ኮቪድ-19፡ ባንኪ ዓለም ንህጹጽ ሓገዝ ዝውዕል 12 ቢሊዮን ዶላር ሓገዝ ክገብር'ዩ

መሸፈኒ ገጽ ዝተኸደኑ ሰባት፤ ብራዚል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ,

ምንካይ ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ሃገራት ናብ ዝሕታለ ክወስደን ከም ዝኽእል ይስጋእ

ባንኪ ዓለም ምስ ዝርግሐ ኮሮና ቫይረስ [ኮቪድ-19] ተተሓሒዙ፡ ኣብ ምዕባይ ንዝርከባ ሃገራት ናይ 12 ቢሊዮን ዶላር ሓገዝ ክህብ ቃል ኣትዩ።

እዚ ገንዘብ ህጽጽ ሓገዝ፡ ትሑት ዋጋ ልቓሕ፣ ቴክኒካዊ ሓገዝን ረድኤትን ዘጠቓለለ'ዩ።

መራሕቲ ሃገራት ዓለም፡ እቲ ሕጂ ብቕልጡፍ ዝላባዕ ዘሎ ቫይረስ ኣብ ሃገራቶም ቑጠባዊ ጽልዋ ከየሕድረሎም ከም ዝሰግኡ ብምግላጽ፡ ሓገዝ ሓቲቶም'ዮም።

ኮሮናቫይረስ ዝርግሕኡ እናነከየ ምስ ዝኸይድ ድማ፡ ሃገራት ንቑጠባዊ ዝሕታለ ከቃልዐን ከም ዝኽእል ይእመን።

በዚ ምኽንያት ሓገዝ ይገብር ከም ዘሎ ዝገልጽ ባንኪ ዓለም፡ ሃገራት ነዚ ቅልውላው ምክልኻል ዘኽእለን ኣገልግሎት ጥዕና ንምምሕያሽን ቑጠባዊ ጽልዋ ንምንካይ ምስ ናይ ብሕቲ ትካላት ክሰርሓን ዝውዕል'ዩ ኢሉ።

"ምትሕልላፍ እቲ ሕማም ንምንካይ ኢና ንፍትን ዘለና" ድማ ኢሉ።

ኮቪድ-19 ኣብ ልዕሊ 70 ሃገራት ዝበጽሐ ኮይኑ፡ እቲ ዝወሃብ ሓገዝ ገንዘብ ኣብ ሓደጋ ውሽጢ ዘለዋን ድኻታት ዝኾናን ሃገራት ከም ዘቐድም ባንኪ ዓለም ገሊጹ።

እዚ ሕማም፡ ብደረጃ ዓለም ኣብ ልዕሊ 92 ሽሕ ሰባት ዝተርኣየ ኮይኑ እቶም ልዕሊ 80 ሽሕ ኣብ ቻይና ምዃኖም ሓበሬታ ሰብ መዚ የመልክት።

መብዛሕትኦም ካብ ቻይና ዝኾኑ ልዕሊ 3 ሽሕ ሰባት በዚ ሕማም ሞይቶም። ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ፡ ኣብ ቻይና ዝኽሰት ሓድሽ ረኽሲ ኮቪድ-19 ይንኪ ኣሎ።

ኣብ ካልኦት ሃገራት ከ?

ክልተ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ፡ ኣብ ኢራን 77 ሰባት ሞይቶም'ዮም።

ብምዃኑ ድማ፡ ሰብ ኣብ ዝእከበሉ ቦታ ዝርግሐ እቲ ሕማም ንምክልኻል ልዕሊ 54 ሽሕ እሱራት ፈቲሓ ኣላ።

ትማሊ ሰሉስ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር፡ ልዕሊ 50 ሚኢታዊት ዝተረጋገጸ ሕማም ከም ዝተመዝገበ ገሊጹ።

ኣብ ጥልያን ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓት ጥራሕ ዘጋጥም ዘሎ ሞት ልዕሊ 50 ሚኢታዊት [79 ሰባት ሞይቶም] በጺሑ ኣሎ።

ኣብ ዋሽንግተን ድማ ሞት ትሸዓተ ሰባት ተመዝጊቡ ኣሎ። ስፔን ድማ ሞት ሓደ ወዲ 69 ዓመት ሰብኣይ መዝጊባ ትርከብ።

ትካል ጥዕና ዓለም፡ ዋጋ ከም መሸፈኒ ገጽ፣ ጓንቲ ይንህር ከም ዘሎን ሕጽረት ከም ዘጋጠመን ብምግላጽ፡ መንግስታትን ኩባኒያታትን ዘፍርዩዎ ምህርቲ ብ40 ሚኢታዊት ክውስኹ ሓቲቱ።