ኢትዮጵያ ሊግ ዓረብ ንግብጺ ብምድጋፍ ንዘውጽኦ ውሳነ ሓሳብ ከምዘይትቕበሎ ኣፍሊጣ

ኣርማ ሚኒሰትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, MOFA

መግለጺ ስእሊ,

ኣርማ ሚኒሰትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኮሚቴ ፈጻሚ ስራሕ ሊግ ሃገራት ዓረብ ንዓቢ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ንግብጺ ብምድጋፍ ትማሊ ኣብ ካይሮ ዘውጽኦ መግለጺ ከምዘይቕበሎ ኣፍሊጡ።

ሚኒሰትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፤ ሕብረት ሃገራት ዓረብ ኣብ ጉዳይ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝግበር ዘሎ ወሳኒ ዘተታት ኣብ ግምት ከየተወ ዘይሚዛናዊ ውሳነ ምሃቡ ከምዘሕዘኖ ሓቢሩ።

እቲ መግልጺ፡ ሱዳን ነቲ በቲ ሊግ ዝተውሃበ ውሳነ ዘይምቅባለ ዝነኣደ ኮይኑ፤ እቲ ሊግ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ንዝፈሓሶ መርገጺ ብምቅዋም "ዳግም ንምኽንያታውነትን ፍትሕ ዘለዋ ድልዉነት ኣርእያ እያ" ብምባል ንኢዱ።

መግልጺ ሚኒሰትሪ ወጻኢ ጉዳያት፡ ኢትዮጵያ ንነዊሕ እዋን ሒዛቶ ዝጸንሐት "ንናይ ሎምን መጻእን ወለዶታት ድሌት ንምምላእ ሃብቲ ማይ ኣባይ ናይ ምጥቃም መሰላ" ክትሕሉ እያ ይብል።

ኣባይ፤ ዶብ ሰጊሩ ዝኸይድ ስለዝኾ ምስተን ነዚ ማይ ዝጥቀማ ሃገራት ብምትሕብባርን ኣብ ልዕሊአን ጉድኣት ብዘየብጽሕ ፍትሓውን ተቐባልነት ብዘለዎን መንግዲ ምጥቃም ከም እትድግፍ እቲ መግለጺ ይጠቅስ።

ኢትዮጵያ፡ ብግልጺ ዝግበር ዘተ ንኹሉ ዘረብሕ ውጽኢት ከምዝርከቦ እምነት ከምዘለዋ እቲ መግለጺ ኣመልኪቱ።

ልዕልና ንምሓዝ ዝግበር ጻዕሪ ግን ውጽኢት ከምዘየምጽእን ሃገራት ንሓድሕደን ተደጋጊፈን ኣብ ዝነብራሉ ዘመን እዚ ኣተሓሳስባ ቦታ ከምዘይህልዎን ብምዝኽኻር ብሓባር ምጥቃም ኣድላዩ ምዃኑ ጠቒሱ።

ኢትዮጵያ ኣብ ዙርያ ምምላእን ምፍናውን ማይ ኣመልኪቱ ቅድም ክብል ንዝተበጽሐ ስምምዕ ከምእትግዛእ ዝሓበረ መግለጺ እቲ ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት፡ ብመሰረት እቲ ስምምዕ ቀዳማይ ደረጃ መስርሕ ምምላእ ማይ ጎናጎኒ ህንጸት እቲ ግድብ ክካየድ ከምዘፍቅድ ኣረዲኡ።

ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ሊግ ሃገራት ዓረብ ብመንጽር ምስ ኢትዮጵያ ንነዊሕ ዘመናት ዝነበሮ ርክብን ሓበራዊ ክብርታትን ንሓቂ ከምዝውግን፡ እቲ ሚንስቴር ዘለዎ እምነት ገሊጹ።

ኣብ መጻኢ'ውን ንሓበራዊ ዕላማ ምስቲ ሊግ ተቐራሪቡ ክሰርሕ ከምዝደልይ ኣዘኻኺሩ።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ እንታይ ይብል?

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ትማሊ ኣብ መዕጸዊ ስልጠና መሪሕነት ሰልፊ ብልጽግና ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ኣብ ጉዳይ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ንኽብሪ ሃገሩ ኣሕሊፉ ኣብ ዝህብ ስምምዕ ከምዘይኣትው ተዛሪቡ'ዩ።

"ካብ ወጻኢ ንእንረኽቦ ሃብቲ ክንብል ሃገራዊ ክብርና ኣሕሊፍና ኣይንህብን" ብምባል፡ እቲ ግድብ ንረብሓ ካልኦት ሃገራት ብዘይጻባእ መልክዑ ተሃኒጹ ኣብ ረብሓ ከምዝውዕል ገሊጹ።

ሚንስትር ገንዘብ ኣሜሪካ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ዘውጽኦ መግለጺ፡ ካብ ህዝብን ሰብመዚን ኢትዮጵያ ልዑል ተቓውሞ ዘጋጠሞ ኮይኑ፡ ኣብቲ መስርሕ ድርድር ኢድኣእታውነት ኣሜሪካ ብዝምልከት ሕቶ ክለዓል ገይሩ'ሎ።

መግለጺ ኣሜሪካ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ሰነድ ከይፈረመት ኣብ ዝመጽእ ክረምቲ ማይ ክትመልእ ከምዘይትኽእል የጠንቅቕ።

ኢትዮጵያ ብወገና በዚ ከምዘይትሰማማዕ ኣፍሊጣ'ላ።

ብዙሓት ወሃብቲ ርእይቶን ተንተንትን፡ ቀደሙ'ውን እቲ ድርድር ሳልሳይ ወገን ከይሓወስካ ክቕጽል እናተገብኡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣሜሪካ ክትሕወስ ምፍቃዱ ትኽክል ከምዘይነበረ ይዛረቡ።