ኮሮና-ቫይረስ፡ ዕለታዊ ምዕባለታት ኮሮና-ቫይረስ እንታይ ይመስል

ሓካይም ኢራን ንግዳይ ለበዳ ኮቪድ-19 እናኣለዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ,

ኣብ ኢራን 23 ኣባላት ፓርላማ በቲ ለበዳ ተለኺፎም ኣለዉ

እቲ ዳርጋ ኣብ መላእ ዓለም ተላቢዑ ዝርከብ ለበዳ ኮሮና-ቫይረስ (ኮቪድ-19) ካብታ ምንጪ ናይቲ ቫይረስ ዝኾነት ቻይና ወጻኢ ብብዝሒ ይላባዕ ከም ዘሎ ጸብጻባት ይገልጹ'ለዉ።

ዛጊት ኣብ 70 ሃገራት ኣስታት 90 000 ሰባት በቲ ቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ፡ ቁጽሪ ምውታት ልዕሊ 3000 በጺሑ ይርከብ።

ቀንዲ ግዳያት ናይቲ ቫይረስ፡ ከም ልዕሊ ዕድመን ሕሙማንን ዝበሉ ተነቀፍቲ ሰባት ምዃኖም ክሳብ ሕጂ ዝተረኽበ መጽናዕትታት የረድእ።

ኣብ ዕለተ ሰኑይ 03 መጋቢት ካብ ዝተራእዩ ቀንዲ ምዕባለታት

  • ብሪጣንያ፡ ቁጽሪ ዝተለኽፉ 51 በጺሑ'ሎ። እቲ ለበዳ ካብ ምቁጽጻር ወጻኢ ክኸይድ ከም ዝኽእል ሚኒስተር ጥዕና ተዛሪቡ። ኣብ ዝቕጽል ሳምንታት ቁጽሪ ዝተለኽፉ ኣብታ ሃገር ክውስኽ ከም ዝኽእል ብምጥቃስ፡ ነቲ ለበዳ ንምግታእ እታ ሃገር እኹል ምድላዋት ጌራ ከም ዘላ ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ገሊጹ። እቲ ለበዳ ናብ ዝለዓለ ደረጃኡ እንተበጺሑ ግን፡ ሓደ-ሕምሲት (1/5) ካብ ሰራሕተኛት በቲ ሕማም ካብ ስራሕ ክእለዩ ከም ዝኽእሉ ተገሚቱ'ሎ።
  • ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያ፡ ፍራንሲስ፡ ሕማም ሰዓል ሒሚሙ መርመራ ድሕሪ ምግባር ካብቲ ቫይረስ ናጻ ኮይኑ ከም ዝጸንሐ ማዕከናት ዜና ኢጣልያ ሓቢረን። ንሱ፡ ብሰንኪ ምሕማሙ ወግዓዊ ኣገልግሎት ካብ ምሃብ ተቖጢቡ ይርከብ።
  • ኢራን፡ ቁጽሪ ናይቶም በቲ ቫይረስ ዝተቐትሉ ሰባት 77 በጺሑ። ልዕሊ 2300 ድማ ተለኺፎም፡ ካብዚኣቶም 23 ኣባላት ፓርላማ ይርከብዎም። እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ መንግስቲ ካብቲ ቫይረስ ናጻ ዝኾኑ 54 000 እሱራት ብግዝያውነት ፈቲሑ'ሎ።
  • ጃፓን፡ ሚኒስተር ኦሊምፒክ እቲ ኣብ 2020 ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ውድድራት ኦሊምፒክ ንኻልእ ግዜ ክሰጋገር ከም ዝኽእል ተዛሪቡ።
  • ቻይና፡ እቲ ቫይረስ ናብታ ሃገር ተመሊሱ ከይላባዕ ብምስጋእ ካብተን ዝተጸልዋ ሃገራት ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ወጻእተኛታት ይኹኑ ዜጋታት ንክልተ ሳምንታት ክውሸቡ ወሲና። እቲ ለበዳ ኣብ ቻይና እናጎደለ ይመጽእ ከም ዘሎ ተፈሊጡ። ገለ ዞባታት እታ ሃገር'ውን፡ ካብ ደገ ሰብ ከይኣትወን ክኽልክላ ጀሚረን ኣለዋ።
  • ኢጣልያ፡ ቁጽሪ ዝተለኽፉ እናጎደለ ይመጽእ ኣሎ ተባሂሉ። ብሰንበት፡ ቁጽሪ ናይቶም በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ብናህሪ ድሕሪ ምውሳኹ ኣብታ ሃገርን፡ ኣውሮጳን ከቢድ ስግኣት ፈጢሩ ቀንዩ'ሎ። ክሳብ ሕጂ፡ ቁጽሪ ምውታት 52፡ ዝተለኽፉ ድማ 1835 በጺሑ'ሎ።
  • ፈረንሳ፡ ልዕሊ 120 ኣብያተ-ትምህርቲ ተዓጽየን ኣለዋ። ዛጊት 191 በቲ ቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ፡ ሰለስተ ሞይቶም ኣለዉ።
  • ደቡብ ኮርያ፡ ኣንጻር እቲ ለበዳ ኲነተ-ኲናት ኣዊጁ ከም ዘሎ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኣፍሊጡ። ክልተ-ኣባላት ናይታ ኣብታ ሃገር ምንጪ ናይቲ ለበዳ ዝኾነት ቤተክርስትያን ኣብታ ቀንዲ ምንጪ ዝኾነት ቻይናዊት ከተማ ዉሃን በጺሖም ከም ዝነበሩ ሰብመዚ ተዛሪቦም።
  • ዩክሬን፡ ሎሚ ሰሉስ ንፈለማ ግዜ ዝተለኽፉ ሰባት ተረኺቦም ኣለዉ። ትማሊ ሰኑይ፡ ኣብ ፖርቱጋል፡ ኣይስላንድ፡ ዮርዳኖስ፡ ቱኒዝያ፡ ኣርመንያ፡ ላቲቭያ፡ ሰኔጋል፡ ሞሮኮን ኣንዶራን ንፈለማ እዋን ዝተለክፉ ተረኺቦም ነይሮም።

