ኤርትራዊ መምህር ኣማረ ወልደስላሴ፡ 'ግእዝ ብዓቢይን ንኡስን ፊደላት ክጸሓፍ ይኽእል እዩ'

መምሀር ኣማረ ወልደስላሰ ኣብ ሆስፒታል

ምንጪ ስእሊ, AW

መግለጺ ስእሊ,

መምሀር ኣማረ ወልደስላሰ ኣብ ሆስፒታል

መብዛሕትና በቲ ኣብ ሓዳስ ኤርትራ ዘዳልውዋ 'ትግርኛን ተዛረብቱን' እትብል ዓምዲ፡ ካልኦት'ውን በታ 'የፐ ወዲ ኩርባ' እትብል ናይ መድረኽ ድራማን ንንባብ ዘብቅዕወን መጻሕፍቶምን ግጥምታቶምን ኣይንስሕቶምን።

ኣማረ ወልደስላሴ፡ መምህር፣ ደራሲ፣ ገጣሚ፣ ተመራማሪ ቋንቋን ጋዜጠኛን እዮም።

ቋንቋታት ትግርኛ፣ ኣምሓርኛ፣ ኦሮምኛ፣ እንግሊዝኛን ዓረብን ዝዛረቡ፡ መምህር ኣማረ ኣብ ኢትዮጵያ ምድሪ ኦሮሞ ተወሊዶም ኣብኡ'ዮም ዓብዮም። ኣብኡ ድማ ከም ተርጓሚ ኮይኖም ይሰርሑ ነበሩ።

እንተኾነ ግና፡ ምስ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት ህዝቢ ኤርትራ ምትእስሳር ኣለኩም ብዝብል ተኸሲሶም ንሸሞንተ ዓመታት ኣብ ኣለም በቃኝ ተኣሲሮም።

ኣብ ውሽጢ እቲ ቤት ማእሰርቲ'ውን እንተኾነ ግና ምስ ብጾቶም ብምዃን ቤት ትምህርቲ ከፊቶም፡ ንሽፋን ጋንታታት ናይ ኩዕሶ እግሪ ብምቛም'ውን ኣንጻር ስርዓት ደርግ ብዙሕ ስራሓት ሰሪሖም።

ብድሕሪ'ዚ ኣብ 1983 ካብ ማእሰርቲ ምስ ተፈትሑ፡ ብዙሕ ከይጸንሑ ቅድሚ ናጽነት እዮም ብቐጥታ ናብ ኤርትራ ኣምሪሖም።

ኣብ ኣስመራ መምህር ማእከላይ ደረጃ ኮይኖም እናሰርሑ ምሸታዊ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ናይ ማናጅመንት ትምህርቲ ክወስዱ ጀሚሮም።

በቲ ዘመዝገብዎ ነጥቢ ድማ ብነጻ ናይ ምምሃር ዕድል ረኺቦም ድሕሪ 4 ዓመት ብልዑል ነጥቢ ተመሪቖም ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ቀይሕ ባሕርን ኣስመራ ሓፈሻውን ምሂሮም።

ጎኒ ጎኒ እዚ፡ ኣብ ግጥሚ ድርሰትን ትርጉምን ዝነጥፉ ዝነበሩ መምህር ኣማረ ካብ 2001 ጀሚሮም ናብ ሚኒስትሪ ዜና ተቐዪሮም ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዓምዲ ተዋሂብዎም ኣብ ኣጸሓሕፋ ቋንቋ ትግርኛ ዘተኮረ ጽሑፋት ከቕርቡ ጸኒሖም ኣለው።

ኣብዚ እዋን መምህር ኣማረ ከቢድ ጥዕናዊ ጸገም ኣጋጢምዎም ኣብ ሕክምና ይመላለሱን ወጻኢታቱ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ኮይኑ ንምሕጋዞም ዝጽውዕ ናይ ምትሕግጋዝ ማዕከን ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ብዝርከቡ ኣባላት ሚኒስትሪ ዜና ነበር ይካየድ ኣሎ።

መምህር ኣማረ ክልቲአን ኩሊቶም ካብ ስራሕ ወጻኢ ብምዃነን ኣብ ሰሙን ክልተ ጊዜ ናብ ሆስፒታል ኦሮታ እናተመላለሱ፡ ናይ 'ደያሊሲስ' ኣገልግሎት ይወሃቦም።

እዚ ወርሓዊ 800 ዶላር ዝሓትት ሕክምናዊ ኣገልግሎት፡ ብዘይምቁራጽ ብቐጻሊ ክግበር ዘለዎ ብምዃኑ ድማ ዝሓቶ ወጻእን ሃልክን ቀሊል ኣይኮነን።

