ሆቴላት ኣዲስ ኣበባ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዕዳገኦም ከይዝሕትል ይሰግኡ

ሆቴል ሸራተን ኣዲስ ኣበባ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዓበይቲ ዋዕላታትን ኣኼባታትን ካብ ዘአንግዳ ቀንዲ ከተማታት ኣፍሪቃ እታ ሓንቲ እያ። በዚ ድማ፡ ኣብታ ከተማ ዘለዉ ዓበይቲ ሆቴላት ጽቡቕ ዕዳጋ እዮም ዝረኽቡ።

እንተኾነ፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዘሕደሮ ስግኣታት፡ መደብ ዝተትሓዘሎም ኣኼባታት ይስረዙ ስለዘለዉ፡ ሆቴላት ኣብ ዕዳገኦምን ኣታዊኦምን ጽልዋ ከየሕድር ስግኣት ሓዲርዎም ኣሎ።

ኣካቢ ማሕበር ወነንቲ ሆቴላት ኣዲስ ኣበባ፡ ቢኒያም ብስራት ንቢቢሲ ከምዝበሎ፡ ዋላኳ እቲ ሕማም ኣብ ኢትዮጵያ እንተዘይተራእየ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘሎ ኩነታት ገያሾ ቅድም ክብል ሒዞምዎ ንዝጸንሑ መደባት ይስርዙ ኣለዉ።

ነዚ ስዒቡ ድማ፡ ትካላትን ውልቀሰባትን ከካይድዎም ዝመደብዎም ዋዕላታት ይሰረዙ ምህላዎም ገሊጹ።

ከም ኣብነት ድማ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ክካየድ መደብ ተታሒዝሉ ዝነበረን፡ ሓደ ሽሕ ሰብ ክሳተፈሉ ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረን ዓመታዊ ጉባኤ 'ፋውንዴሽን ሞ ኢብራሂም' ከምዝተሰረዘ ቢንያም ብስራት ይጠቅስ።

ነብሲ ወከፍ ተሳታፊ ናይቲ ጉባኤ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣርባዕተ ለይቲ ከሕልፍ ትጽቢት ይግበር ነይሩ። ብማእከላይ ገምጋም ሓደ ሰብ ንሓደ ለይቲ 100 ዶላር ዝኸፍል እንተኾይኑ፡ 400 ሽሕ ዶላር ኣታዊ ከይተረኸበ ከምዝተርፍ ቢንያም ይዛረብ።

ኣብታ ከተማ ብዙሓት ኣኼባታትን ዋዕላታትን ዝእንግድ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት 'ኮሚሽን ቁጠባ ኣፍሪካ' ብሰንኪ እቲ እናሓየለ ዝመጽእ ዘሎ ስግኣት ኮሮናቫይረስ፡ "ኩሎም ህዝባዊ ዋዕላታት" ከምዘናውሐ ገሊጹ'ሎ።

ስግኣት ኮሮና ቫይረስ በቲ ዘለዎ እንተድኣቀጺሉ፡ ኣብ ግንቦትን ሰነን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ መደብ ዝተትሓዘሉ ናይ ፊፋ ዓብይ ምድላው፡ ከምኡ ድማ ኣብ መስከረም ክሳለጥ ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረ ዓለማዊ መድረኽ ቁጠባ ክካየድ ድዩ ኣይካየድን ዝብል ኣብ ሕቶ ከምዝኣቱ ኣይተ ቢንያም ተዛሪቡ።

እቲ ሕማም ዋላ'ኳ ናብ ኢትዮጵያ ኣይእቶ፡ ካብ ኣታዊ ንላዕሊ እቲ ካልእ ስግኣት ዝፈጥር ጉዳይ ጥዕና ብምዃኑ፡ ማሕበር ወነንቲ ሆቴላት ኣዲስ ኣበባ፡ ናይ ሆቴል ሰራሕተኛታት ክገብርዎ ብዛዕባ ዝግባእ ጥንቃቐታት መምርሒ ይህብ ምህላዉ ገሊጹ።

ብሰንኪ እቲ ኣብ ዓለም ልዕሊ 3 ሽሕ ሰባት ቀቲሉ ዘሎ ሕማም፡ መደብ ዝተትሓዘሎም ጉባኤታት ዝስረዙ ዘለዉ ኣብ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነስ፡ አብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ'ውን እዩ።

ኣብ ኬንያ ከተማ ናይሮቢ ዝመጽ ሰሙን ክካየድ መደብ ተታሒዝሉ ዝነበረ 'ዘ ኔክስት ኣይንስታይን ፎረም' ዝበሃል ኣኼባ ከምዝተናወሐ ተገሊጹ'ሎ።

ኣብ ኣኼባ፡ ካብ 79 ሃገራት ልዕሊ 2 ሽሕ ተሳተፍቲ ክጋብኡ ትጽቢት ነይሩ።

ካልእ ድማ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ኣይቮሪ ኮስት፡ ኣቢጃን ኣብ ቀጻሊ ሰሙን ክካየድ መደብ ዝተገብረሉ ኣኼባ ኣካየድቲ ስራሕ ዓበይቲ ኩባንያታት ኣፍሪቃ'ውን ክናዋሕ ተገይሩ'ሎ።