፡ ማሕበራዊ መርበብ እዚ ማሕበረሰብ'ውን ንቕያ ተሪፉ ኣሎ። እዚ ሬስቶራንት ዝሓዘ ክለብ፡ እዞም ህዝቢ ናይ መበቆሎም ጣዕሚ የዘኻኽሮም ኣሎ።

ኣላዪ እታ ቤተክርስቲያን ዝኾነ ስምኦን ክኸይድ ከም ዘለኒ ሓቢሩኒ።

ሰሉስ ምሸት'ዩ ነይሩ። በዘይካ ኣነን መሓዙተይን፡ ሰለስተ ኣርመኒያ-ኢትዮጵያውያን ደቂ ኣንስትዮ ነይረን።

ህላወ እዚ ማሕበረሰብ ከምዚ'ኳ እንተዘይነበረ፡ እዚ ክለብ ግን ሃለዋቱ ከም ዘሎ ክስምዐን ከም ዝገብር ነጊረናኒ።

ጋዜጠኛ እስማዒል ኢናሼ ናብ ኢትዮጵያ ዝተጉዓዘሉ ምኽንያት፡ ደሃይ እዚ ዝጠፍአ ማሕበረሰብ ንምርካብ'ዩ።