ዓብዪ ምርኢት ሙዚቃ 'ሳውዝ ባይ ሳውዝዌስት' ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ተሰሪዙ

ዓብዪ ምርኢት ሙዚቃ 'ሳውዝ ባይ ሳውዝዌስት' ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ተሰሪዙ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ,

ዓብዪ ምርኢት ሙዚቃ 'ሳውዝ ባይ ሳውዝዌስት' ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ተሰሪዙ

ሓደ ካብቶም ፍሉጣት ምርኢታት ሙዚቃ ኣመሪካ ዝኾነ 'ሳውስ ባይ ሳውዝዌስት' ብስግኣት ኮሮና ቫይረስ ተሰሪዙ።

ኣሰናዳእቲ እዚ ዓመታዊ ምርኢት ሙዚቃ ኦስቲን፤ ቴክሳስ ዝኾኑ፡ ካልእ ኣማራጺ ስለ ዘይብልና ኣብ ውሽጢ 34 ዓመት ኣብ ታሪኽ ንፈለማ እዋን ክንስርዞ ተገዲድና ኢሎም።

ከንቲባ ኦስቲን፡ እቲ ቫይረስ "ዞባዊ መዓት'ዩ" ኢሉ ድሕሪ ምእዋጁ ኣዳለውቲ፡ እቲ ምርኢት ሙዚቃ ንምስራዝ ተገዲዶም።

ኣብ ኣመሪካ ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ዝሞቱ ሰባት 14 በጺሑ ኣሎ፤ ካልኦት ልዕሊ 200 ድማ ተጠቒዖም።

ክሳብ ሕጂ ግን፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ቴክሳስ ኦስቲን ብኮሮና ቫይረስ ዝተጠቕዐ ሰብ የለን።

ብደረጃ ዓለም 100 ሽሕ ዝጽግዑ ሰባት በቲ ቫይረስ ከም ዝተጠቕዑ ትካል ጥዕና ዓለም፡ እንትገልጽ፡ ብቕልጡፍ ዝዝርጋሕ ዘሎ ሕማም ምዃኑ ኣፍሉጡ'ዩ።

'ሳውዝ ባይ ሳውዝዌስት'፡ ውሳነ ምምሕዳር እታ ከተማ ከም ዘኽብር ብምሕባር፡ "እቲ ምርኢት ሙዚቃ ክካየድ ኣለዎ ዝብል ኣብ ደምና ዘሎ ስምዒት'ዩ፤ ግን ድማ ሎሚ ኣብ ውሽጢ 34 ዓመት ንፈለማ እዋን ኣይክካየድን" ኢሎም ኣዳለውቲ እቲ መድረኽ።

ኣብዚ ዓብዪ ፍጻመ ክሳተፉ መደብ ሒዞም ዝነበሩ ከም ኣፕል፣ ኣማዞን፣ ትዊተርን ፌስቡክን ብሕጂ ከም ዘይሳተፉ ኣቐድም ኣቢሎም ኣፍሊጦም'ዮም።

እዚ ን10 መዓልቲ ዝካየድ መድረኽ፡ ኣብ ቴክኖሎጂ፣ ሙዚቃን ሚዲያን ዘለው ስም ዘለዎም ትካላትን ሰባትን ናብ ቴክሳስ ዝስሕብ ምዃኑ ይንገረሉ።

ዝሓለፈ ዓመት፡ 'ሳውዝ ባይ ሳውዝዌስት' ልዕሊ 19 ሽሕ ካብ ኣሜሪካ ወጻእ ዝመጽኡ ኣጋይሽ ሓዊሱ ናብ 74 ሽሕ ዝጽግዑ ሰባት ናብ ቴክሳስ ክበጽሑ ገይሩ'ዩ።

ኣብ 2018 ዝመጽኡ በጻሕቲ ዓዲ ድማ፡ 350 ሚሊዮን ዶላር ወጻኢ ገይሮም'ዮም።

ቅድሚ ሰሙናት ብርክት ዝበሉ ኣኼባታት፡ ጉግል፣ ኮንግረንስ ሞባይል ወርልድን ጌም ዲቨሎፐርስን ተሰሪዞም'ዮም።