ግብጺ፡ ኣብ ምድረበዳ ሲናይ ዝነጥፍ ነበረ ዕሉል መራሒ ጉጅለ እስላማዊ ጂሃድ ቀቲላ

ሓሺም ኣሽማዊ

ምንጪ ስእሊ, LIBYAN NATIONAL ARMY

ግብጺ፡ ኣብታ ሃገር ብገበን ዝድለ ዝነበረ ጅሃድ ሓሺም ኣሽማዊ ከም ዝቐተለቶ ኣፍሊጣ።

ኣፈኛ ሰራዊት ግብጺ ከም ዝሓበሮ፡ እቲ ንሞት ዝተፈርደ መራሒ ጉጅለ እስላማዊ ጂሃድ፡ ትማሊ ረቡዕ ከም ዝተቐትለ ብመንግስቲ እታ ሃገር እትውነን ማዕከን ዜና ሓቢራ።

ሓሺም ኣሽማዊ፡ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ሰራዊት ግብጺ ወተሃደር ከምዝነበረን፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ድማ ሓለፍቲ ግብጺ ኣብ ምቕታል ኣብ ዝተገብረ ፈተነ ኢድ ከም ዝነበሮን ይግለጽ።

ኣብ 2014፡ ኣብ ምዕራብ ግብጺ ኣብ ምቕታል ልዕሊ 20 ሓይልታት ጸጥታ ከም ዝተሳተፈ ሰበስልጣን እታ ሃገር ይገልጹ።

ብተመሳሳሊ፡ ኣብ 2013 እውን ኣብ ፈተነ-ቕትለት ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኣሕመድ ኢብራሂም ኢድ ከም ዝነበሮ ይግለጽ።

ንሱ፡ ኣብ ምብራቓዊ ሊብያ'ዩ በቶም ብከሊፋ ሓፍታር ዝምርሑ ሓይልታት ሊብያ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮ።

ጀነራል ከሊፋ ሓፍታር፡ ምስ መንግስቲ ግብጺ ጽቡቕ ዝምድና ስለዘለዎ ድማ ንሓሺም ኣሽማዊ ንግብጺ ኣሕሊፉ ሂብዎ።

ኣሽማዊ፡ መራሒ ጥሩፍ ኣረኣእያ ዘለዎም ዕጡቓት ጉጅለ ከምዝነበረን፡ ኣብ 2014 ድማ ምስ ዳዕሽ ተሓባቢሮም ክሰርሑ ከም ዝተሰማምዑን ሰብ-መዚ'ታ ሃገር ይሕብሩ።

ኣብ 2015፡ እቲ ጉጅለ፡ ኣብ ልዕሊ በጻሕቲ ሃገር ብብዝሒ ዝንቀሳቐሱሉ ናይ ቱሪዝም ቦታታት፡ ኣብያተ-ክርስትያንን፡ ነጋድያን መጥቃዕትታት ከም ዘካየዱ ይዝከር።