ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኣንጻር ኮሮናቫይረስ ዝግበር ዓለማዊ ቃልሲ ዝመርሕ ዘሎ ኢትዮጵያዊ

ውሁድ ምስሊ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ,

ከም ሓላፊ ትካል ጥዕና ዓለም፡ ቴድሮስ ኣድሓኖም ሓድሕድ ኣብ ዓለም ዘሎ በዚ ቫይረስ ዝተሻቐለ ሰብ ሓደ ነገር ከምጽእ ይጽበዮ።

ኣብዚ ናይ ኮሮናቫይረስ እዋን፡ ንትካል ጥዕና ዓለም ምምራሕ ክንደየናይ ከቢድ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ።

ኣዒንቲ መላእ ዓለም፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ እተውጽአን ቃላት ክኾና ከለዋ፣ ዘለው ምዕባለታት ከተብርህ መዓልታዊ ናብ ሚድያ ክትቐርብ፤ እሞ ድማ ለበዳ እቲ ሕማም እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ እቲ ጸቕጢ ከቢድ እዩ።

ኣብ 70 ሃገራት በጺሑ ዘሎ ኮሮናቫይረስ [ኮቪድ-19] ዘብጽሖ ዘሎ ሳዕቤን ከመይ ክምክቶ ይኽእል ኢልካ ምሕሳብከ፤ ቀሊል ኣይኮነን።

ነዚ ኹሉ ጸቕጥታት ጸይሩ ዝኸይድ ዘሎ፡ ፈላማይ ኣፍሪቃዊ ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓላም፡ ኢትዮጵያዊ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም እዩ።

ንሱ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመትን መንፈቕን ነቲ ትካል ከም ዘመሓይሾን በብዓመቱ ብሚሊዮን ዝቑጸሩ ሰባት ዝቐዝፉ ዘለው ሕማማት ዓሶ፣ ንፍዮ፣ ነድሪ ሳምቡእ ህጻናት ወይ ኤችኣይቪ ኤድስ ከም ዝቃለስን ቃል ኣትዩ ነይሩ።

ትካል ጥዕና ዓለም፡ እዞም ሕማማት ንምክልኻልን ሳዕቤኖም ንምንካይን ኣጽዒቑ ይሰርሕ ኣሎ።

እንተኾነ፡ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ፈለማ ኣብ ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ብዝተኸሰተ ቫይረስ ኢቦላ ተወጢሩ፤ ሕጂ ድማ ብኮቪድ-19።

ክልቲኦም ጉዳያት ጥዕና ሃንደበታዊ ሓደጋታት ጥዕና ህዝቢ ዓለም ምኻኖም ተኣዊጁ'ዩ።

'ምዕሩግን ምቕሉልን'

እዚ ማለት፡ 24 ሰዓት ምቁጽጻር፣ ሰብ ሞያ ጥዕና ምውፋር፣ ናውቲ ሕክምናን መድሓኒትን ምቕራብ፣ መዓልታዊ እዞም ሕማማት ምስ ዝተርኣዩወን ሃገራት ምዝታይ፣ ከመይ ከም ዝምክትኦ ኣንፈት ምሃብ ከምኡ'ውን ነዚ ቀጥታዊ ምላሽ ዝጽበ ጭኑቕ ዓለም ርጡብ ሓበሬታ ምሃብን ትጽቢት ይግበር።

ንወዲ 55 ዓመት ቴድሮስ ዝፈልጥዎ ሰባት፡ "ምዕሩግ" ከምኡ'ውን "ምቕሉል" እናበሉ ይገልጽዎ።።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ,

ብ2017 ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ፈላማይ ዳይሬክተር ጀነራል ትካል ጥዕና ዓለም ኮይኑ ተመሪጹ

ዳይሬክተር ጀነራል ትካል ጥዕና ዓለም ምስ ኮነ ንመጀመርታ እዋን ጋዜጣዊ መግለጺ እንትህብ፡ ኣብ ጀኔቫ ዝነበሩ ጋዜጠኛታት ብባህሪኡ ቁሩብ ግር ዝበሎም ይመስሉ ነይሮም።

