ኢራን ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ 54 ሽሕ እሱራት ብጊዝያውነት ፈቲሓ

መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዝገበረት ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ,

ኣብ ኢራን 'ውን ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን፡ ብውሕድ 77 ሰባት ከም በቲ ቫይረስ ሞይቶም ኣለዉ

ኢራን፡ ኣብ ዝተጻበቡ ቤት ማእሰርቲታት ኮሮናቫይረስ ከይላባዕ ብምስጋእ፡ 54 ሽሕ እሱራት ብጊዝያውነት ፈቲሓ።

ወሃቢ ቃል ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ከም ዝገለጾ፡ እቶም እሱራት ተመርሚሮም ካብቲ ቫይረስ ነጻ ከም ዝኾኑ ምስ ተረጋገጸን ዋሕስ ምስ ኣቕረቡን እዮም ተፈቲሖም።

"እሱራት ድሕነት" ዝኾኑ ማእሰርቲ ልዕሊ ሓሙሽተ ዓመት ዝተፈረዶም እሱራት ግን ኣይፍትሑን።

ኣብታ ሃገር ተኣሲራ እትርከብ ኢራናዊት ብሪጣንያዊት፡ ሰራሕተኛ ረድኤት ናዛኒን ዛጋሪ-ራትክሊፍ 'ውን ተፈቲሓ ክትከውን ከም እትኽእል መንግስቲ ብሪጣንያ ገሊጹ ኣሎ።

ዛጋሪ-ራትክሊፍ ኣብ 2016፡ ብስለያ ተጠርጢራ ሓሙሽተ ዓመት ተፈሪዱዋ፤ ንሳ ግን ከም ዘይወዓለቶ ትገልጽ።

በዓል ቤታ፡ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ በቲ ቫይረስ ከም ዝተትሓዘትን እቶም ሓለፍቲ ክምርምርዋ ፍቓደኛታት ከም ዘይኮኑን ዝሓለፈ ቀዳም ገሊጹ ነይሩ።

መንግስቲ ብሪጣንያ፡ ተኣሲሮም ዘለዉ ናይ ብሪጣንያ ዜግነት ዘለዎም ሰባት ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ሕክምና ክረኽቡ ንመንግስቲ ኢራን ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ,

ዛጋሪ-ራትክሊፍ ኣብ 2016፡ ብስለያ ተጠርጢራ ሓሙሽተ ኣመት ተፈሪዱዋ

ዛጊድ ኣብ መላእ ዓለም፡ ልዕሊ 90 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ከም ዝተትሓዙን ልዕሊ 3100 ሰባት ከም ዝሞቱን ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣብ ኢራን'ውን ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን፡ ብውሕድ 77 ሰባት ከም በቲ ቫይረስ ከም ዝሞቱን ቁጽሪ ሕሙማት ድማ ልዕሊ 2300 ከም ዝበጽሐ መንግስቲ እታ ሃገር እንትገልጽ፡ ካልኦት ጸብጻባት ግን ቁጽሪ መወትቲ ልዕሊ 200 ከም ዝኾነን ቁጽሪ ሕሙማት 'ውን ኣዝዩ ከም ዝዛይድን እዮም ዝሕብሩ።

ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኢራን ከይተይረፉ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ኮይኖም፡ ካብ 290 ኣባላት ፓርላማ እታ ሃገር እቶም 23 በቲ ቫይረስ ተታሒዞም ኣለዉ።

ኣማኻርን ናይ ቀረባ ሰብን መንፈሳዊ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ካሚኒ፡ መሓመድ ሚርመሓመዲ 'ውን ኣብ ዝሓለፈ ሶኒ ብኮሮናቫይረስ ከም ዝሞቱ መንግስታዊ ማዕኸን ዜና እታ ሃገር ገሊጻ።

ህዝቢ እታ ሃገር ብዛዕባ እቲ ሕማም ዝወሃቡ መምርሒታት ክኽተሉን ሚኒስትሪ ጥዕና ድማ ኣድላዪ ቀረብ ከውፍርን እቲ መንፈሳዊ መራሒ ጸዊዑ ኣሎ።

ብተወሳኺ ኢራን ተቕርቦ ዘላ ቁጽራዊ ሓበሬታ እቲ ረኽሲ ሓቂ ከም ዝኾነ ዝገልጽ ኣያቶላህ ካሚኒ፡ ነቲ ዝቐርበላ ዘሎ ክሲ ምሕባእ ነጺግዎ።

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ,

ኣያቶላህ ዓሊ ካሚኒ

ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ሰብሞያ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ንሰብሞያ ጥዕና እታ ሃገር ኣብ ምሕጋዝ ተዋፊሮም ኣለዉ።