ኮቪድ-19፡ ትዊተር ሰራሕተኛታቱ ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ክሰርሑ ኣፍቂዱ

መስራቲ ትዊተር ጃክ ዶርሰይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ,

መስራቲ ትዊተር ጃክ ዶርሰይ

ትዊተር፡ ሰራሕተኛታቱ ግዳያት ቫይረስ ኮቪድ-19 ንከይኮኑ ኣብ ገዛ ኮይኖም ክሰርሑ ምዒዱ።

እቲ ትካል ኣብ ሆንግ ኮንግ፣ ጃፓንን ሰቡብ ኮርያን ዝርከቡ ሰራሕተኛታቱ ግድን ከም ዝኾነ ብምግላጽ፡ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ንምግታእ ኣብ ራሕቒ ኮይኖም ክሰርሑ ይግባእ ኢሉ።

ኣብ መላእ ዓለም ዘለው 5 ሽሕ ሰራሕተኛታቱ እንተኾነ'ውን ናብ ስራሕ ከይመጽኡ፡ "ኣዝዩ ዝተባባዕ" ምኻኑ ሓቢሩ።

ትዊተር፡ ሰራሕተኛታቱ፡ ኣድለይቲ ናብ ዘይኮኑ ጉዕዞታትን መድረኻትን ከይጉዓዙ እውን ዝኸልኸለ ኮይኑ፡ ኣብዚ ወርሒ ኣብ ቴክሳስ ካብ ዝወሃብ ኮንፈረንስ ሚዲያ ከም ዘንሰሓበ ኣፍሊጡ።

ሓላፊት ሓይሊ ሰብ ትዊተር ጀኒፈር ክሪስቴ፡ "ዕላማና ብኮቪድ-19 እንጥቅዐሉን እነዛምተሉን ዕድል ንምንካይን እዩ" ኢላ።

ዋና ፈጻሚ ስራሕ ትዊተር ጃክ ዶርሰይ፡ ኣብ ራሕቒ ኮይንካ ስራሕ ምስራሕ ዝድግፍ ኮይኑ፡ ወርሒ ሕዳር 2019 ንሽዱሽተ ወርሒ ኣብ ኣፍሪቃ ክነብር ከም ዝደሊ ገሊጹ ነይሩ።

እዚ ስጉምቲ፡ ኣብ ኤዥያ ዝርከባ ብርክት ዝበላ ኩባኒያታት ግብራዊ ገይረንኦ እየን።

ካልኦት ገዘፍቲ ኩባኒያታት ፌስቡክን ጉግልን ድማ ኣብ ኣሜሪካ ዝነበረ ዋዕላ ንኻልእ እዋን ኣስጊሮምዎ ወይ'ውን ሰሪዘሞ'ዮም።

ከም ቴልኮም ኤኤንድቲ፣ ሲሰቲ ግሩፕ ድማ ዓለምለኻዊ ጉዕዞ ብፍላይ ድማ ናብ ኤዥያ ኸልኪሎም'ዮም።

እዞም ስጉምታት፡ ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ናይ ዝሞቱ ሰባት ቑጽሪ ልዕሊ 3 ሽሕ ከም ዝበጽሐ ምስተነግረ'ዮም ዝውሰዱ ዘለው።

እዚ ብኤዥያ ዝጀመረ ቫይረስ ኮቪድ-19፡ ናብ ኣሜሪካ፣ ኤውሮፓን ማእኸላይ ምብራቕን በጺሑ ኣሎ።

ኤዥያ

ብሰፊሑ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝላባዕ ዘሎ ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ሆንግ ኮንግ ከቢድ ጭንቀትን ጸገማት ጥዕና ኣእምሮን ይፈጥር ኣሎ።

ኣብ ሆንግ ኮንግ 100 ሰባት በዚ ቫይረስ እንክጥቅዑ ካልኦት ክልተ ሞይቶም። ግን ድማ ኣብ 2003 ዓ.ም ተራእዩ ብዝነበረ ቫይረስ ሳርስ 300 ሰባት ብምሟቶም፡ እዚ ተመሳሳሊ ክስተት ብዙሓት ሰባት ከም ዘጨነቐ ይግለጽ።

ዳህሳሳዊ መጽናዕቲ ዩኒቨርሲቲ ሆንግ ኮንግ ከም ዘመላኽቶ ሓደ ሲሶ ዓበይቲ ነበርቲ፡ ድሕሪ ሓደጋ ብዝመጽእ ስነኣእምሮኣዊ ጭንቀት [ፖስት ትሮማቲክ ዲስኦርደር]፡ ካልኦት 11 ሚኢታዊት ድማ ንቃዝኖት ተቓሊዖም።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዓሰርታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ነበርቲ ሆንግ ኮንግ፡ ካብ ገዝኦም እዮም ዝሰርሑ ዘለው።