"እዚ ካብ ኮነ ተወሳኺ ጸቕጢ ከይፈጠረሎም፡ ከይከበዶም ከሎ፡ ነቶም ኣብቲ ዓውዲ ስነጥበብ ኣሎና ዝበሉና ሰብ፡ ብዙሕ ኣበርክቶ ኣሰሮም ዘንበሩ መምህርሲ ገለ ነገር ንሓግዝ ካብ ዝብል፡ በብቅሩብ በዚ ብወገንና ዝተዋጽአ ዲዩ፡ በብውልቂ ዝተሰድደ ድዩ፡ ነቲ ኣትየምዎ ዝጸንሑ ዕዳ ንምክፋል ኣበርክቶ ንምግባር" ከም ዝተበገሱ ሓደ ካብዞም ኣባላት ሚኒስትሪ ዜና ነበር ይገልጽ።

መምህር ኣማረ ወልደስላሴ ንኩነታት ጥዕንኦምን ኣበርክቶኦም ኣብ ስነጽሑፍ ትግርኛ ብዝምልከትን ኣዕሊሎምና ኣለው።

መምህር ኣማረን ስነጽሑፍ ትግርኛን

ኣብ ዓዲ ኦሮሞ ናይ ዝተወሰነ ኣከባቢ ተርጓሚ ኮይነ እሰርሕ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ሓደ ንትግርኛ ዘነኣእስ ዘረባ ሰሚዐ፤ ነዚ ነኺሰ እነብር ነይረ።

ኣብቲ እዋን ብዙሕ እጽሕፍ ኣይነበርኩን ናብ ኤርትራ መጺአ ቀስ እናበልኩ ምስ ርኣኽዎ ግና፡ ትግርኛ ኣዝዩ ዘገርም ቋንቋ እዩ። ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለም ዘለው ዘገርሙ ልሳናት ምዃኑ ተረዲአ።

ደሓር ኣብ ሓዳስ ኤርትራ ትግርኛን ተዛረብታን እትብል ዓምዲ ተዋሂባትኒ ንኣኣ እናሰራሕኩ፡ ንትግርኛ ዝጠቕሙ ክልሰ ሓሳባት እናማዕበልኩ እነብር ኣለኹ።

እቲ ቀንዲ ክልሰ ሓሳብ፡ 'ትግርኛ ኣማእዛኒ ቀመራት ኣለዎ' ዝብል ኮይኑ፤ ሓደ ካብኡ ትግርኛ ፍጹም ግጥማዊ ቋንቋ እዩ ዝብል እዩ። ነዚ ንምርኣይ ከኣ ኣነ ብዘረባ ግጥምታት እገጥም። ነዚ ክልሰ ሓሳበይ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ኣስተምህሮ ሂበሉ እየ።

ቅድሚ ሕጂ ጽሕፍቶን (Destiny) መሳግሮን (Transition) ዝበሃላ ክልተ ናይ ግጥሚ መጻሕፍቲ ኣዳልየ ኣለኹ። ስንብታ ትበሃል ከኣ ኣብ ምድላው ኣላ። ብዙሓት ሰባት ነታ 'ስንብታ' ትብል ቃል ኣይፈተውዋን ከምዚ ፋል ከይትኸውን ይብሉኒ ግና፡ 'ስንብታ ካብ ግጥሚ' ንምባል እየ።

ምንጪ ስእሊ, AW

ካብ ግጥሚ ናብ ሓጺር ዛንታን ካልእ ዕዮታተይን ክሰግር እየ ዝብል መልእኽቲ እዩ ዘለዋ። ምኽንያቱ ኣብ ኢደይ ናብ ሕትመት ዘይበጽሓ ብዙሓት ናይ ትርጉም ዕዮታት፡ ሓጸርቲ ዛንታታት፡ ከምኡውን ድራማታት ኣለዋ።

ካልእ የፕ ወዲ ኩርባን መዝገብ ኣርዮስን ዝበሃላ ኣብ ሓደ ዝተጠርነፋ መጻሕፍቲ'ውን ኣለዋ። ብሕጂ ግና ብዙሕ መጻሕፍቲ ክህሉ እዩ።

'እምነ ኩርናዕ ትግርኛ' ትብል ክልሰ ሓሳብ ካብ ዝሰርሓቶ ዕዮ ካልእ ክጥቀስ ዝኽእል፡ ግእዝ ከም ናይ እንግሊዝኛ ብዓበይትን ንኣሽቱን ፊደላት፡ capital and small letters ክጸሓፍ ይኸእል እዩ ዝብል አዩ።

ናይ ግእዝ ፊደል ብልጫ ዘለዎ ኮይኑ ረኺበዮ፤ ብእኡ መሰረት ካኣ ነዚ ንሰርሓሉ ዘሎና ዓቢይ ግእዝ ኢልናዮ። ንኡስ ግእዝ ከኣ ክስርሓሉ ከም ዝኽእል እቲ ክልሰ ሓሳብ ኣንፊቱኒ፡ ከምኡ ጌረ ሰሪሐዮ።

ሰለስተ መንእሰያት መሃንድሳት ኣዳልዮምዎ [ብሶፍትዌር] ሕጂ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋል ዓለምና ተዝርጊሑ ኣሎ።

ዓቢይ ግእዝ ንኡስ ግእዝ ንምንታይ ኣድለየ? እዚ ንጥቀመሉ ዘሎና እንታይ ሕጽረት ስለዘለዎ እዩ ከምኡ ኣድልዩ?

