'ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ዝሞተ ዘማሪ ኣብ ኤውሮጳ ዑቑባ ክሓትት ድልየት ነይርዎ'

ኪዚቶ ሚሂጎ

ምንጪ ስእሊ, Kizito Mihigo/Facebook

መግለጺ ስእሊ,

ኪዚቶ ሚሂጎ

ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሞይቱ ዝተረኽበ ሩዋንዳዊ ዘማሪ፡ ንኤውሮጳ ኣትዩ ዕቑባ ክሓትት ድልየት ከም ዝነበሮ ሓደ ትካል ግብረ ሰናይ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እቲ ትካል ከም ዝሓበሮ፡ ኪዚቶ ኣብ መስከረም 2019 ንርዋንዳ ራሕሪሑ ክወጽእ መገዲ የናዲ ከም ዝነበረን፡ ኣብ ኤውሮጳ ኣትዩ ዑቑባ ክሓትት ምዃኑ ከም ዝሓበሮም ኣፍሊጡ።

እንተኾነ ግን፡ እቲ ዘማራይ ፓስፖርት ከም ዘይነበሮን፡ ሰበ-ስልጣን ርዋንዳ ፓስፖርት ክህብዎ ድልየት ከም ዘይነበሮምን እቲ ትካል ወሲኹ ኣረዲኡ።

"ምሳና ርክብ ምስ ገበረ፡ ንሕና ምስ ዝምልከቶም ሰባት ተዘራሪብና፡ ኣብዚ እዋን ክወጽእ ሓደገኛ ምዃኑን ብመንግስቲ ጽዑቕ ምክትታል ይግበረሉ ከምዘሎን ብምሕባር ንኽጽበ ነጊርናዮ"

እቲ ዘማሪ፡ ኣብ ርዋንዳ ክሰርሕ ኣብዘይክእለሉ ብርኪ ስለዝበጽሐ እዩ ካብታ ሃገር ክወጽእ ደልዩ ኢሉ እቲ ትካል።

"ናቱ መዝሙራት ኣብ መንግስታውን ንመንግስቲ ኣብ ዝድግፉን ሚድያታት ከይቃላሕ ተኣጊዱ፡ ብሰንኪ ፍርሒ ድማ ዘስርሖ ካልእ ሰብ'ውን ክረክብ ኣይከኣለን" ይብል እቲ ትካል።

እዚ ኪዚቶ ሚሂጎ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዘማሪ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከሎ እዩ ሞይቱ። ንሱ፡ ኣብ ጥቓ ዶብ ሩዋንዳን ብሩንዲን ምስ ተኣሰረ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ እዩ ሞይቱ ተረኺቡ።

ፖሊስ፡ እቲ ዘማሪ ብስግረ-ዶብ ካብታ ሃገር ሃዲሙ ኣንጻር ሩዋንዳ ምስ ዝዋግኡ ዘለዉ ዕጡቓት ጉጅለታት ክጽምበር ፈቲኑ ክብሉ እዮም ዝኸስዎ።

ነቐፍቲ ናይቲ መንግስቲ ግን፡ እቲ ዘማሪ ግን ብምኽንያት ዝሰርሖም መዝሙራት እዩ ዒላማ ተገይሩ ይብሉ።

እቲ ዘማሪ፡ ቅድም ክብል ብዝተበየነሉ ፍርዲ ካብታ ሃገር ከይወጽእ ተኸልኪሉ ምንባሩ ይግለጽ።

ዝሓለፈ ሰሙን ፖሊስ እታ ሃገር ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ እቲ ዘማሪ ኣብቲ ዝተኣሰረሉ ክፍሊ ነፍሰ-ቅትለት ከም ዝፈጸመ እዮም ዝገልጹ።

እቲ ዘማሪ ኣብ 2015 ንፕረዚደንት ፖል ካጋሜ ክቐትልን ኣንጻር መንግስቲ ጽልኢ ከለዓዕልን ፈቲኑ ብዝብል ን10 ዓመት ንኽእሰር ተፈሪድዎ ነይሩ።

ኣብ 2018 ድማ በቲ ፕረዚደንት ምሕረት ተዋሂብዎ፡ ግን ከኣ ካብ ዓዲ ክወጽእ እንተኾይኑ ብፍቓድ ቤት ፍርዲ ጥራይ ክኸውን ተበይንዎ።

ኣብ ሓደ መዝሙሩ፡ ኣብቲ ናይ 1994 ጃምላዊ ህልቂት ሩዋንዳ ዝሞቱ ሰባት፡ ካብ ብሄር ሁቱ ኮኑ ቱትሲ ብዘየገድስ ኩሎም ክዝከሩ ይግባእ ይብል።

እዚ ድማ ካብቲ ናይ ወግዓዊ ተረኽ ናይ መንግስቲ ዝፍለ ነይሩ።