ብተወሳኺ፡ ጽባሕን ድሕሪ ጽባሕን ኣብ ውሃን ዝርከቡ 533 ዜጋታታ ብምግዓዝ ን14 መዓልታት ንብሕቶም ከተቐምጦም'ያ።

ኮይኑ ግን ኣብ ሆንግ ኮንግ፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ከምኡ'ውን መናጽሂ ኢድ ካብ ዝስኣን ነዊሕ ገይሩ።

ፕሬዝደንት ደቡብ ኮርያ ሙን ጃይ-ኢን [ካብ የማን ኣብ ሳልሳይ ረድፊ ዝርአ]፡ ከምኡ'ውን ሚኒስትራቱ ገጾም ብመሸፈኒ ገጽ ተሸፊኖም ኣኼብኦም የካይዱ።

እቲ ቢጫ ጃኬት ድማ፡ ምልክት መንግስቲ ንህጹጽ ኩነታት ዝህቦ ምላሽ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Yonhap / AFP

መግለጺ ስእሊ,

ካቢኔ ደቡብ ኮርያ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ህጹጽ ኣኼባ ጸዊዑ

ሎሚ መዓልቲ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ቻይና ኣብ ዝሃቡዎ መግለጺ፡ ሓድሽ ረኽሲ ኮቪድ-19 ዘምጽኡ ዘለው ናብ ወጻእ ሃገራት በጺሖም ዝመጽኡ'ዮም ኢሎም።

ካብ ግዝኣት ሁበይ ወጻእ ሸውዓተ ሓደሽቲ ግዳያት እንትርከቡ፡ ናብ ጥልያን በጺሖም ብዝመጽኡ ቻይናውያን'ዩ ኢሎም።

ሸሞንቲኦም፡ ኣብ ጥልያን በዚ ቫይረስ ኣብ ዝተጠቕዐት ዞባ ሎምባርዲ ኣብ ዝርከብ ሓደ ሬስቶራንት ዝሰርሑ ምንባሮም ሓቢሮም።

ብኻልእ ወገን ሕቡራት ሃገራት፡ ን12 መዓልታት ክካየድ መደብ ሒዝሉ ዝነበረ ዓመታዊ ጉባኤ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ሓደ መዓልቲ ኣጉዲሉ።

መበል 64 ኣኼባ ደቂ ኣንስትዮ እቲ ሕብረት ካብ 9 መጋቢት 2020 ጀሚሩ ንተኸታተልቲ 12 መዓልታት ኣብ ኒውዮርክ ክካየድን 12 ሽሕ ልኡኻት ክሳተፍሉን ተሓሲቡ ነይሩ።

ኣፍሪቃ

ዳይሬክተር ትካል ጥዕና ዓለም ኣፍሪቃ፡ "ኣብ ውሽጢ ክልተ ሳምንታት" ኩለን ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ መርመራ ኮሮናቫይረስ ከካይዳ ዘኽእለን ዓቕሚ ክህልወን ተስፋ ከም እትገብር ገሊጻ።

ዶክተር ማቲሺዲሶ ሞቲ፡ 33 ሃገራት ኣፍሪቃ ኣድላዪ መሰረተ ልምዓት ከም ዘለወን ንቢቢሲ ተዛሪባ።

"ኣብ ዝቕጽሉ ክልተ ሳምንታት ግን ኩለን 47 ሃገራት፡ እዚ ቫይረስ ንምርማር ዘኽእለን ቐረብ ክህልወን ንጽበ" ኢላ።

ቅድሚ ሓደ ወርሒ፡ ፈተነ መርመራ እዚ ቫይረስ ክገብራ ዝኸኣላ ግን ደቡብ ኣፍሪቃን ሰኔጋልን ጥራሕ እየን።

እቲ ዝኸፍአ ነገር፡ ሰባት ንበይኖም ዝጸንሕሉን ዝሕከምሉን ቦታ ከይተዳለወ ኮቪድ-19 ናብ ከተማታት ኣፍሪቃ እንተተዛሚቱ ምዃኑ ዶክተር ማቲሺዲሶ ገሊጻ።

ሰኔጋልን ሓድሽ ረኽሲ እዚ ቫይረስ ከም ዝረኣየት ኣፍሊጣ። ናይጄሪያ ካልእ ኮሮናቫይረስ ዝተርኣየላ ኣፍሪቃዊት ሃገር እያ።

ቱኒዚያ፣ ስዑዲ ዓረብን ሞሮኮን እውን ብተመሳሳሊ ሓድሽ ረኽሲ ኮሮናቫይረስ ተራእዩወን ኣሎ።

ፕሬዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ትካላት መፍረ መድሓኒት ብቕልጡፍ ክታበት ከማዕብሉ ሓቲቱ።

ትካል ጥዕና ዓለም ብወገኑ፡ እዚ ቫይረስ "ፍሉይ" እዩ፤ እንተኾነ ምቁጽጻር ዝከኣል'ዩ ኢሉ።

ሰብ ሞያ ጥዕና ግን፡ ካብ 40-70 ሚኢታዊት ህዝቢ ዓለም ብኮሮናቫይረስ ክጥቃዕ ከም ዝኽእል የጠንቅቁ።