ኮሮና-ቫይረስ፡ ምዕባለታት 6 መጋቢት

ሰራሕተኛታት ኣገልግሎት ጥዕና ብሪጣንያ ኣብ ስራሕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ,

ትካላት ጥዕና ዓለም በቲ ለበዳ ተጨናኒቐን ይርከባ

ቁጽሪ ብለበዳ ኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉን ዝሞቱን ሰባት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ወሲኹ'ሎ። ገለ ካብ ቀንዲ ምዕባለታት ናይዚ ዕለት ነቕርበልኩም፡

ብዓለም ደረጃ፡ ቁጽሪ ዝተለኽፉ ልዕሊ 100 000 በጺሑ። ቁጽሪ ምውታት 3400 ኮይኑ'ሎ።

ንፈለማ እዋን ዝተራእየለን ሃገራት፡ ካመሩን (1)፡ ቶጎ (1)፡ ፐሩ (1)፡ ሰርቪያ (1)፡ ስሎቫኪያ (1)፡ ቫቲካን (1)፡

ብሪጣንያ፡ ቁጽሪ ዝተለኽፉ ብ48 ድሕሪ ምውሳኹ፡ 163 በጺሑ። ሎሚ ካልኣይ ልዕሊ 80 ዓመት ከም ዝሞተን፡ ይኹን እምበር ጠንቂ ሞቱ ንምርግጋጽ ተወሳኺ መርመራ ይካየደሉ ከም ዘሎ ተገሊጹ። ካብቶም ዝተለኽፉ 29 ኣብ ለንደን፡ 11 ኣብ ስኮትላንድ፡ 3 ኣብ ሰሜን ኣየርላንድ፡ 2 ኣብ ዌይልስ፡ እቶም ዝተረፉ ድማ ኣብ ኢንግላንድ ዝተረኽቡ'ዮም። ሓደ ሰራሕተኛ መንገዲ ኣየር ብሪጣንያ (BA) ተለኺፉ'ሎ።

ኢራን፡ ድሕሪ ቻይናን ደቡብ ኮርያን እታ ዝበዝሑ ሰባት በቲ ቫይረስ ዝተታሕዙላ ሃገር ኮይና'ላ። ቁጽሪ ዝተለኽፉ ብ1234 ብምውሳኹ፡ ናብ 4747 በጺሑ። ቁጽሪ ዝሞቱ ድማ 124 በጺሖም ኣለዉ። ሓያሎ ሰበስልጣንን ፖለቲከኛታትን ከም ከም ዝሞቱ'ውን ተፈሊጡ።

ግብጺ፡ ኣብ ሓንቲ ኣብ ፈለግ ኒል ዝተረኽበት ናይ ዙረት መርከብ 12 ዝተለኽፉ ተረኺቦም። ኩሎም ግብጻውያን ኮይኖም፡ ኣቐዲሞም ዝኾነ ምልክታት ናይቲ ቫይረስ ዘይተራእየሎም'ዮም።

ኣመሪካ፡ ነቲ ለበዳ ንምግታእ ናይ ልዕሊ 8 ቢልዮን ዶላር ህጹጽ ባጀት ኣጽዲቓ። እቲ ገንዘብ ንምምዕባል ክታበት፡ ንምክልኻልን፡ ንናይ ዓለምለኻዊ ጻዕርታት ንምድጋፍ ዝውዕል'ዩ።

ሩስያ፡ ቁጽሪ ዝተለኽፉ ብ6 ወሲኹ፡ 12 በጺሑ።

ደቡብ ኮርያ፡ 10 መራሕቲ ናይታ ጠንቂ ምልባዕ ናይቲ ቫይረስ ዝኾነ ቤተ ክርስትያን፡ ተለኺፎም ከም ዘለዉ ተረጋጊጹ።

ቁጠባ ዓለም፡ ዕዳጋታት ዓለም ካብ ምብራቕ ንምዕራብ የንቆልቁሉ ኣለዉ። ገለ ሃገራት ነቲ ቅልውላዉ ንምግታእ ናይ ወለድ ምጉዳል ስጉምቲ ክወስዳ ጀሚረን ኣለዋ። እቲ ለበዳ ካብ 77 ክሳብ 347 ቢልዮን ዶላር ክሳራ ከስዕብ'ዩ ተባሂሉ። ዋጋ ነዳዲ ብሰንኪ'ቲ ለበዳ ኣንቆልቊሉ'ሎ።

ምንጪ ስእሊ, JUSTIN TALLIS/AFP via Getty Images