ዝኾነ ሕጽረት ስለዘለዎ ኣይኮነን ግና ንእኡ ምውሳኽ ሓጋዚ ስለዝኸውን እዩ። ክልቲኡ ጎኒ ንጎኒ ክኸይድ ይኽእል እዩ። እዚ ሓድሽ ግን ብፍላይ ንግጥሚ፡ ንምልክታ፡ ንስም ዝርዝር ዝኸውን እዩ። ክልቲኦም ነናቶም ብጽሒት ኣለዎም። እቲ ናይ ቀደም ግን ብሉጽ ስለዝኾነ ክዕቀብ እዩ።

ብተጠቀምቲ ዝረኸብኩምዎ ግብረመልሲ'ኸ እንታይ ይመስል?

ክሳብ ሕጂ ዝረከብዎ መልሲ ዘተባብዕ ኣዝዩ ጽቡቕ ዝብል እዩ። ንመጻኢ ብዙሕ ፋይዳ ዘለዎ ነገር ክኸውን እዩ።

ንመሰል ዋንነት ዝምልከት'ኸ እንታይ ዝተገብረ ኣሎ?

ንሱ ብሕጂ ንሰርሓሉ እዩ።

ኩነታት ጥዕናኹም ሕጂ እንታይ ይመስል?

ናይ ኩሊት ጸገም ካብ ዘጋጥመኒ ክልተ ዓመት ኮይኑ ኣሎ። ናይ ዳያሊስስ ተሓካማይ እየ። ኣብ ሰሙን ክልተ ጊዜ ካብ ሰለስተ ክሳብ ኣርባዕተ ሰዓታት ዝወስድ ሕክምና እገብር።

ብሓፈሽኡ እቲ ሕማም ብዙሕ ሕልኽላኻት እዩ ዝፈጥር። ክሳብ ንሓንጎል ጉድኣት የብጽሕ እዩ። ኣነ ዕድለኛ'የ። ሓንጎለይ ኣይተተንክፈን።

ኣብ ሕክምና ደቂሰ እንከለኹ፡ አንብብ እምህር። ከምኡ እናገበርኩ ከኣ ቁምነገር እገብር። ናይ ዳያሊሲስ እቲ ኣሸጋሪ ነገር ናብ ሕክምና ምምልላስ ስለዘሎ ናይ መጉዓዝያ ጉዳይ እዩ።

ብሩኻት ዝሕግዙኒ ሰባት ኣለው፡ ኣብቲ ክፍሊት ከኣ ኣብ ልዕሊ'ቲ ናይ መንግስቲ ሓገዝ፡ ብዙሓት ሰባት ሕቖ ዝኾኑኒ ኣለው። በዚ ኣጋጣሚ ከመስግኖም እደሊ።

ምንጪ ስእሊ, AW

ኩሊ ክልግሰልኩም ፍቓደኛ ዝኾነ ሰብ ነይሩ ግና ንስኹም ከም ዝኣበኹም'ውን ሰሚዐ፡ እንታይ እዩ እቲ ምኽንያት?

ኩሊት ክልግሱለይ ዝሓተቱኒ ብዙሓት'ዮም። ብፍላይ ድማ ኣብ ቀረባ መዓልታት ሓደ ሰብ ካብ ካናዳ ከምኡ ኢሉኒ። ብርግጽ እቶም ሓካይም ከም ዝከኣል ሓቢሮምኒ እዮም። ሓደጋ'ውን ክህልዎ ይኽእል እዩ።

ከምኡ ስለ ዝኾነ ኣነ ብዕድመ ዓቢይ እየ ሰብዓ ሰጊረያ ኣለኹ። ንሱ ግን ወዲ ኣርብዓ እዩ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብክዎ'ውን ወዲ 29 እዩ።

ስለዝኾነ፡ ንስኻትኩም ነዊሕ ዕድመ ኣለኹም፡ ስለምንታይ ኣብ ሓደጋ ትኣትው ኢለ ኣመስጊነዮም። እቲ ወፈይኦም ድማ በዚ ምኽንያት ኣይተቐብልክዎን።

መምህር ኣማረ ብዙሕ ዝምስጥ ዕላል ነይርዎም ግና ሕክምንኦም ወዲኦም ናብ ገዝኦም ምእንቲ ክወስድዎም፥ እቶም ብመጉዓዝያ ዝተሓባበርዎም ሰባት ይጽበይዎም ነይሮም። በዚ ድማ ተመሳጊንና ተፈላሊና።

ምስ መምህር ደጊምና ኣስፍሕ ኣቢልና ከም እነዕልል ተስፋ እገብር ንሎሚ ወድሓንኩም።