ሃገራት ዓለም ነቲ ለበዳ ቫይረስ ንምግታእ ኣድላዪ ዝበለኦ ውሳኔታትን ስጉምትታትን ይወስደ ከም ዘለዋ ይገልጻ ኣለዋ።

ቁጠባ ዓለም፡ ብፍላይ ዕዳጋታት ብሰንኪ እቲ ስግኣት የንቆልቁሉ ኣለዉ። እቲ ኩነታት ካብዚ ዘለዎ እናኸፍአ እንተኸይዱ፡ ከቢድ ቁጠባውን ፋይናንሳውን ቅልውላዉ ከስዕብ ከም ዝኽእል ተገሚቱ'ሎ። ነዚ ሳዕቤን ንምቅላል፡ ከም ብዓል ናይ ኣመሪካ ዝበላ ማእከላይ ብንክታት መጠን ወለድ ከጉድላ ጀሚረን ኣለዋ።

ድሮ መጓዓዝያን፡ ቱሪዝምን ብሰንኪ'ቲ ለበዳ ክህሰ ጀሚሩ'ሎ።

እቲ ለበዳ፡ ንውድድራት ስፖርትን፡ ካልኦት ኣጋጣሚታትን ጽምብላትን'ውን ከተኣጉጉል ጀሚሩ። ድሮ ሓያሎ ግጥማትን ንጥፈታትን ተሰሪዞም ኣለዉ።

ክትገብርዎ ዝግባኣኩም ናይ ምክልኻል ሜላታት

ውድብ ጥዕና ዓለም ካብ ዝህቦም ምኽርታት እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም፡

  • ኣእዳውኩም ተሓጸቡ- ሳሙናን ናይ ኢድ መሕጸቢ 'ጀል'ን ንቫይረስ ክቐትል ይኽእል'ዩ
  • ክትስዑሉ ከለኹም ኣፍኩምን ኣፍንጫኹምን ተሸፈኑ- እንተ ተኻኢሉ ብ'ቲሹ' (ሶፍት)- ድሕሪኡ ድማ ነቲ ቫይረስ ንኸይላባዕ ኣእዳውኩም ተሓጸቡ።
  • ዓይንኹም፡ ኣፍንጫኹምን ኣፍኩም ኣይትሓዙ- በቲ ቫይረስ ዝተለኽፈ ነገራት ምስ እትሕዙ ናብ ኣካላትኩም ክሰግር ስለዝኽእል
  • ናብ ዝስዕሉ ይኹን ዝህንጥሱ ወይ ድማ ረስኒ ዘለዎም ሰባት ኣይትጸግዑ- እቲ ቫይረስ ከናጥርዎ ስለዝኽእሉ- እንተ ተኻኢሉ ሓደ ሜትሮ ካብኦም ክትርሕቁ ይምረጽ
  • ናይ ኢድ ሰላምታ፡ ህንዲ፡ ነቲ ለበዳ ንምግታእ ህንዳውያን ዝጥቀምሉ ናይ ማዕዶ ሰላምታ ('ናምስተይ') ምጥቃም ዝበለጸ'ዩ ክትብል ትምዕድ ኣላ
  • ናይ እግሪ ሰላምታ፡ ገለ ሰባት'ውን ኣብ ክንዲ ብኢድ ብእግሪ ሰላምታ ምልውዋጥ ጀሚሮም ኣለዉ።
  • ገለ ካብቶም ምልክታት እንተ ኣርኢኹም፡ ኣብ ዘለኹሞ ንሰብመዚ ጥዕና ሓብሩ፡ ርእስኹም ገልሉ።