ኮሮናቫይረስ፡ ብምኽንያት ምዝማት እቲ ቫይረስ ሓላፊ ቤተክርስቲያን ደቡብ ኮርያ ይቕሬታ ሓቲቱ

ሊ ማን-ሂ፡ መስራቲ ቤተክርስቲያን ሺንቺኦንጂ ኣብ ደቡብ ኮርያ ጋዜጣዊ መግለጺ ሂቡ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ,

ሊ ማን-ሂ፡ መስራቲ ቤተክርስቲያን ሺንቺኦንጂ እዩ

ሓላፊ ኣብ ማእከል ኮቪድ-19 [ኮሮናቫይረስ] ዝተኸሰተሉ ናይ ዝርከብ ሃይማኖታዊ ትካል፡ ኣብ ደቡብ ኮርያ እቲ ቫይረስ ብምዝማቱ ይቕሬታ ሓቲቱ።

ሓላፍን መስራትን ቤተክስርቲያን ሺንቺኦንጂ ሊ ማን-ሂ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ተንበርኪኹን ተደፊኡን ይቕሬታ ሓቲቱ።

ኣብታ ሃገር ካብ ዝተመዝገበ ልዕሊ 4 ሽሕ ዝተረጋገጸ መዝገብ፡ እቶም 60 ሚኢታዊት ምእመናን እታ ቤተክርስቲያን'ዮም።

ካብ ቻይና ወጻኢ ደቡብ ኮርያ እታ ዝለዓለ ዝርግሐ ቫይረስ ኮቪድ-19 ዝተርኣየላ ሃገር ምዃና ተገሊጹ ኣሎ።

ሎሚ ጥራሕ፡ 476 ሓደሽቲ ሕሙማት ዝተመዝገቡ ኮይኖም ቅድም ኢሉ እቲ ቑጽሪ 4,212 ጸኒሑ'ዩ። 26 ሰባት ድማ ሞይቶም ኣለው።

ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ነቲ ዝተፈጥረ ምልባዕ፡ ሚስተር ሊ ብሸለተኝነት ወይ ብዘይተገዳስነት ክኸሱዎ'ዮም።

"ብፍላጥ እንተዘይኮነ'ውን፡ ብዙሓት ሰባት ግን በዚ ቫይረስ ተጠቒዖም'ዮም" ኢሉ እዚ ወዲ 88 ዓመት ዓመት ሓላፊ ቤተክርስቲያን።

"ዝከኣለና ጽዒርና ኢና፤ ግን ድማ ፈጺምና ክንከላኸሎ ኣይክኣልናን" እውን ኢሉ።

ካብ ሰሜናዊ ከተማ ዴጉ ዝተመዝገበ 3,081 ሕማም፡ እቲ 73 ሚኢታዊት ካብ ከባቢ እታ ቤተክርስቲያን ዝመጽአ ምኻኑ ይንገር።

ከንቲባ ከተማ ሲኡል፡ 10 ሚሊዮን ነበርቲ እታ ከተማ ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ክሰርሑን፡ ሰብ ኣብ ዝበዝሖ ከባቢ ካብ ምርኻብ ክቑጠቡን ኣተሓሳሲቡ'ዩ።

ስለምንታይ ቤተክርስቲያን ሺንቺኦንጂ?

ምእመናን እዛ ጉጅለ ክርስቲያን፡ ሓድ ሕዶም ከም ዝተለኻኸሙን ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ከም ዝተንቀሳቐሱን ይግለጽ።

በዚ ምኽንያት፡ ተርእዮ እቲ ሕማም ንምፍላጥ ኣጸጋሚ ክኸውን ገይሩ፣ ኣባላቱ ሓቢኡ ተባሂሉ ይንቀፍ።

ወሃቢ ቃል እታ ቤተክርስቲያን ኪም ሺን-ቻንግ ንቢቢሲ፡ ዝርዝር ስም ኣባላት እታ ቤተክርስቲያን፣ ተመሃሮን ህንጻን ንዝምልከቶም ኣካላት ሂብና ኢና ኢሉ።

"ንድሕነት ኣባላትና ክንብል፡ እዚ ሓበሬታ ክንዝርግሖ ሰጊእና ነይርና ኢና" ኢሉ ኪም።

ሚስተር ሊ፡ ካልኣይ የሱስ ከም ዝኾነን፡ ምስኡ 144 ሽሕ ሰባት ናብ ገነት ክወስድ ብመጽሓፍ ቅዱስ ቃል ከም ዝተኣተወሉን ይገልጽ።

ብደረጃ ዓለም በዚ ቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 3 ሽሕ ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ቻይና 42 ሰባት እንትሞቱ፡ ልዕሊ 90 ሚኢታዊት ሞት ኣብ ግዝኣት ሁበይ'ዩ ኣጋጢሙ።

ኣብ ኢራን ልዕሊ 50፣ ጥልያን ድማ ልዕሊ 30 ግዳያት እንትሞቱ፡ ኣብ ካልኦት 10 ሃገራት'ውን ሞት ከም ዘጋጠመ ይግለጽ።

ካብ ቻይና ወጻእ ዘሎ ዝርግሐ እዚ ቫይረስ እናዓበየ ዝመጽአ ኮይኑ፡ ክሳብ ሕጂ 90 ሽሕ ሰባት በዚ ሕማም ተጠቒዖም።

ብሰንበት ትካል ጥዕና ዓለም፡ ኮቪድ-19 ብቐንዱ ዕድሚኦም ልዕሊ 60 ዝኾኑ ሰባት የጥቅዕ ምህላው ገሊጹ።