ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያዊ ካርዲናል ንመንግስቲ መብርሂ ሓቲታ

ካርዲናል ብርሃነየሱስ ደመረው

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ ብኢትዮጵያዊ ካርዲናል ብርሃነየሱስ ደመረው ዝምራሕ ልኡኽ ንምንታይ ናብ ኤርትራ ከይኣትዉ ከምዝተኸልከለ ቤት ጽሕፈት ሃይማኖታዊ ጉዳያት መብርሂ ክህበሉ ከም ዝሓተተት ቫቲካን ኒውስ ጸብጺቡ።

እቲ ልኡኽ ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ ኣብ ጽምብል ወርቃዊ ኢዮቤልዩ ቤተክርስትያን ኪዳነ ምሕረት ኣስመራ ንክሳተፍ ኣብ ዝኸደሉ እዩ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ክምለስ ተገይሩ።

እቶም ገየሽቲ ኣድላዪ ቅጥዕታት ኣማሊኦም ቪዛ ምስ ተዋህቦም፡ ምኽንያቱ ብዘይተፈልጠ 'ላዕለዋይ ኣካል ክትኣትው ኣይፈቐደልኩምን' ተባሂሎም ከምዝተመለሱ ዝዝከር እዩ።

ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ናብ ቤት ጽሕፈት ሃይማኖታዊ ጉዳያት ኣብ ዝለኣኸቶ ደብዳበ፡ በቲ ፍጻመ ከምዝሓዘነት ዝገለጸት ኮይና "ነቲ ምኽንያት ክሳብ ሕጂ ክንርድኦ ኣይከኣልናን" ድማ ኢላ።

እንታይ እዩ ኣጋጢሙ ነይሩ?

ናይ ኢትዮጵያ ካቶሊክ ጳጳሳት ጉባኤ ፕረዚደንት ብጹእ ካርዲናል ብርሃነየሱስ ደመረው ዝመርሕዎ ጉጅለ፡ ብዕድመ ሊቀ ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣባ መንግስተኣብ ተስፋማርያም እዩ ቀዳም 22 ለካቲት ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ በጺሑ።

እንተኾነ 'ድሕሪ ናይ 16 ሰዓታት ትጽቢትን ቀንፈዘውን' ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ከምዝተመለሰ ይግለጽ።

ድሕሪ እቲ ፍጻመ፡ ቤት-ጽሕፈት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ኣብ ዝዘርገሐቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፤ ድሕሪ ናይ ዕስራ ዓመት ወጥሪ ዶባት ኣብ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዕርቀ ሰላም ተፈጢሩ ከብቅዕ፡ ከምዚ ዓይነት ክስተታት ምግጣሙ ንኣብያተ ክርስትያን ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምዘሕዘነ ገሊጻ ነይራ።

ርክብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን መንግስቲ ኤርትራን

ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ ሓንቲ ካብተን መንግስቲ ወግዓዊ ኣፍልጦ ዝህበን ኣርባዕተ ትካላት ሃይማኖት ሓንቲ እያ።

እንተኾነ፡ ቫቲካን ኒውስ "ርክብ መንግስትን [ካቶሊካዊት] ቤተክርስትያንን ኣዝዩ ኣብ ዝደኸመሉ ደረጃ በጺሑ'ሎ" ይብል።

መንግሰቲ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝመሓደራ ኣብያተ ሕክምናን ኣብያተ ትምህርትን ምህጋሩ ዝዝከር እዩ።

ሰበስልጣን መንግስቲ ነቲ ትካላት ባዕላቶም ከመሓድሩዎ ከምዝወሰኑ እኳ እንተገለጹ፡ ብዙሕ ካብቲ ዝተሃገረ ትካላት ኣገልግሎት ግን ደኺሙ ምህላው ገለ ምንጭታት ይገልጹ።