ገዳም ኣቡነ ሰላማ፡ ኣብ ውሽጢ ገንኢ ዘሎ መብራህቲ

ብግርማይ ገብሩ

ኣብ ተረኽ ዝርከብ ደብሪ ኣቡነ ሰላማ
መግለጺ ስእሊ,

ኣብ ተረኽ ዝርከብ ደብሪ ኣቡነ ሰላማ

ከም ሃገረይ እኳ ዘይሰባሕኹ፡ ቀጢን ከም ስልኪ፡መሪር ከም ትኪ ኢለ ዝፍክር፡ ሻቡ ግን ኣብራኸይ ረይረይ በለ። ሰተታ ክብዲ እግረይ ምስ መሬት ዓሪኹ፡ ጠንጠነለይ ኢሉ እንትልገም፡ ብቐጢን ትእዛዝ ኣስናነይ ተደፊኡ ይለዓል።

ጭሩቕሩቕ ዝብል ድምፂ ዓይኒ ማይ፡ ካብ ፀድፊ ተሃንዲዱ ዝድፋእ ጃሕጃሕታ፡ ማይ ማህሌት ኰይኑ መንፈሰይ ኣበራበሮ።

ድምፂ ቆቋሕን ዛግራን "ኣንታ ኣይዞኻ እንዶ" ዝብለኒ ዘሎ መሰለኒ። ነቲ ወሓላሉ ብቂሔ ፅልሚ ዝሰፈየኦ ዝመስል ደናጉል ዝተመልኦ መንገዲ ከድክም ሰደርኩ። ምልዖ ትመስል ጐርዞ መቐነታ ኣፅኒዓ መሪሓትኒ፤ ርጋፃ እናረአኹ ተሳሓግኩ። ፃዕዳ ረሃፅ፡ ብኽልተ መታልሕተይ ፈለግ ሰሪሑ ኣንቈልቈለ።

ኣብ መሬት ትግራይ፡ ካብ መቐለ ብዓዲግራት ኣቢሉ፡ ናብ ዓድዋ ኣብ ዝወስድ ፀለሎ ዝመስል ፅርግያ፡ ብዘት ምስ በፃሕኻ ናብ ደቡብ ምዕራብ ገፅ ትእለ።

ኣብ ጣብያ ስምረት ቁሸት ተረኽ ኣብ እግሪ ሃው ዝበለ ፀድፊ፡ ቋቑራ ዝተሓብአ ታሪኽ'ሎ። መገሻይ ኣብ ክረምቲ ስለዝነበረ፡ ሌቛን ሓንፈፅን ተፀምቢለ፡ ነቲ ከም ማዕበል ቃላይ ዝሃንን ሰርጌናይ ጣፍ እናመዓደኹ ሓዀርኩ።

መግለጺ ስእሊ,

ሊቀ ማእምራን ሃይለ ደስታን መልኣከ ሰላም ገብረስላሰ ኣስፍሃን

እቶም ኣብ ቅድመይ ዝተገተሩ ጫዓን ሰራውን "ኣንታ ኣጥዒሙልካ ድዩ ክሳብ ሎሚ እዚ ከባቢ ዘይትፈልጦ?" ኢሎም ዘባጭዉለይ ዘለዉ መሲሉ እውን ተዳመፀኒ፡ ጐታን ርእሰይ ደፊኤ መሰስ ናብ ሃገረ ታሪኽ። ሊቀ ማእምራን ሃይለ ደስታ ፃዕዳ ጭራ ነስ እናበሉ ተቐበሉኒ። መገሻ ናብ ጥንታዊ ገዳም እንዳ ኣቡነ ሰላማ።

ኣቡነ ሰላማ እንታዋይ እዮም?