እናስሓቐ ምእታዉ፣ ብጣዕሚ ብዝተዛነየ መልክዑ ኮፍ ምባሉን፡ ዘረባ ምስ ጀመረ ገለ ሻብ ድማ ድምጹ ዘይስማዕ ምንባሩ እዩ ኣገሪሙሎም።

እዚ ቅድሚኡ ካብ ዝነበረት ማርጋሬት ቻን ዝተፈለየ ባህሪ እዩ።

ሓላፊ ትካል ጥዕና ዓለም ቅድሚ ምዃኑ፡ ሚኒስተር ጥዕናን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻእን ኮይኑ ኣብ ኢትዮጵያ ኣገልጊሉ'ዩ።

'ሓወይ ዝሞተ ብንፍዮ ክኸውን ይኽእል'

ብ1965 ዓ.ም ኣብ ኣስመራ ዝተወልደ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኣብ ትግራይ'ዩ ዓብዩ።

ደራኺ ብሉጻት ስራሕቱ ዝኾነ ተጓንፎ ሞት ንኡሽቶ ሓው'ዩ፤ ኣብቲ እዋን ቆልዓ ኣርባዕተ ዓመት ነይሩ።

ተምሃራይ ምስ ኮነ፡ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ሓው ብምኽንያት ንፍዮ ከም ዝሞተ ፈሊጡ።

በዚ ሕማም ዘጋጥም ሞት፡ "ኣይተቐበልኩዎን፤ ሕጂ'ውን ኣይቕበሎን" ከም ዝበለ መጽሄት ታይም ጽሒፉ ነይሩ።

ብተወሳኺ ቖልዓ፡ እኹል ቀረብ ኣብ ዘይብሉ ቦታ ስለ ዝተወልደ ጥራሕ፡ ክትከላኸሎ ብእትኽእል ሕማም ክመውት የብሉን ኢሉ ይኣምን።

"ኩሎም መገዲታት፡ ዓለማዊ ሽፋን ጥዕና ናብ ምርግጋጽ ክመርሑና ይግባእ። እዚ ክሳብ ዘዐውት ድማ ኣየዕርፍን" ክብል ቅድሚ ምምራጹ ንጉባኤ ትካል ጥዕና ዓለም ተዛሪቡ ነይሩ።

ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ውልቀመላኺ ስርዓት ደርግ ንምድምሳስ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ናይ ዝመርሐ ውድብ ህወሓት ኣባል ነይሩ።

ካብ 2005 ሚኒስትር መንግስቲ ፌደራል ምስ ኮነ፡ ካብ ካልኦት ኣመራርሓን ኣባላትን እቲ ሰልፊ ብዝተፈለየ ዚያዳ ምቕሉልን ተመሓዛይን ንሱ ነይሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ቀረብ ትካል ጥዕና ብምምሕያሹ ናእዳ ኣትሪፍሉ'ዩ።

ኣብቲ እዋን ግን፡ ኣብታ ሃገር ሽሮኽ [ኮሌራ] እንተጋጥም ጋዜጠኛታት ከይጽብጽቡዎ ይገብር ነይሩ ተባሂሉ ይንቀፍ።

'ኣብ ክንዲ ንቻይና ምንቃፍ'

ትካል ጥዕና ዓለም ንምምራሕ ኣብ ዝተኻየደ ጎስጓስ መረጻ፡ ደገፍቲ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ እቲ ጋዜጠኛታት ብዛዕባ ሽሮኽ ከይጽብጽብ ይገብር ነይሩ ዝበሃል ክሲ ነጺጎምዎ እዮም።

መሪሕነት ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ብዝምልከት ክለዓል ከሎ፤ "መእመናይ" ከምኡ'ውን "ፖለቲካዊ" ባህሪ ኣለዎ እናተባህለ'ውን ይግለጽ።

ዓለምለኻዊ ቅልውላዋት ጥዕና ንምቅላስ፡ ሓበራዊ ስራሕ 194 ኣባል ሃገራት ኣገዳሲ ከምዝኾነ እዩ ዝኣምን።

ኣብ ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንግ ኢቦላ ምስ ተኸሰተ፡ ብተደጋጋሚ ናብታ ሃገር ተጓዒዙ'ዩ። ነቲ ኩነታት ንምዕዛብ ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ምስ ኣመራርሓ መንግስቲ እታ ሃገር ንምዝታይ'ውን እዩ።

