ሮናልዲንሆ ስኑዕ ፓስፖርት ተረኺቡካ ብዝብል ኣብ ቀይዲ ኣትዩ

ሮናልዲንሆ ካብ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ኣብ 2015 ተሰናቢቱ

ምንጪ ስእሊ, Buda Mendes

መግለጺ ስእሊ,

ሮናልዲንሆ ካብ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ኣብ 2015 ተሰናቢቱ

ብራዚሊያዊ ውሩይ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ሮናልዲንሆ ምስ ሓዉ ትማሊ ዓርቢ ናብ ፓራጓይ ንምእታው ስኑዕ ፓስፖርት ተጠቒሙ ብዝብል ገበን እዩ ተኣሲሩ።

ሮናልዲንሆ ኣብ ዝሓለፈ ሮብዕ ኣብ ርእሰ ከተማ ፓራጓይ እንትበጽሕ ስኑዓት ሰነዳት ከም ዘቕረበ ዓቐብቲ ሕጊ ገሊጾም።

እቲ ተጻዋታይ ኩዕሶ ምስ ሓዉ ንምርመራ ከም ዝተወሰዱን ዝሓዝዎ መዕረፊ ክፍሊ ድማ ብፖሊስ ፍተሻ ከም ዝተገበረሉን ተገሊጹ።

ንሳቶም ግን ዝኾነ ጌጋ ኣይፈጸምናን ብምባል፡ እቲ ዝሓዝዎ ፓስፖርት ሕጋዊ መሲልዎም ከም ዝነበረ ተዛሪቦም።

ምንጪ ስእሊ, Fiscalia Paraguay, on Facebook

መግለጺ ስእሊ,

ብኣኽብረቲ ሕጊ ፓራጓይ ዝተረኸበ ስኑዕ ፓስፖርት ሮናልዲንሆ

ሮናልዲንሆ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት [2019]፡ ግቡእ ግብሪ ብዘይምኽፋሉን ኣብ ብራዚል ኣብ ዝተሓዝአ ተፈጥሮኣዊ ቦታ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንዘካየዶ ህንጸት ዝተበየነሉ ቅጽዓት ብዘይምክፋሉን፡ ናይ ብራዚልን ስፔይንን ፓስፖርታቱ ተሓዲጉ'ዩ።

"ኣብ ኩዕሶ እግሪ ዘለዎ ተፈላጥነትን ዝናን የኽብር'የ፤ እንተኾነ ግን ንስኻ መን ምዃንካ ብዘየገድስ ሕጊ ክኽበር እዩ ዘለዎ" ክብል ሚኒስትር ውሸዕጢ ኣዲ ፓራጓይ ዩሲሊደስ ኣሴቬዶ ንናይ ውሽጢ ሃገር ማዕኸናት ዜና ገሊጹ።

ወዲ 39 ዓመት ሮናልዲንሆ፡ ኣብ ፓራጓይ መጽሓፍ ንምልላይን ግቡእ ቆላሕታ ንዘይረኸቡ ህጻዉንቲ ጎስጓስ ንምክያድን'ዩ ናብ ፓራጓይ ገይሹ።

ሮናልዲንሆ ናይ 2004ን 2005ን ሕሩይ ተጻዋታይ ዓለም ኮይኑ ዝተመረጸን ኣብ ናይ ቀደም ጋንትኡ ባርሴሎና ጥበብ ኩዕሶ እግሪ ኣመና ዘርኣየሉ እዋን ከም ዝነበረ ይግለጽ።

ሃገሩ ብራዚል ናይ 2002 ዋንጫ ዓለም ንኽትወስድ ምስ ደቂ ጋንትኡ ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ሮናልዶን ሪቫልዶን ርኡይ ተራ ከም ዝነበሮ ይፍለጥ።

ሮናልዲንሆ፡ ዓመታዊ ካብ 80 ክሳብ 100 ሚሊዮን ፓውንድ ዝተጻረየ ኣታዊ ዝረክብ ኮይኑ፡ ኣብ ኢኒስታግራም ገጹ ሓንቲ ሕታም ንከላሊ ክሳብ 150 ሽሕ ፓውንድ ከም ዘኽፍል ይዝረብ።

መግለጺ ቪድዮ,

ተፃዊ ኩዕሶ እግሪ ብራዚል