ፍሬምናጦስ ካብ ኣቦኦም ምናጦስን ካብ ወላዲቶም ማርያም ሰናይትን ኣብ ሃገረ ግሪክ ተወሊዶም።

ድሕሪ ልደት የሱስ ክርስቶስ ብ335 ዓ.ም መሬት ኢትዮጵያ ረጊፆም፤ ትስኣቱ ቅዱሳን ቅድሚ ምምፀኦም 165 ዓመታት ቀዲሞም ኣትዮም። ብ345 ዓ.ም ድማ ናብ ተረኽ ደበኽ በሉ።

መግለጺ ስእሊ,

ኣብ ተረኽ ዝርከብ ደብሪ ኣቡነ ሰላማ

ኣባ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ብቀይሕ ባሕሪ ኣቢሎም ናብ ኢትዮጵያ ብምእታው ክርስትና ምጥማቕ ከምዝጀመሩ ይፍለጥ። ኣብ ኣኽሱም ፀኒሖም ናብ ከባቢ ብዘት ብምኻድ ኣብ ማይ ማሕገ ሰባት ኣጠሚቖም።

ሊቀ ማእምራን እዮም ዝዛረቡኒ ዘለዉ።

"ኣብ ኢትዮጵያ እምነት ነይሩ፤ ጥምቀትን ሃይማኖትን ግን ስለዘይነበረ፡ ኣባ ሰላማ ኣብ ግብፂ ቅብኣ ንግስነት ቤተ ክህነት ካብ ጳጳስ ኣቡነ ኣትናትዮስ ተቐቢሎም፡ ናብ ኢትዮጵያ ብምእታው ድማ ንህዝቢ ኣጠመቑ።

ቅድሚኡ ግና ካብ ግብፂ ብኣሻሓት ዝቑፀር ንዋይ ቅድሳን ሒዞም እንትመፅኡ ነገስታት ኣብርሃ ወኣፅብሃ ካብ ኣኽሱም ሰራዊቶም ሒዞም ናብ ኤርትራ ብምኻድ ተቐቢሎምዎም። ኣብ ደብረሲና ኣርብዓ መዓልትን ለይትን ኣጠሚቖም ድማ ናብ ኣኽሱም ኣተዉ። ብድሕሪኡ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ናብ ተረኽ ብምኻድ ኣብ ባዓቲ ኣገልግሎት እናሃቡ ንዓመታት ነቢሮም"

ከክንዲ ቁመትና ዝኸውን ሳዕሪ እናገላህና፡ ምስ ቈፅልን ዕንፀይትን እንተቓለስና ናብቲ በዓቲ ኣተና። ኣብ ተረኽ፡ ብመንጫዕጫዕታ ዝተዓጀበ፡ ኣቡነ ሰላማ ምስ ካልኦት መነንቲ ዝነብርሉ ዝነበሩ ኣብ ውሽጢ በዓቲ ቤተመቅደስ ኣሎ። ኣዕፅምቲ ቅዱሳንን ሓወልትን ይረአ።

መግለጺ ስእሊ,

ዝዓነወ ጥንታዊ ገዳም ኣባ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን

'ንሕሙማትን ስንኩላትን ከምዝፍውስ ዝእመነሉ' ማይጸሎት ክሳብ ሕዚ ኣገልግሎት ይህብ።

ክሳብ ቀረባ እዋን ሊቃውንቲ ኣብቲ በዓቲ ይቅድሱን ይቖዉምን ነይሮም። ኰይኑ ግና ማይ እናዝረቘ ንዋየ ቅዱሳን ስለዘበላሹ፡ ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ቤተ መቅደስ ምስቲ ናይ ማርያም ታቦት ካልእ ህንፃ ተሰሪሕሉ ካብ በዓቲ ቁሩብ ፈንተት ኢሉ ሰፊሩ'ሎ።

እቲ ኣባ ሰላማ ኣብ በዓቲ ዝሃነፅዎ ቤተመቅደስ፡ ባልህ በሃሊ ስኢኑ ስለዘይተፀገነ፡ እቲ ንዋየ ቅዱሳን ኣብ ዝባን እቲ በዓቲ ኣብ እትርከብ ክትወድቕ ዝበለት ዓምፃፅ መረባዕ ተዳጕኑ ይረአ፤ እቲ ቤተመቅደስ ድማ ዓለባ ሳሬት ተኸዲኑ ሰፈር ጣንጡ ኰይኑ'ሎ። ህዝቢ እቲ ከባቢ ምስጨነቖ ካልእ ደብሪ ሃኒፁ ነቲ ቤተመቕደሰ ቀይሩዎ።