ክስተት ኮሮናቫይረስ ምስ ተሰምዐ ድማ ናብ ቤጂንግ ንምኻድ ግዜ ኣይወሰደሉን።

"ናቱ ስትራቴጂ፡ ንመንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ክንዲ ምንቃፍ ቻይና ናብ ግልጽነትን ዓለምለኻዊ ምትሕብባርን ንክትመጽእ ምእማን'ዩ" ይብል ኣብ ጆርጅታውን ዩንቨርሲቲ፡ ሕጊ ዓለማዊ ጥዕና ዝምህር ፕሮፌሰር ላውረንስ ጎስቲን።

እዚ ግን ፍረ ኣፍርዩ ድዩ?

ገለ ተዓዘብቲ፡ ቻይና ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ንምዕጋት ትወስዶ ብዘላ ስጉምቲ ምንኣዱ ኣይተውሓጠሎምን።

ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ናብ ቤጂንግ ምስ ተጉዓዘ፡ ቻይና "ኣብ ምቁጽጻር ለበዳ ሓድሽ ኣሰራርሓ ኣተኣታትያ" ኢሉ ነይሩ።

ድሕሪ ሒደት መዓልታት ድማ፡ ቻይና እትወስዶ ዘላ ስጉምቲ "ዓለም ንምድላው ግዘ ክትረክብ ገይሩ እዩ" ክብል ኣብ ኮንፈረንስ ሙኒክ ንመራሕቲ ዓለም ተዛሪቡ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ,

ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ናብ ቻይና ከይዱ

ኣብ ፈለማ እዚ ሕማም ከም ዝተኸሰተ ሓበሬታ ንዝሃቡ ሰብ ሞያ ጥዕና ንዝኣሰረት ቻይና ከምዚኦም ዝበሉ ርኢይቶታት ምሃብ ንተዓዛቢ ቀሊል ኣይኮነን።

ካልእ፡ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኮሮናቫይረስ ዓለማዊ ሓደጋ ምዃኑ ንምእዋጅ ግዘ ብምውሳዱ ይንቀፍ።

ፕሮፌሰር ጎስቲን፡ "ኮሮናቫይረስ ዓለማዊ ሓደጋ ምዃኑ ክእወጅ ካብ ሞንጎ ዝሓተቱ'የ። ከምኡ ምስ በልኩ'ውን እንተኾነ፡ ቁሩብ'ዩ ዘንጊዑ፤ እዚ ድማ ኣብ ዑደት ኮቪድ-19 ጽልዋ ዘሕደረ ኣይመስለንን" ኢሉ።

"ብዙሕ ኣይጭነቕን፤ ግን ድማ እቲ ንቻይና ዝሃቦ ናእዳ ኣብ ነዊሕ እዋን ክብሪ እቲ ሓቂ ክዛረብ ዝግብኦ ሳይንሳዊ ትካል ጥዕና ዓለም ከህስሶ ይኽእል'ዩ"።

መለኽቲን ግልጽነት ዘይብሎምን ስርዓታት ኣብ ምቁጽጻር ለበዳ ምስ ትካል ጥዕና ዓለም ሓቢሮም ክሰርሑ መታን፡ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብፖለቲካዊ መገዲ ጻዕርታት ይገብር እዩ።

እዚ ጻዕርታቱ ብዓይኒ ምዕራባውያን መንግስታት ብጽቡቕ'ዶ ይረኣየሉ ዝብል ሕቶ ኣሎ።

ሓላፊ ትካል ጥዕና ዓለም ኮይኑ ምስ ተሾመ፡ ንፕሬዝደንት ዙምባብወ ሮበርት ሙጋበ "ምዕባይ ሽፋን ሃገራዊ ጥዕናን ምምሕያሽ ኣገልግሎት ጥዕናን ቀንዲ ፖሊሲኡ ስለዝገበረ" ብዝብል ኣምባሳደር ሰናይ ፍቓድ እቲ ትካል ክኸውን ሓጽየዮ ኣለኹ ክብል ሓሳብ ኣቕሪቡ ነይሩ።

