ኣብ ጎንደር መዓልቲ ዝሓለፎ መድሓኒት ዓዲሎም ዝተበሃሉ ካናዳውያን ቤት ፍርዲ ቀሪቦም

መድሓኒት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images/DON EMMERT

ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ጎንደር ዝተቐየዱ ካናዳውያን ወለንተኛታት ምስቲ ንተምሃሮን ነበርትን ከም ዝሃብዎ ዝተገለጸ እዋኑ ዝሓለፎ መድሓኒት ብዝተሓሓዝ ምርመራ የካይድ ከም ዘሎ ፖሊስ እታ ከተማ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ነቶም ወለንተኛታት ዝለኣኸ 'ካናድያን ሂዩማኒታርያን' ዝተበሃለ ትካል ግብረሰናይ ብወገኑ እቶም ወለንተኛታት እዋኑ ዘይሓለፎን ኣብ ካናዳ ንተመሳሳሊ ኣገልግሎት ዝውዕልን መድሓኒት ከም ዘቕረቡ ገሊጹ።

ካናድያን ሂዩማኒታርያን ኣብ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ሕክምና፣ ትምህርቲን ካልኦት ሰብኣዊ ሓገዛትን እናሃበ ዝመጽአ ትካል ግብረሰናይ'ዩ።

እቶም ኣብ ከተማ ጎንደር ዝተኣሰሩ ሰለስተ ኣባላት እዚ ትካልን 10 ወለንተኛታትን ብድምር 13 ካናዳውያን ከም ዝኾኑ እቲ ትካል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ'ሎ።

ሓላፊ መምርሒ ፖሊስ ከተማ ጎንደር ኮማንደር ኣየልኝ ታከለ፡ እቶም ካናዳውያን እዋኑ ዘይሓለወ መድሓኒት ይህቡ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ከምዝተትሓዙን ክሳብ ሽድሽተ ዓመታት ግዜ ዝሓለፎም መድሓኒት ከም ዝተረኸቡን ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ዝተትሓዙሉ ምኽንያት ንተምሃሮን ነበርትን ቀበሌ 18 መድሓኒት እናዓደሉ ስለ ዝተረኸቡ እዩ። እዋኖም ዝሓለፎም ዝተፈላለዩ መድሓኒታት እናሃቡ'ዮም ተረኺቦም። እቲ መድሓኒት ዝተወሃቦም ሰባትን ቤት ትምህርትን'ዮም ንፖሊስ ሓቢሮም። ነቲ ሓበሬታ ክነረጋግጽ ጽዒርና" ኢሉ።

ኣስዒቡ ድማ "ሰብ ሞያ ሕክምና ክርእይዎን ከረጋግጹን ጌርና። ብድሕሪኡ ብትኽክል መዓልቱ ዝሓለፎ መድሓኒት ይህቡ ምንባሮም ምስ ኣረጋገጽና፡ ነቶም ሰባት ኣብ ቀይዲ ብምውዓል ምጽራይ ክነካይድ ጀሚርና" ክብል ኣረዲኡ።

ኮማንደር ኣየልኝ ነዚ እንተበለ'ኳ፡ ትካል ግብረሰናይ ካናድያን ሂዩማኒታርያን ግን፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝወሃብ ኣገልግሎት ልክዕ ከምቲ ኣብ ካናዳ ከም ዝኾነን ኩሉ ንጥፈታት ኣባላቱ'ውን ብላዕለዎት ሰብሞያ ሕክምና ካናዳ ከም ዝውሰንን ሓቢሩ።

ኣባላትን ወለንተኛታትን እዚ ትካል ግብረሰናይ ንነዊሕ ዓመታት ዝተፈላለዩ ሰብኣዊ ሓገዛት ክህቡ ምጽንሖም ዘዘኻኸሩ ኮምንደር ኣየልኝ፡ ዛጊት ምልክታት ሕማም ዝተረኣዮም ተምሃሮን ነበርትን ከምዘየለዉ ኣረጋጊጹ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን እቶም ካናዳውያን እሱራት ኣብ ቤት ህንጸት ይርከቡ።

"ቤት ፍርዲ ቀሪቦም'ዮም፤ ብድሕሪኡ መርመርቲ ፖሊስ ግዜ ቆጸሮ ክወሃቦም ስለዝሓተቱ እሱራት ኣብ ቤት ህንጸት ኽጸንሑ ተገይሩ'ሎ። ኣብቲ ዝተወሃበ ግዜ ቖጸሮ ከኣ ምርመራ ብምክያድ መዝገብ እንልእኸሉ ኩነታት ስለዝህልዉ ኣብኡ ክጸንሑ እዮም" ዝበለ እቲ ኮማንደር ዝተወሃበ ግዜ ቆጸራ ናይ 14 ከምዝኾነ ገሊጹ።

ምስቶም 13 ካናዳውያን ይሰርሑ ዝነበሩ ክልተ ኢትዮጵያውያን'ውን ኣብ ማእሰርቲ ከምዝርከቡ ምፍላጥ ተኻኢሉ'ሎ።

ኣብዚ ጉዳይ መብርሂ ንኽህበና ሕቶ ዘቕረብናሉ ኣብ ኢትዮጵያ ኤምባሲ ካናዳ፡ ሎሚ መዓልቲ ምላሽ ከም ዝህብ ሓቢሩና'ሎ።