ገዳም ኣቡነ ሰላማ፡ ኣብ ብራና ተወቂጡ ብዝሰፈረ ገድሎም ዝተመልአ እዩ። "ድርሳነ ማህያዊ፣ ኣርድእቲ፣ መጽሓፈ ሰዋስው፣ ክልተ ስንክሳር'ሎ፤ ኮታስ እንታይ እሞ ዘየለ። ግብረ ህማማት፣ ገድሊ ገብረ መንፈስ ቅዱስ፣ ኣቡነ ኣረጋዊ፣ ተክለሃይማኖት፣ ቅዱስ ጅወርግስ፣ ኪዳነምህረት፣ ክንደይ ኢና ክንብሎ፡ ጥንታዊ መሳቕል እዚ ብምልኡ'ሎ"

'ኣባ ሰላማ ሒዞምዋ ዝመፅኡ መስቀል ኣብ ቁሸት ተረኽ ተላባዲ ሕማም እንተኣትዩ፡ ህዝቢ ንዓ ከካብ ገዛኻ ውፃእ ተባሂሉ ኣብ ሓደ ግድሚ ይእከብ እሞ ዝተደገመ ማይ ይንፀግ፡ ፍቱን መድሓኒት ኰይኑ ሕማም ይጠፍእ፤ ህዝቢ ይፍወስ' ይብሉ እቶም መንፈሳዊ ኣቦ።

መግለጺ ስእሊ,

ጥንታዊ መስቀል ኣባ ሰላማ

"እንዳ ኣቡነ ሰላማ ገዳም እዩ ነይሩ፤ ዳሓር ምስተጐሳቘለ እቶም ፈለስቲን ኣገልገልቶምን ተበታቲኖም፤ ናብ ደብሪ ተቐይሩ። ሰብ ስለዝሰኣነ፣ መካይን ስለዘይኣትወኦ፣ ኣጋይሽ ስለዘይመፅኡ፣ ኣፍልጦ ስለዘይረኸበ፡ ኣብ ውሽጢ ገንኢ ዘሎ መብራህቲ ኰይኑ'ሎ።

ኣቡነ ሰላማ ካብ ተረኽ ናብ ሰብኣ ዳሞ፡ ስበኣ እምባስነይቲ እናኸዱ እዮም ህዝቢ ዘጠምቑ ነይሮም።" ይብሉ ሊቀ ማእምራን ሃይለ።

መጽሓፍትን መሳቕልን ተዓብዒቡ፡ እቲ ገዳም ቤተ መዘክር ስለዘይብሉ ኣጋይሽ ኣይርእይዎን፤ የግዳስ ኣብ ሓንቲ ኣጉዶ ተዳጕኑ ይርከብ። ጥንታዊ ከበሮን ነጋሪትን ጠቐርን ዶሮናን ፀጊቡ ይረአ።

ጥንታዊ ገዳም ምዃኑ እናተኣመነሉ፡ ካልእስ ይትረፍ ኣባ ሰላማ ስሞም እምበር ገዳሞም ኣበይ ከምዝነበረ ብዙሕ ሰብ ኣይፈልጥን።

ቀሺ ገበዝ ኣባ ሰላማ፡ መልኣከ ሰላም ገብረስላሰ ኣስፍሃ፡ "ካብ ካህናት ወፃኢ ካልእ ክርእዮ ዘይፍቀድ ባዕሎም ኣባ ሰላማ ካብ ግሪክ ዘምፅእዎ ታቦት፣ ካብ እምነ በረድ ዝተቐረፀ ቀዋሚ መስቀል፣ ገዳም ምዃኑ ዝሕብር መድገምያ ባሕታውያን፣ ፃህለ ፅዋእ፣ እርፈ ፅዋእ፣ ካብ ብሪ፣ ነሃስን መዳብን ዝተሰርሑ መሳቕል ኣለዉ። ዝኣረጉ መጽሓፍቲ እውን ኣእማደ ምስጢር፣ ዝማሬ መዋስእቲ፣ ኣርባዕተ ወንጌል ካልኦት ብጣዕሚ ብዙሓት ሓድግታት ኣለዉ" ኢሎም።