መሪሕነት ሙጋበ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ጉድኣት ዘብጽሐ'ዩ ዝብል ሰፊሕ ተቓውሞ ካብ መንግስታት ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ ዓለምለኻዊ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ክበጽሖ ምስ ጀመረ ግን፡ ዶክተር ቴድሮስ እቲ ዘቕረቦ ሓሳብ ክተርፍ ተገዲዱ።

እዚ ሓድሽ ቫይረስ፡ ዶክተር ቴድሮስ ንዝህቦም ዘለው ውሳኔታት ሕቶታት ከየልዓለሉ ዓዲ ኣይወዓለን።

ገሊኦም ለበዳ'ዩ ኢሉ ክእውጅ ይደልዩዎ፤ ካልኦት ድማ [ነባራት ሓለፍቲ ስራሕቲ ትካል ጥዕና ዓለም ሓዊሱ] ለበዳ'ዩ ኢልካ ምእዋጅ እዚ ሕማም ንምቁጽጻር እቲ ትካል ኣብ ዝኽተሎ ስትራቴጂ ዘምጽኦ ለውጢ የለን ይብሉ።

ተመራመርቲ ስነ ቫይረስን ኤፒዴሞሎጅን ድማ ኣለው፤ ገሊኦም፡ ትካል ጥዕና ዓለም ሃገራት "ዘየላጢ፣ ብርቱዕ" ስጉምቲ ክወስዳ ዝህቦ ማዕዳ ድኹም'ዩ እንትብሉ፤ ገሊኦም ድማ ካብ ዝግበኦ ንላዕሊ እዩ ዘጋንኖ ዘሎ ይብሉ።።

ዶክተር ማርጋሬት ቻን፡ ኣብ 2010 ዝተከሰተ ጉንፋዕ [ኢንፍሉዌንዛ] ለበዳ'ዩ ኢላ ብምእዋጅ፡ ሃገራት መላይን መድሓኒት ኣብ ምዕዳግ ከጥፍኣ ብዝሃበቶ ማዕዳ ተነቒፋ'ያ።

ድሕሪኡ፡ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ንዝተኸሰተ ምኽንያት ሞት 11 ሽሕ ሰባት ዝኾነ ኢቦላ ኣብ ምምክልኻል ዝሕቱል ስጉምቲ ክትወስድ ተራእዩ። ካብ ጀኔቫ ከይተረፈ ነቐፌታ በጺሑዋ።

ፕሬፌሰር ጎስቲን፡ ዶክተር ቴድሮስ "ምልክት መሪሕነት" ኮይኑ እዩ ኢሉ ይኣምን።

'ጽባሕ የራኽበና'

እዚ ቅልውላው ምቁጽጻር ተኻኢሉ ጠጠው ክሳብ ዝብል፡ ዓወት ዶክተር ቴድሮስ ኮነ እቲ ዝመርሖ ትካል እንታይ እዩ ዝብል ንጹር ኣይኮነን።

ንግዚኡ፡ ሃገራት ነቲ ሕማም ኣብ ምክልኻል፣ ምቁጽጻር፣ ምሕካም፣ ምልላይን ምግታእን ኣበርቲዐን ክሰርሓ ማዕድኡ ክቕጽል'ዩ።

መዓልታዊ ጋዜጣዊ መግለጺ ይህብ። መዓልታዊ ዝዛረበን ቃላት ኣብ መላእ ዓለም ይዝርግሓ።

መዓልታዊ ንዝቐርቡልካ ዘጻድፉ ሕቶታት መልሲ ሒዝካ ክትቐርብ፣ ኩል ግዘ ኣብ ዓይኒ ካሜራ ምዃን ዝፈጥሮ ጸቕጢ እንተሃለወ'ውን፡ ዶክተር ቴድሮስ ህዱእን ተመሓዛይን'ዩ ዘሎ።

ኣብ መዛዘሚ ኩለን ዝዳለዋ መድረኻት ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሓደ ዓይነት'ዩ፤ ወረቐቱ ይእክብ፣ ይስሕቕ፣ "ጽባሕ የራኽበና" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, AFP