ጎንጺ ሊብያ፡ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊብያ ብፍቓዱ ካብ ሓላፍነት ወሪዱ

ጋሳን ሳሌም

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ,

ጋሳን ሳሌም ኣብታ ሃገር ሰላም ንምውራድ ዝገበሮ ጻዕሪ ከምዘይሰመረሉ ይገልጽ

ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊብያ፡ ኣብታ ሃገር ሰላም ንምውራድ ዝገብሮ ጻዕሪ ጥዕንኡ ይጎድኦ ብምህላዉ ካብ መዝነቱ ብድልየቱ ከምዝወረደ ኣፍሊጡ።

ጋሳን ሳሌም፡ "ነብሰይ ነቲ ዘሎ መጠን ጭንቀት ክጻወሮ ኣይክእልን" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

ኣብ መንጎ ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ መንግስቲ ሊብያን፡ ተቓወምቲ ሓይሊታት ጀነራል ከሊፋ ሃፍታርን ብተደጋጋሚ ዝተኻየደ ዝርርብ ሰላም ክሰምር ኣይከኣለን።

ኣብ 2011 ብኪዳን ሓይልታት ኣትላንቲክ ዝተደገፈ ህዝባዊ ተቓውሞ ንስርዓት ሙዓመር ጋዳፊ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምዕላዉ፡ ሊብያ ድልዱል መንግስቲ ክትምስርት ኣይከኣለትን ዘላ።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ ክልቲኦም ተጻባእቲ ሓይሊታት ክዘራረቡ ናብ ጀኔቫ ዓዲምዎም ነይሩ፡ እንተኾነ፡ እቶም ወከልቲ ንባዕሎም ካብቲ ዝርርብ ብምውጽኦም እቲ ልዝብ ከይሰመረ ተሪፉ እዩ።

"ሊብያውያን ንምውህሃድ፣ ምትእትታው ወጻኢ ከብቅዕን፤ ሓድነት እታ ሃገር ንምሕላውን ንክልተ ዓመትን ፈረቓን ጽዒረ እየ" ዝበለ ጋሳን ሳሌም፡ እዚ ዘሎ ኩነታት ግን ጥዕንዑ ነቲ ዘሎ ጭንቀት ክጻወር ስለዘይክእል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ ሓላፍነቱ ከልዕሎ ከምዝሓተተ ገሊጹ።

ልኡኽ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊብያን እቲ ኣብ ጀኔቫ ዝርከብ ቤት ጽሕፈትን ግን ንሕቶ እቲ ፍሉይ ልኡኽ መልሲ ኣይሃቦን ዘሎ።

ኩነታት እታ ሃገር ብምኽንያት ምትእትታው ናይ ወጻኢ ሓይሊታት እናተሓላለኸ ይኸይድ ኣሎ። ኣብ ቀረባ እዋናት፡ ቱርኪ ንመንግስቲ ሊብያ ንምሕጋዝ ወታሃደራታ ናብታ ሃገር ልኢኻ ኣላ።

ሓይሊታት ጀነራል ከሊፋ ሃፍታር ንዝሓለፉ 11 ኣዋርሕ ንዋና ከተማ እታ ሃገር ትሪፖሊ ከቢቦምዋ ዝርከቡ ኮይኖም፡ በቲ ጎንጺ ብኣማኢት ዝቕጸሩ ሰባት ከምዝተቐትሉን ብኣሻሓት ከምዝተሰደዱን ጽብጻባት ሕቡራት ይገልጽ።

ዝበዝሓ ክፋል ምብራቓዊ ሊብያ ተቖጻጺሮም ዘለዉ ብከሊፋ ሃፍታር ዝምርሑ ሓይሊታት፡ ብሃገራት ግብጺ፣ ሩስያ፣ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዝድገፉ እዮም።

ሃገራት ቱርክን ቐጠርን ድማ ነቲ መንግስቲ ይድግፋ።

እቲ ኩነታት፡ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተሬዝ፡ "ተቐባልነት ዘይብሉ ናይ ውክልና ኲናት" ክብል ዝገለጾ ኮይኑ፡ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ድማ ናብ ሊብያ ኣጽዋር ከይኣቱ ሓዲሽ ልኡኽ ሓይሊ ባሕርን ኣየርን ክጅምሩ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ተሰማሚዖም እዮም።