እቲ ደብሪ ዋሕዲ ኣገልገልቲ ስለዘጓነፎ ምሒር የቋጭጮም። ጠመተ ስለዘይረኸበ ኣገልገልቲ እውን ራሕሪሖምዎ ከይዶም። ቁልጭ ዘዘበሉ ዲያቆናት ናብ ከተማታት እናወሓዙ፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ክልተ ዲያቆናት ጥራይ እዮም ዘለዉ።

ኣብቲ ደብሪ ዘገልግሉ ካህናት እውን ብድኽነት ዝተዳህኹን ቁፅሮም እውን ተመናሚኑ ውሑዳት ከምዝተረፉን መልኣከ ሰላም ገብረስላሰ ይዛረቡ።

ሊቀ ማእምራን ሃይለ፡ ካብቲ ገዳም ብውሽጣ ውሽጢ ናብ ቅታ እንዳሚካኤልን ናብ እንዳ ኣብርሃ ወኣፅብሃ ዝወስድ መንገዲ ትሕቲ ምድሪ ከምዘሎ ይኣምኑ። ቀደም ኣገልገልቲ ይመላለስሉ ከምዝነበሩ ኣብ መጽሓፍቲ ሰፊሩ'ሎ ይብሉ። እንተ ሎሚ እትው ኢሉ ዝፍትን እምበር ደፊሩ ዝኸይድ የለን።

እቲ ካብ ከውሒ ተነዲሉን ተፋሒሩን ዝተሃነፀ ገዳም ኣብዚ ግዜ እዚ ሰብ ንምእታው ዘይደፍሮ ዝዓነወ ጉህሚ መሲሉ ይረአ። መልግብ ፈለስቲ ብውሕጅ ተጓሕጕሑ ኣዕፅምቲ ኣብ ልዕሊ መሬት ተዀሚሩ'ሎ። ካብ ሓደ ናብቲ ካልእ ዘናጥር መሳገሪ ኣእዋሙ ቦኽቢዅ ክርገፅ ዘይኽእል ሓንቲ ዓርቢ ዝተረፈቶ ሓድጊ ኰይኑ ኣሎ።

ኣብ መቐለ ኣብ ፍሬምናጦስ ኣቡነ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ዝበሃል መንፈሳዊ ኮሌጅ'ሎ፤ ቤት ትምህርቲ ከሳቴ ብርሃን እውን ይርከብ። እቲ ቤት ትምህርቲ ብዙሓት ምሁራን ኣፍርዩ፤ እቲ ኮሌጅ እውን ብርክት ዝበሉ ሊቃውንቲ የመርቕ'ሎ።

ብኻልእ ገፅ ኣብ ፍሬምናጦስ ማእኸል መሐብሐቢ ኣረጋውያን፣ ህፃውንትን ሕሙማት ኣእምሮን እውን ኣብ መቐለ ተኸፊቱ ኣገልግሎት ይህብ ኣሎ።

እዞም ብኣቡነ ሰላማ ዝተኸፈቱን ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ዝርከቡን ትካላት ብናይ እማን ንዝኽሪ ኣቡነ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ስለዝቖሙ ክነኣድን ክብሪ ክወሃቦ ዝግባእን ተግባር እዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንተሎ ግና፡ ታሪኽ ኣባ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ዘዘንትዉ መጽሓፍቲ ስሩዕ መደርደሪ ሓሪምዎም ተፀቓቒጦም ይበላሸዉ ኣለዉ፤ ኣባ ሰላማ መን እዮም? ካበይ መፂኦም? ስለምንታይ? እንታይ ገድልታት ፈፂሞም? ክፍለጥ፣ መፅናዕትን ምርምርን ክካየደሎም ይግባእ ነይሩ።

መንግስቲ ኣብዘለዎ ጠላዕ ግዜ፡ ኣብ ምዕቃብ ሓድግታት ንኽሰርሕ ኣብ ዝተጣየሸ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ኣብ ዘለዋ ዓዲ፡ ገደም ኣባ ሰላማ ናብ ደብሪ ተቐይሩ፡ እሞ ድማ ኣጋይሽ ዘይርእይዎ ሎሚ እውን ኣብ ፀምፀም ዱሩን ኣብ ቋቑራን ተሸጕጡ'ሎ።

ህልውና እቲ ደብሪ እውን ኣብ እንግዳዓ ነበርቲ ቁሸት ተረኽ ወዲቑ'ሎ።