ረቒቕ ጸብጻብ ሓደጋ ነፋሪት ኢትዮጵያ፡ ንቦይንግ ሓላፍነት የሰክም

ነፋሪት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣዲስ ኣበባ ተበጊሳ፡ ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ በረራኣ ወዲቓ 157 ትንፋስ ዘጥፈአትን ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ምኽንያት እቲ ሓደጋ ኣብታ ነፋሪት ብዝነበረ ጸገም ምዃኑ ሓደ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።

ቦርድ ድሕነት መጓዓዝያ ኣሜሪካ ኣብቲ ቀሪቡ ዘሎ ረቂቕ ጸብጻብ ዘለዎ ቅርታ ከስምዕ ወይ ክቕየር ሓሳብ እንተሃሊዩዎ ከቕርብ ዕድል ከም ዝተውሃቦ፡ እቲ ጸብጻብ ዕላዊ ስለ ዘይኾነ መንነቶም ከይግለጽ ሰባት ገሊጾም ክብል ሮይተርስ ጸብጺቡ።

ወሃቢ ቃል እቲ ቦርድ ኤሪክ ዌይስ፡ እቲ ረቂቕ ጸብጻብ ከም ዝበጽሖ እንተገለጸ'ውን፡ ነዚ ጸብጻብ ዝልውጥ ሓሳብ ብምቕራብ ሕቶ ከቕርቡ ይኽእሉ'ዶ ንዝብል ርኢይቶ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ።

ቦይንግ'ውን ኣብቲ ቀሪቡ ዘሎ ጸብጻብ ዘለዎ ምላሽ እንታይ ምዃኑ ተሓቲቱ ክምልስ ፍቓደኛ ኣይኮነን።

ነዚ ረቂቕ ጸብጻብ ዕላዊ ዝገበረ ብሉምበርግ ኒውስ ድማ፡ እቲ ጸብጻብ ብዛዕባ መገዲ ኣየር ኢትዯጵያ'ኮነ ኣሰራርሓ ሰራሕተኛታት በረራ ዝምልከት መደምደምታ ወይ ኣንፈት ብዘይምቕማጡ፡ ኣብቲ መርመራዊ ስራሕ ኣብ ልዕሊ ዝተሳተፉ ሰባት ሕቶ ኣልዒሉ።

ዋንነት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝኾነት ነፋሪት ዝበጽሓ ሓደጋ ዝምልከት ዝተዳለወ ረቂቕ ጸብጻብ፡ ኣብ ሶፍትዌር መቆጻጸሪ በረራ እታ ነፋሪት ብዝነበረ ጸገም፡ ምስ ብጌጋ ኣብረርቲ ዘጋጠመ ምዃኑ ዝተነግረ ሓደጋ ነፋሪት ኢንዶኖዢያን መገዲ ኣየር ላየን ኤር ዝወጽአ ጸብጻብ ከም ዝተነጻጸረ ተሓቢሩ ኣሎ።

ቅድሚ ሓደ ዓመት ናብ ኬንያ ትጓዓዝ ዝነበረት ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ 302፡ ክትበርር ምስ ተበገሰት ድሕሪ ሽዱሽተ ደቓይቕ ሓደጋ ኣጋጢሙዋ ዘሳፈረቶም 157 ሰባት ከምዝሞቱ ዝዝከር'ዩ።

32 ኬንያዊያን፣ 18 ካናዳዊያን፣ 18 ኢትዮጵያዊያን ሓዊሱ ዜጋታት 33 ሃገራት ዝኾኑ 157 ሰባት ህይወቶም ዝሰኣኑሉ ቀዳማይ ዓመት እዚ ሓደጋ፤ መገዲ ኣየር ኢትዯጵያ ሰሉስ 10 ማዝያ ዘኪሩዎ ከም ዝውዕል ቢቢሲ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ድሕሪ እዚ ሓደጋ፡ ኣብ ዓለም ዝርከባ ቦይንግ 737 ማክስ ካብ በረራ ክእገዳ ተገይሩ።